ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንክርስቶስ፡ ነቲ ንጡፍ መራሒና ንእመኖ

ንክርስቶስ፡ ነቲ ንጡፍ መራሒና ንእመኖ

“መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ።”—ማቴ. 23:10

መዝሙር፦ 16, 14

1, 2. እያሱ ድሕሪ ሞት ሙሴ እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎ፧

የሆዋ ንእያሱ፡ “ሙሴ ጊልያይ ሞይቱ እዩ። ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ዮርዳኖስ ተሳገር፣ ንስኻ ምስ ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኣነ ንዓታቶም፡ ንህዝቢ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ኺድ” ኢሉ ተዛረቦ። (እያ. 1:1, 2) እዚ ነገር እዚ ነቲ ንልዕሊ 40 ዓመት ንሙሴ ዜገልግሎ ዝነበረ እያሱ ሃንደበታዊ ለውጢ እዩ ዀይንዎ።

2 ቅድሚኡ ሙሴ ንነዊሕ እዋን መራሒ እስራኤል ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ፣ ድሕሪኡ ግና፡ እያሱ እዩ ኺመርሖም ተመዚዙ። ስለዚ፡ እያሱ፡ እቶም ህዝቢ ንመሪሕነቱ ዚቕበልዎ እንተ ዀይኖም ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 34:8, 10-12) ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እያሱ 1:1, 2 ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ “ጥንቲ ዀነ ሕጂ፡ ምስግጋር መሪሕነት ሓደ ኻብቲ ንድሕንነት ሃገር ኣዝዩ ዜስግእ እዋን እዩ” ይብል።

3, 4. እያሱ ስለቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትውክልቲ ኸም እተባረኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ንሕናኸ እንታይ ኢልና ንሓትት ንኸውን፧

3 እያሱ ዜስግኦ ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ወሳኒ ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። (እያ. 1:9-11) ስለቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትውክልቲ ድማ ተባሪኹ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ዛንታ ኸም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ንእያሱን ንህዝቡ እስራኤልን፡ ብመልኣኽ ገይሩ መሪሕዎም እዩ። እቲ መልኣኽ እቲ ድማ፡ እቲ ቓል ተባሂሉ ዘሎ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘጸ. 23:20-23፣ ዮሃ. 1:1

4 ህዝቢ እስራኤል ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ እያሱ ንሙሴ ተኪኡ መራሒ ዝዀነሉ እዋን ብዘይ ሽግር እዮም ሰጊሮምዎ። ንሕና እውን ታሪኻዊ ለውጢ ኣብ ዚግበረሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና፣ ስለዚ፡ ‘ውድብ የሆዋ ብፍጥነት ክትግስግስ ከላ፡ ነቲ እተሸመ መራሒና የሱስ ክንኣምኖ ዚድርኸና ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎናዶ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። (ማቴዎስ 23:10 ኣንብብ።) ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ኣብ ሕሉፍ እዋን ለውጥታት ኪግበር ከሎ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝመርሖም እስከ ንርአ።

ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ከነኣን ዝመርሖም መን እዩ፧

5. እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ እንታይ እዩ ኣጓኒፍዎ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 እስራኤላውያን ንዮርዳኖስ ደድሕሪ ምስጋሮም፡ እያሱ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጓነፎ። ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ፡ እተመልሐ ሰይፊ ምስ ዝሓዘ ሰብኣይ ተራኸበ። እያሱ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ መን ምዃኑ ስለ ዘይፈለጦ፡ “ንስኻ ኣብ ጐድንና ዲኻ ወይስ ኣብ ጐድኒ ተጻረርትና፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ተዋጋኢ መንነቱ ምስ ገለጸሉ ግና፡ እያሱ ዘይተጸበዮ ነገር እዩ ሰሚዑ። እቲ ሰብኣይ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪከላኸል ዝመጸ “ሓለቓ ሰራዊት የሆዋ” እዩ ነይሩ። (እያሱ 5:13-15ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ኣብ ካልእ ኣብ ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሆዋ ንእያሱ ብቐጥታ ይዛረቦ ኸም ዝነበረ ተገሊጹ እኳ እንተሎ፡ ግናኸ ኸምቲ ቕድሚኡ ብዙሕ ሳዕ ዝገበሮ ብመልኣኹ ገይሩ እዩ ዚዛረቦ ነይሩ።—ዘጸ. 3:2-4፣ እያ. 4:1, 15፣ 5:2, 9፣ ግብ. 7:38፣ ገላ. 3:19

6-8. (ሀ) ገሊኡ ኻብቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒታት ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ንምርዳኡ ዜሸግር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ መምርሒታት ጥበባውን እዋናውን ምንባሩ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

6 እቲ ዚመርሖም ዝነበረ መልኣኽ ንእያሱ፡ ንኸተማ ያሪኮ ንምሓዝ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ነገሮ። ኣብ ፈለማ፡ ገሊኡ ኻብቲ መምርሒታት፡ ሕማቕ ስልቲ ይመስል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንእያሱ፡ ኵሎም እቶም ሰብኡት ኪግዘሩ ኣዚዝዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንእተወሰነ መዓልትታት ንመጥቃዕቲ የቃልዖም ነይሩ እዩ። እሞኸ ኵሎም እቶም ሰብኡት ኪግዘሩስ ግቡእ ግዜ ድዩ ነይሩ፧—ዘፍ. 34:24, 25፣ እያ. 5:2, 8

7 እቶም ንርእሶም ኪከላኸሉ ዘይክእሉ ዝነበሩ ተዋጋእቲ እስራኤላውያን፡ ካብ ጸላኢ መጥቃዕቲ እንተ ተፈንዩ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብሃንደበት ግና፡ ያሪኮ “ብምኽንያት እስራኤላውያን ተዓጻጽያ” ኸም ዝነበረት ዚሕብር ወረ መጸ። (እያ. 6:1) እዚ ዘይተጸበይዎ ነገር እዚ፡ ነቲ ኣብ መምርሒ የሆዋ ዘለዎም ትውክልቲ ኣበርቲዕዎ ኪኸውን ኣለዎ።

8 ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ያሪኮ መጥቃዕቲ ኸይፍንዉ ትእዛዝ ተዋህቦም። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ንሽዱሽተ መዓልቲ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ኺዞርዋ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ሸውዓተ ሳዕ ኪዞርዋ መምርሒ ተዋህቦም። ገሊኦም ተዋጋእቲ፡ ‘ስቕ ኢልና ግዜናን ጕልበትናን ነባኽን ኣለና!’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዘይርአ መራሒ እስራኤል ግና፡ ብልክዕ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ስልቱ ኸኣ ንእስራኤላውያን እምነቶም ኣደልዲሉሎም እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እስራኤላውያን ምስቶም ሓያላት ጀጋኑ ያሪኮ ኺዋግኡ ኣየድለዮምን።—እያ. 6:2-5፣ እብ. 11:30 *

9. ካብ ውድብ ኣምላኽ ዚውሃበና መምርሒ ኽንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

9 ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ውድብና ንእትስዕቦ ሓድሽ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ንኸውን። ንኣብነት፡ ብሕታዊ መጽናዕትን ኣገልግሎትን ኣኼባታትን ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ምግባር ዚብል ሓሳብ፡ ኣብ ፈለማ ኣይተዋሕጠልናን ነይሩ ይኸውን። ሕጂ ግና እንተ ተኻኢሉ ብእኡ ምጥቃም ዘለዎ ረብሓታት ተገንዚብና ኢና። እዚ ለውጥታት እዚ ዜምጽኦ ኣወንታዊ ፍረ ኽንርኢ ኸለና፡ እምነትናን ሓድነትናን ይዓቢ እዩ።

ክርስቶስ ንቐዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ ይመርሖም ነይሩ፧

10. ነቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ ኣመሓዳሪ ኣካል መን እዩ ዚመርሖ ነይሩ፧

10 ካብቲ ቆርኔሌዎስ ክርስትያን ዝዀነሉ ኣስታት 13 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ግዝረት ከም ዜድሊ ይኣምኑ ነበሩ። (ግብ. 15:1, 2) ኣብ ኣንጾክያ ፍልልይ ምስ ኰነ፡ ጳውሎስ ነቲ ጕዳይ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ኣመሓዳሪ ኣካል ኬቕርቦ ተመደበ። ነቲ ጕዳይ ግና መን እዩ ዚመርሖ ነይሩ፧ ጳውሎስ፡ “ብምኽንያት ሓደ ራእይ እየ ደዪበ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ፍልልይ መዕለቢ ምእንቲ ኺገብረሉ፡ ክርስቶስ እዩ ነቲ ጕዳይ ዚመርሖ ነይሩ።—ገላ. 2:1-3

ክርስቶስ ንቐዳሞት ክርስትያናት ብንጡፍ ይመርሖም ምንባሩ ርኡይ እዩ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10, 11 ርአ)

11. (ሀ) ኣብ መንጎ ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ብዛዕባ ግዝረት እንታይ እምነት እዩ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ፧ (ለ) እቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት ኪድግፎም ዝነበሮ ቘራጽነት እተፈተነ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

11 እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ኰይኑ፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትያናት ኪግዘሩ ኸም ዘየድልዮም ንጹር ገበረ። (ግብ. 15:19, 20) ግናኸ፡ ካብቲ እቲ ውሳነ እቲ እተገብረሉ ሓያሎ ዓመታት ምስ ሓለፈ እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ክርስትያናት ንደቆም ይገዝሩ ነበሩ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ‘ጳውሎስ ንሕጊ ሙሴ ኣይሕሉን እዩ’ ዚብል ወረ ኺውረ ምስ ሰምዑ ግና፡ ንጳውሎስ ዘይተጸበዮ ነገር ኪገብር መምርሒ ሃብዎ። * (ግብ. 21:20-26) ጳውሎስ ‘ሕጊ እናሓለወ ከም ዚመላለስ’ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኣርባዕተ ሰብኡት ምስኡ ናብ ቤተ መቕደስ ኪማላእ ነገርዎ። ጳውሎስ፡ ‘እዚ እሞ ቕኑዕ ተግባር ኣይኰነን! ስለምንታይ ንዓይ እዚ ግበር ትብሉኒ፧ እቶም ንጕዳይ ግዝረት ብንጹር ዘይተረድእዎ ኣይሁድ ክርስትያናት እዮም ጸገም ዘለዎም’ ኪብል ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሽማግለታት ኣብ መንጎ ዅሎም ክርስትያናት ሓድነት ኪህሉ ኸም ዝደለዩ ስለ ዘስተውዓለ፡ ብትሕትና ኸምቲ እተባህሎ ገበረ። ይኹን እምበር፡ ‘የሱስ ብሞቱ ንሕጊ ሙሴ ስዒርዎ ኽነሱ ስለምንታይ እዩ ነዚ ጕዳይ እዚ ንነዊሕ ግዜ መዕለቢ ኸይረኸበ ኺጸንሕ ፈቒዱ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን።—ቈሎ. 2:13, 14

12. ክርስቶስ ነቲ ጕዳይ ግዝረት መዕለቢ ንምግባር ግዜ ኺሓልፍ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

12 ግንዛበ ዜነጽር ሓድሽ ትምህርቲ ኺውሃብ ከሎ፡ ገሊኦም ሰባት ምትዕርራይ ንምግባር ግዜ ይወስደሎም እዩ። ስለዚ፡ ኣይሁድ ክርስትያናት ኣረኣእያኦም ንምዕራይ እኹል ግዜ የድልዮም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:12) ገሊኣቶም፡ ግዝረት ድሕሪ ደጊም ምልክት እቲ ምስ ኣምላኽ ዚምስረት ፍሉይ ርክብ ዘይምዃኑ ምቕባሉ ኣጸጊምዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 17:9-12) ገሊኣቶም ድማ መስጐጕቲ ኸየጋጥሞም ስለ ዝፈርሁ፡ ካብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ተፈልዮም ኪርኣዩ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። (ገላ. 6:12) ጸኒሑ ግና ክርስቶስ ብጳውሎስ ኣቢሉ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ብእተጻሕፈ ደብዳበታት ገይሩ ተወሳኺ መምርሒ ሂቡ እዩ።—ሮሜ 2:28, 29፣ ገላ. 3:23-25

ሕጂ እውን ክርስቶስ ንጉባኤኡ ይመርሓ ኣሎ

13. ነቲ ሎሚ ክርስቶስ ዚመርሓሉ መገዲ ንምርዳኡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ገሊኡ ውድባዊ ለውጥታት እተገብረሉ ምኽንያታት ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲኡና፡ ክርስቶስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከመይ ገይሩ ይመርሕ ከም ዝነበረ ኸነስተንትን ኣሎና። ክርስቶስ ብግዜ እያሱ ዀነ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ወትሩ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምዕቋብን እምነቶም ንምድልዳልን ሓድነቶም ንምዕቃብን ጥበባዊ መምርሒ ይህብ ነይሩ እዩ።—እብ. 13:8

14-16. እቲ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ዘለዎ ሓልዮት ኣብቲ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚውሃብ መምርሒ ብንጹር ዚንጸባረቕ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮት፡ ኣብቲ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ብግዜኡ ዚህበና መምርሒ ይርአ እዩ። (ማቴ. 24:45) ኣቦ ኣርባዕተ ዝዀነ ማርክ፡ “ሰይጣን ኣብ ስድራ ቤታት መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ንጉባኤታት ኬዳኽም ይፍትን ኣሎ። ሕጂ፡ ኣብ ሰሰሙን ኣምልኾ ስድራ ቤት ክንገብር መተባብዒ ስለ እተዋህበና፡ እቲ ‘ንስድራ ቤትኩም ሓልዉ!’ ዚብል መልእኽቲ ንርእስታት ስድራ ቤት ንጹር ኰይኑሎም ኣሎ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።

15 ክርስቶስ ይመርሓና ኸም ዘሎ እንተ ኣስተውዒልና፡ ብመንፈሳዊ ዕቤትና ብዙሕ ከም ዚግደስ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ፓትሪክ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣብ ፈለማ፡ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ በብንእሽቶ ጕጅለ ዄንና ንኣገልግሎት ወፍሪ ኽንእከብ እተገብረ መሰናድዎ፡ ንገሊኦም ክርስትያናት ተስፋ ዜቝርጽ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ባህርያት የሱስ፡—ንትሑት ዝመነባብሮኦም ዜርእዮ ተገዳስነት፡—ኣብዚ መሰናድዎ እዚ ብንጹር ይርአ እዩ። ትሑታትን ብዙሕ ንጥፈታት ዘይነበሮምን ኣሕዋትን ኣሓትን ተደለይትን ጠቐምትን ከም ዝዀኑ ብዝያዳ ተሰሚዕዎም እዩ፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዓብዮም እዮም።”

16 ክርስቶስ ኣብ ርእሲ እቲ ብዛዕባ መንፈሳውነትና ዘለዎ ሓልዮት፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ ኸነተኵር እውን ይሕግዘና እዩ። (ማርቆስ 13:10 ኣንብብ።) ሓደ ኣንድሬ ዝስሙ ሓድሽ እተሸመ ሽማግለ፡ ነቲ ኣብ ውድብ ኣምላኽ እተገብረ ለውጥታት ብኣትኵሮ ኺከታተሎ ጸኒሑ እዩ። ብዛዕባኡ ሓሳቡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚዓይዩ ሰባት ምንካዮም፡ ኣብዚ ግዜና ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንዓዪ ኸም ዘሎናን ጕልበትና ኣብ ንጥፈታት ስብከት ከነተኵር ከም ዚግባእን የዘኻኽረና” ይብል።

ንመሪሕነት ክርስቶስ ብኸመይ ንድግፎ፧

17, 18. እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ለውጥታት ብኸመይ ከም ዝጠቐመና ኸነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ብንጡፍ ዚህበና ዘሎ መምርሒታት፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ይጠቕመና እዩ። እምበኣር፡ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ለውጥታት ብኸመይ ከም ዝጠቐመና ነተኵረሉ። ካብቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ወይ ኣብ ኣገልግሎት እተገብረ ለውጥታት ብኸመይ ከም እተጠቐምና ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትና እንተ ተመያይጥና፡ ክንተባባዕ ንኽእል ኢና።

ንኣባላት ስድራ ቤትካን ንኻልኦትን ምስ ውድብ የሆዋ ማዕረ ማዕረ ኺግስግሱ ትሕግዞምዶ ኣለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17, 18 ርአ)

18 ካብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑን ንጥቕምና ምዃኑን እንተ ተገንዚብና፡ ነቲ መምርሒ ብሓጐስ ክንስዕቦ ኢና። ብዝሒ እቲ ብወረቐት ዚሕተም ጽሑፋት ምንካይና ገንዘብ ከም ዚቝጥብ፡ ሓድሽ ተክኖሎጂ ምጥቃምና ድማ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዝያዳ ንምስፋሕ ከም ዜኽእል ርኢና ኢና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንተ ተኻኢሉ ኤለክትሮኒካዊ ሕታማትን ሚድያን ብዝሰፍሐ ደረጃ ኽንጥቀመሉ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ንጥሪት ውድብና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ዚደልየና ክርስቶስ ክንድግፎ ንኽእል ኢና።

19. ንመሪሕነት ክርስቶስ ክንድግፎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ንመሪሕነት ክርስቶስ ካብ ልብና ምስ እንድግፎ፡ ንእምነት ካልኦት ነደልድል ኢና፣ እዚ እውን ንሓድነትና ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ኣንድሬ ብዛዕባ እቲ ብዝሒ ኣባላት ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት-ኤል ኪንከ እተገብረ ውሳነ ድሕሪ ምስትንታኑ፡ ከምዚ ዚብል ሓሳብ ሂቡ እዩ፦ “እቶም ነዚ ለውጥታት እዚ እተቐበልዎ ቤት-ኤላውያን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ጽቡቕ መንፈስ፡ እምንቶን ኣኽብሮትን ኣሕዲሩለይ እዩ። ንዝዀነ ይኹን ዚውሃቦም ዕዮ ብሓጐስ ብምዕያይ፡ ማዕረ ማዕረ ሰረገላ የሆዋ ይግስግሱ ኣለዉ።”

ብናይ እምነት ኣዒንትና ንመላለስ፡ ንመራሒና እውን ንእመኖ

20, 21. (ሀ) ነቲ መራሒና ዝዀነ ክርስቶስ እንኣምኖ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነየነይቲ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧

20 እቲ እተሸመ መራሒና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ‘ኺስዕር፡’ ‘ዜፍርህ ነገራት እውን ኪገብር’ እዩ። (ራእ. 6:2፣ መዝ. 45:4) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልዎም ህይወትን ዕዮን የዳልዎም ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ኣብቲ ኻብ ምዉታት ንዚትንስኡ ዚግበር ሰፊሕ ዕዮ ትምህርትን ህንጸትን፡ ነፍሲ ወከፍና እጃም ኪህልወና እዩ።

21 ለውጥታት እናሃለወ እኳ ንንጉስና ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝኣመንናዮ፡ ንሱ መሪሑ ናብ ሓዳስ ዓለም ኬእትወና እዩ። (መዝሙር 46:1-3 ኣንብብ።) ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ህይወት ዘይተጸበናዮ ለውጢ ኺመጸና ኸሎ፡ ኣጸጋሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሽዑ ግና ከመይ ጌርና ኢና ውሽጣዊ ሰላምና ክንሕሉን ኣብ የሆዋ ዝነበረና ምሉእ እምነት ክንዕቅብን እንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽንምርምራ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ዑናታት ያሪኮ፡ ብዙሕ እኽሊ ተኸዚኑ ኸም ዝነበረ ረኺቦም እዮም። እዚ ድማ እታ ኸተማ ንነዊሕ እዋን ከም ዘይተኸብበት፡ እኽላ እውን ከም ዘይተወድአ ይሕብር እዩ። እስራኤላውያን ኻብ ያሪኮ ምርኮ ኺዘምቱ ኣይተፈቕደሎም ነይሩ። እምበኣር፡ እቲ እዋን እቲ፡ ብዙሕ እኽሊ ኣብ ግራውቲ ዚርከበሉ ግዜ ቐውዒ ብምንባሩ፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ንምውራር ዚጥዕሞም ግዜ እዩ ነይሩ።—እያ. 5:10-12

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 24 ዝወጸት፡ “ጳውሎስ ንዘጋጠሞ ፈተና ብትሕትና ተዋጽኣሉ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።