ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ንውሳነይ ብዙሕ ባሪኽዎ

የሆዋ ንውሳነይ ብዙሕ ባሪኽዎ

እዋኑ 1939 እዩ ነይሩ፣ ፍርቂ ለይቲ ተንሲእና ድማ ንልዕሊ ሰዓት ብማኪና ምስ ተጕዓዝና፡ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሚዙሪ፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ጆፕሊን እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ በጻሕና። ኣብኣ ኸኣ ሰላሕ ኢልና ኣብ በቤት እናዞርና ትራክትታት ብትሕቲ ማዕጾ እናኣሽለዅና ኣእቶና። ምስ ወዳእና፡ ናብ ማኪናና ኣቲና ምስቶም ካልኦት ጕጅለ ናብ እንራኸበሉ ቦታ ኸድና። ስለምንታይ ምድሪ ኸይወግሐ ናብቲ ቦታ ኸም ዝኸድናን ስለምንታይ ብኣጋኡ ኻብቲ ኽሊ ኸም ዝወጻእናን ሕቶ ይልዓለኩም ይኸውን። ጸኒሐ ኽነግረኩም እየ።

ኣነ ብ1934 እየ ተወሊደ። ፍረድ ሞሎሃንን ኤድና ሞሎሃንን ዚብሃሉ ወለደይ ከኣ፡ ካብቲ እተወለድኩሉ 20 ዓመት ኣቐዲሞም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር) ኰይኖም ነይሮም እዮም። ንየሆዋ ኸፍቅሮ ስለ ዝመሃሩኒ፡ ብዙሕ እየ ዘመስግኖም። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካንሳስ ኣብ እትርከብ ፓርሰንስ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ኢና እንነብር ኔርና። ዳርጋ ዅሎም እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኣባላት ጉባኤና ድማ ቅቡኣት ክርስትያናት እዮም ነይሮም። ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ናይ ምእካብን ሓቂ ቓል ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ጽቡቕ ልማድ ነይሩና እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መገዲ ንምስክር ኔርና፣ ነዚ ድማ ኢና ሕጂ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት እንብሎ ዘለና። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣድካሚ እዩ ነይሩ፣ ኣቦይ ግና ምስ ወዳእና፡ ጀላቶ ይዕድገልና ነይሩ።

እታ ንእሽቶ ጉባኤና ንንኣሽቱ ኸተማታትን ኣብ ከባቢአን ዚርከብ ሕርሻታትን ዝሓቘፈ ዓብዪ ኽሊ ነይርዋ። ናብቶም ሓረስቶት ክንከይድ ከለና፡ ንጽሑፋትና በቲ ባዕላቶም ዘፍረይዎ ኣሕምልቲ፡ በቲ ሽዑሽዑ ኻብ ሰፈር ደርሁ ዝኣረይዎ እንቋቝሖ፡ ወይ ድማ ብደርሁ ንልውጦ ኔርና። ኣቦይ ነቲ ጽሑፋት ኣቐዲሙ ኸፊሉሉ ስለ ዚጸንሕ፡ እቲ ምግቢ ንሕና ንበልዖ ኔርና።

ወፈራታት ስብከት

ወለደይ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚጥቀሙላ ፎኖግራፍ ነይራቶም እያ። ገና ቘልዓ ብምንባረይ፡ ብእኣ ኽጥቀም ኣይክእልን እየ ነይረ፣ ኣቦይን ኣደይን ንተመላሊስካ ምብጻሓትን ንመጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን፡ መደረታት ሓውና ራዘርፎርድ ኪውልዑሎም ከለዉ ግና ባህ ይብለኒ ነይሩ እዩ።

ምስ ኣቦይን ኣደይን ኣብ ጥቓ እታ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪናና

ኣቦይ ኣብ ናሕሲ እታ ናይ 1936 ፎርድ ማኪናና፡ መጕልሒ ድምጺ ገጢሙላ ነይሩ እዩ። እታ ማኪና ኸኣ ኣብ ምዝርጋሕ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ውጽኢታዊት እያ ነይራ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣቓልቦ ሰባት ንምስሓብ ሙዚቃ ንውልዕ እሞ፡ ድሕሪኡ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ንውልዕ ኔርና። እቲ መደረ ምስ ተወድአ፡ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ጽሑፋት ነበርክተሎም ኔርና።

ሓደ ግዜ፡ ኣብ ካንሳስ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ቸሪቬል፡ ፖሊስ ንኣቦይ፡ ነታ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ኣብቲ ኣብ ሰናብቲ ሰባት ዜዕርፉሉ መናፈሻ ኼእትዋ ኸም ዘይፍቀደሉ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ መናፈሻ ግና ከም ዚፍቀደሉ ነገርዎ። ሽዑ፡ ኣቦይ ምሳታቶም ኣይተማጐተን፣ የግዳስ፡ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ብቐሊሉ ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ነታ ማኪና ኣብቲ ኣብ ጥቓ እቲ መናፈሻ ዘሎ ጽርግያ ደው ኣበላ። ኣብቲ ኣጋጣሚታት እቲ፡ ምስ ኣቦይን ምስ ሓወይ ጀሪን ክኸውን እደሊ ነይረ እየ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1930ታት፡ ብዙሕ ተቓውሞ ንዜጋጥመና ኽልታት ብፍጥነት ንምሽፋን፡ ፍሉይ “በርቃዊ” ወፈራታት ንገብር ኔርና ኢና። ከምቲ ኣብ ጆፕሊን፡ ሚዙሪ ዝገበርናዮ ኸኣ፡ ምድሪ ኸይወግሐ ንትንስእ እሞ፡ ሰላሕ ኢልና ትራክትታት ወይ ጽሑፋት ብትሕቲ ማዕጾኦም ነእትወሎም ኔርና። ድሕሪኡ፡ ብፖሊስ እተታሕዘ ወይ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተወ ኸይህሉ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ንራኸብ ኔርና።

ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ምረሻ ሓበሬታ ዚብሃል ካልእ ዜሐጕስ መዳይ ኣገልግሎት እውን ነይሩና። ንመንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኸነፋልጥ፡ ፖስተር ተሓንጊጥና፡ ተሰሪዕና ብማእከል ከተማ ንምርሽ ኔርና ኢና። ኣብ ሓደ ኻብዚ ምረሻታት እዚ፡ ኣሕዋትና፡ “ሃይማኖት፡ መፈንጠራን መታለልን እዩ” ዚብል ፖስተር ሒዞም ኣብ ከተማና ኸም ዝዞሩ ትዝ ይብለኒ። ኣብታ ኸተማ ንሓደ ኪሎ ሜተርን ፈረቓን ዚኸውን ድሕሪ ምምራሾም፡ ናብ ገዛና መጹ። እቲ ዘሐጕስ፡ ኣብቲ ምረሻ ዋላ ሓንቲ ተቓውሞ ኣየጋጠሞምን፣ ምስ ብዙሓት ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ግና ተራኺቦም እዮም።

ናይ ቀደም ዓበይቲ ኣኼባታት

ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምእካብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ካንሳስ ናብ ቴክሳስ ንጕዓዝ ኔርና። ኣቦይ ንኩባንያ መገዲ ባቡር ይዓዪ ብምንባሩ፡ ናብቲ ኣኼባታት ንምኻድን ኣዝማድና ንምብጻሕን ብናጻ ኢና እንጕዓዝ ኔርና። ፍረድ ዊስማር ዚብሃል ዓብዪ ሓዋ ንኣደይ ምስ ሰበይቱ ዩሌሊ፡ ኣብ ቴክሳስ ኣብ እትርከብ ከተማ ተምፕል እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣኮይ ፍረድ ኣብ መጀመርታ 1900ታት ገና ብንእስነቱ እዩ ሓቂ ፈሊጡን ተጠሚቑን፣ ንኣሓቱ ድማ፡ እንተላይ ንኣደይ፡ ነቲ ዝፈለጦ ነጊርወን። ኣብ ማእከላይ ክፋል ቴክሳስ ኣገልጋሊ ዞባ (ሕጂ ሓላው ወረዳ ዚብሃል) ኰይኑ ስለ ዘገልገለ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ለዋህን ሕጉስን እዩ ነይሩ፣ ምስኡ ግዜ ምሕላፍ እውን ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንሓቂ ቕንኣት ነይርዎ፣ ብግዜ ንእስነተይ ከኣ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሩለይ እዩ።

ብ1941 ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ንምእካብ፡ ብባቡር ናብ ሰይንት ሉዊስ፡ ሚዙሪ ኸድና። ኵሎም እቶም ንኣሽቱ ዘበልና ኣብ ሓደ ፍሉይ ኽፋል እቲ መአከቢ ኾፍ ኢልና፡ “ደቂ እቲ ንጉስ” ዘርእስቱ ብሓውና ራዘርፎርድ ዝቐረበ መደረ ኽንሰምዕ ተዓደምና። ኣብ መደምደምታ እቲ መደረኡ ኸኣ፡ ሓውና ራዘርፎርድን ሓገዝቱን ነቶም ኣብቲ ጕጅለ እተኣከብና ዘበልና ዅላትና፡ ችልድረን (ቈልዑ) ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ህያብ ገይሮም ዓደሉና። ኣብኡ ነቲ መንፈሳዊ በረኸት ዝረኸብና፡ ልዕሊ 15,000 ቈልዑ ኢና ኔርና።

ኣብ ሚያዝያ 1943፡ ኣብ ካንሳስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኮፊቪል፡ “ንተግባር ዜለዓዕል” ኣብ ዘርእስቱ ኣኼባ ተኣኪብና ነበርና። ሽዑ ድማ እቲ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪግበር መደብ እተገብረሉ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመረቐ፣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እንጥቀመላ 52 ገጽ ዘለዋ ጽሕፍቲ እውን ወጸት። በታ ዓመት እቲኣ ድማ፡ ክፍሊ ተምሃራይ ንመጀመርታ ግዜይ ኣቕረብኩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ እውን፡ ኣነን ሒደት ካልኦት ሰባትን ኣብ ቈራሪት ራህያ ስለ እተጠመቕና፡ እቲ ኣኼባ ንዓይ ፍሉይ እዩ ነይሩ።

ዝምነዮ ዕዮ—ኣገልግሎት ቤት-ኤል

ብ1951 ትምህርተይ ወዳእኩ፣ ብዛዕባ መጻእየይ ከኣ ውሳነታት ክገብር ነበረኒ። ቀንዲ ትምኒተይ ኣብቲ ጀሪ ኣቐዲሙ ዜገልግለሉ ዝነበረ ቤት-ኤል ምግልጋል እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ናብ ቤት ጽሕፈት ብሩክሊን መመልከቲ ለኣኽኩ። እዚ ውሳነይ እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ መመልከትየይ ተቐባልነት ረኸበ እሞ፡ ብ10 መጋቢት 1952 ኣብ ቤት-ኤል ኣገልግሎት ክጅምር ተጸዋዕኩ።

መጽሔታትን ጽሑፋትን ኣብ ምሕታም እጃም ኪህልወኒ እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ትምኒተይ ኣብቲ ቤት ሕትመት ምስራሕ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ፈለማ ኣሳሳዪ ዀይነ ኽሰርሕ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ክሽነ ኽሰርሕ ተመደብኩ፣ ኣብኡ ድማ ዜሐጕስ ትምህርቲ ረኺበ እየ። ስለዚ፡ ኣብቲ ቤት ማሕተም ናይ ምዕያይ ኣጋጣሚ ኣይረኸብኩን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ክሽነ በብእብረ ስለ እንሰርሕ፡ ኣብ መዓልቲ ናጻ ዝዀነሉ ገሊኡ ሰዓታት ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ናብቲ ሰፊሕ ቤተ መጻሕፍቲ ቤት-ኤል ከይደ ብሕታዊ መጽናዕቲ እገብር ነይረ። እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ክዓቢ ሓጊዙኒ፡ ንእምነተይ እውን ኣደልዲልዋ እዩ። ብእተኻእለኒ መጠን ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ንዝነበረኒ ቘራጽነት እውን ኣደልዲልዎ እዩ። ጀሪ ብ1949 ካብ ቤት-ኤል ወጺኡን ንፓትሪሽያ ተመርዕዩን ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ጥቓና እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ኣገልግሎት ቤት-ኤል ከኣ ወትሩ ብዙሕ ይሕግዙንን የተባብዑንን ነይሮም እዮም።

ናብ ቤት-ኤል ድሕሪ ምእታወይ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ቤት-ኤል ዚምደቡ ተወሰኽቲ ተዛረብቲ ንምርካብ ፈተና ይውሃብ ነበረ። ስማቶም ኣብቲ ዝርዝር እቲ ዚኣቱ ኣሕዋት፡ ካብ ብሩክሊን ክሳዕ 320 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ህዝባዊ መደረ ኺህቡን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስተን ጉባኤታት ኬገልግሉን ይምደቡ ነበሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ ዝርዝር ኪኣቱ ኸኣልኩ። ነቲ ቐዳማይ ህዝባዊ መደረይ እናፈራህኩ እየ ኣቕሪበዮ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ሓደ ሰዓት ዚኸውን ንውሓት እዩ ነይርዎ። ብዙሕ ግዜ ናብ ጉባኤታት ብባቡር እየ ዝኸይድ ነይረ። ብ1954 ሓደ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ዘጋጠመኒ ነገር ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። ኣብታ ቘራሪት መዓልቲ እቲኣ፡ ናብ ኒው ዮርክ ኣብ እትኸይድ ባቡር ተሰቐልኩ እሞ፡ ኣጋ ምሸት ናብ ቤት-ኤል ክበጽሕ ሓሰብኩ። ኰይኑ ግና፡ ብርቱዕ ዛሕሊ ዘለዎ ንፋስን ውርጭን መጸ። ስለዚ፡ እቲ ብኤለክትሪክ ዚዓዪ ሞተር እታ ባቡር ተባላሸወ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ባቡር ሰኑይ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ መደበር በጽሐት። ካብኡ ድማ በታ ብትሕቲ ምድሪ እትኸይድ ባቡር ገይረ ናብ ብሩክሊን ከድኩ፣ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኸኣ ብቐጥታ ናብ ስራሐይ፡ ናብ ክሽነ ኣቶኹ። ምሉእ ለይቲ ኸይደቀስኩ ስለ ዝሓደርኩ፡ ቍሩብ ንስራሕ ደንጕየን ብዙሕ ደኺመን እየ ነይረ። እቲ ኣብተን ቐዳመ ሰናብቲ ንኣሕዋት ብምግልጋልን ምስ ብዙሓት ሓደስቲ ኣሕዋትን ብምልላይን ዝረኸብክዎ ሓጐስ ግና፡ ካብቲ ዜጋጥመኒ ጸገማት ኣብሊጸ እየ ርእየዮ።

ኣብ ስቱድዩ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ንፈነወ እናተዳሎና

ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዝነበርኩለን ቀዳሞት ዓመታት፡ ኣብታ መደበር ራድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. እውን እሳተፍ ነይረ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ስቱድዮታት ኣብቲ ኣብ 124 ኮሎምብያ ሃይትስ ዚርከብ ህንጻ፡ ኣብ ካልኣይ ደርቢ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ሰሙናዊ ኣብ ዚቐርብ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ሰባት እየ ነይረ። ኣብ ቤት-ኤል ነዊሕ ዝገበረ ሓውና ኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን ከኣ፡ ብስሩዕ ኣብቲ መደብ ራድዮ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። ንዕኡ ሓውና ማክ ኢልና ኢና እንጽውዖ ኔርና። ንሱ ድማ ነቶም ኣብ ስድራ ቤት-ኤል ንኣሽቱ ዝነበርና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንጸንዕ ጽቡቕ ኣብነት ኰይኑና ነይሩ እዩ።

ንዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ምእንቲ ኸነፋልጥ፡ ወረቐት ዕድመ ንዕድል ነበርና

ብ1958 ምስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚተሓሓዝ ስራሕ ተዋህበኒ። ዕዮይ ከኣ ነቶም ተመረቕቲ ቪዛ ኺረኽቡ ምሕጋዝን ነቶም ቀናኣት ኣሕዋትን ኣሓትን ንጕዕዞ ዚኸውን ምድላዋት ምግባርን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብነፋሪት ዚግበር ጕዕዞ ኣመና ኽቡር ስለ ዝነበረ፡ ሒደት ካብቶም ተመረቕቲ ጥራይ እዮም ብነፋሪት ዚጕዓዙ ነይሮም። መብዛሕትኦም እቶም ናብ ኣፍሪቃን ርሑቕ ምብራቕን ዚጕዓዙ ዝነበሩ ሚስዮናውያን፡ ብናይ ጽዕነት መርከብ እዮም ዚጕዓዙ ነይሮም። ድሕሪ ዓመታት፡ ዋጋ ትኬት ነፋሪት ምስ ነከየ፡ መብዛሕትኦም ሚስዮናውያን ናብ ምድቦም ብነፋሪት ኪጕዓዙ ጀመሩ።

ቅድሚ ስነ ስርዓት ምረቓ፡ ዲፕሎማ ተምሃሮ ጊልዓድ እናሰራዕኩ

ጕዕዞ ናብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት

ብ1960፡ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብቲ ኣብ ኤውሮጳ ብ1961 ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባታት ዚኸዳ ነፈርቲ ኽካረ ዕዮ ተዋህበኒ። ኣነ እውን ናብቲ ኣብ ሃምቡርግ፡ ጀርመን ዚገብር ሓደ ኻብቲ ኣኼባታት ብነፋሪት ከድኩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ኣነን ኣብ ቤት-ኤል ዘገልግሉ ሰለስተ ኣሕዋትን ማኪና ተኻሪና፡ ካብ ጀርመን ናብ ኢጣልያ ተጕዓዝና፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር በጻሕና። ካብኡ ነቒልና ኸኣ ናብ ፈረንሳ ኸድና፣ ብኣኽራን ፒረኒዝ ሓሊፍና እውን ናብታ ዕዮ ምስክርነትና ተኣጊዱላ ዝነበረ ስጳኛ ኣቶና። ነቶም ኣብ ባርሴሎና ዚርከቡ ኣሕዋትና እውን ከም ህያባት ኣምሲልና ጠቕሊልና ዝሓዝናዮ ጽሑፋት ኣብጻሕናሎም። ምሳታቶም ምርኻብና ብሓቂ እዩ ኣሐጒሱና። ብማኪና ናብ ኣምስተርዳም ድሕሪ ምኻድና ኸኣ፡ ብነፋሪት ናብ ኒው ዮርክ ተመለስና።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ እተሓርዩ ኣኼበኛታት ናብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ፍሉይ ተኸታታሊ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ዚገብርዎ ጕዕዞ ኣብ ምውዳብ ክሕግዝ ተመደብኩ። እቲ ኣኼባ ድማ ብ1963 እተገብረ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” ዘርእስቱ ኣኼባ እዩ ነይሩ። እቶም 583 ኣኼበኛታት ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳን እስያን ደቡብ ፓሲፊክን ዚግበር ኣኼባታት ድሕሪ ምእካቦም፡ በታ ኣብ ሃዋይ እትርከብ ከተማ ሆኖሉሉን በታ ኣብ ካሊፎርንያ እትርከብ ከተማ ፓሰዲናን ዙረቶም ኪዛዝሙ እዩ ተመዲቡ ነይሩ። ኣብቲ ጕዕዞኦም ድማ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ ሃገራት ንምብጻሕ፡ ብሊባኖስን ብዮርዳኖስን ኪሓልፉ መደብ ተገይሩ ነይሩ እዩ። ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ ነዚ ኺከታተል እተመደበ ኽፍሊ ኸኣ፡ በረራታትን ሆቴላትን ኣብ ርእሲ ምሕዛኡ፡ ኣብተን ዚኸድወን ሃገራት ንምእታው ዜድሊ ቪዛ ኼዳሉ እውን ነይርዎ።

ሓዳስ መጋይሽቲ

ዓመተ 1963 ብኻልእ ምኽንያት ኣዝያ ኣገዳሲት ዓመት እያ ዀይናትለይ። ብ29 ሰነ ንሓንቲ ኻብ ሚዙሪ ዝዀነት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ቤት-ኤል ዝኣተወት ላይላ ሮጀርስ ተመርዓኽዋ። ካብታ እተመርዓናላ ድሕሪ ሰሙን ከኣ፡ ኣነን ላይላን ምስቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ኪዞሩ ዝነቐሉ ጕጅለ ተጸምቢርና ናብ ግሪኽን ግብጽን ሊባኖስን ተጐዓዝና። ካብ በይሩት ከኣ ናብታ ኣብ ዮርዳኖስ እትርከብ ንእሽቶ መዓርፎ ነፈርቲ ኸድና። ኣብኡ ዕዮ ስብከትና ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ስለ ዝነበረ እሞ፡ እቶም ሰበ ስልጣን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ሃገር ንምእታው ቪዛ ኸሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብኡ ምስ በጻሕና እንታይ ከም እንኸውን ኣተሓሳሲቡና ነይሩ። ግናኸ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ንእሽቶ መዓርፎ ነፈርቲ ተኣኪቦም ዝጸንሑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ዚብል ጽሑፍ ሒዞም ምስ ጸንሑ፡ ብሓቂ ተሓጒስና ኢና። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ብዓይንና ኽንርእዮ ምኽኣልና እውን ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና። እቶም ናይ ጥንቲ ኣበው ዝነበሩሉ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ዝሰበኹሉ፡ ክርስትና ድማ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኼስፋሕፍሕ ዝጀመረሉ ቦታታት በጺሕና ኢና።—ግብ. 13:47

ላይላ ኣብ ኵሉ ኸነገልግል እተመደብናሉ ቦታ ን55 ዓመት እምንቲ ብጸይቲ ዀይናትኒ እያ። ኣብ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዕዮና ተኣጊዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናብተን ሃገራት ብተደጋጋሚ ኼድና ኢና። ንኣሕዋት ኣተባቢዕናዮም፡ ጽሑፋት ኰነ ኻልእ ዜድልዮም ነገራት እውን ወሲድናሎም ኢና። ነቶም ኣብ ካዲዝ፡ ስጳኛ ኣብ ናይ ቀደም ዕርዲ ወተሃደራት ተኣሲሮም ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋት እውን ክንበጽሖም ክኢልና ኢና። ነቶም ኣሕዋት እቲኦም ብቕዱስ ጽሑፋዊ መደረ ገይረ ኽሃንጾም ብምኽኣለይ፡ ልበይ ብሓጐስ ተመሊኡ እዩ።

ምስ ፓትሪሽያ ሞሎሃንን ጀሪ ሞሎሃንን ናብቲ ብ1969 እተገብረ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ኣኼባ እናተጐዓዝና

ኣብቲ ኻብ 1963 ንነጀው ዘሎ ዓመታት፡ ንጕዕዞታት እቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣውስትራልያ፡ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ርሑቕ ምብራቕ፡ ሃዋይ፡ ኒው ዚላንድ፡ ፖርቶ ሪኮ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ኣብ ምውዳብ ሓጊዘ እየ። ኣነን ላይላን ብሓባር ኣብ ብዙሕ ዘይርሳዕ ኣኼባታት፡ እንተላይ ኣብቲ ብ1989 ኣብ ዎርሶው፡ ፖላንድ እተገብረ ኣኼባ ተኣኪብና ኢና። ካብ ሩስያ ዝመጹ ብዙሓት ኣሕዋት ድማ፡ ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ እቲ ንፈለማ ግዜ ተኣኪቦም ነይሮም እዮም። ኣብኡ ኸኣ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሶቭየት ንዓመታት ተኣሲሮም ምስ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኺብና ኢና።

ንስድራ ቤት-ኤልን ንሚስዮናውያንን ንምህናጽን ንምትብባዕን ኣብ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ናብ ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ምብጻሕ፡ ኣዝየ ዝፈትዎ ፍሉይ መሰል እዩ ነይሩ። ናብ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዝገብርናዮ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ጨንፈር፡ ምስ 50 ኻብቶም ኣብ ሱዎን ዚርከቡ እሱራት ኣሕዋትና ተራኺብና ኢና። ኵሎም እቶም ኣሕዋት ከኣ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎም፣ ኣብ ኣገልግሎት ብዘይ ቀይዲ ዚሳተፉሉ ግዜ እውን ተሃንጥዮም እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። ምሳታቶም ምርኻብና፡ ንዓና ብዙሕ ኣተባቢዑና እዩ።—ሮሜ 1:11, 12

ወሰኽ፡ ሓጐስ የምጽእ

የሆዋ ንህዝቡ፡ ቍጽሮም ከም ዚውስኽ ብምግባር ከም ዝባረኾም ርእየ እየ። ብ1943 ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን፡ ኣስታት 100,000 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም፣ ሕጂ ግና ኣብ ልዕሊ 240 ሃገራት ልዕሊ 8,000,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ምሩቓት ጊልዓድ ከኣ ኣብዚ ዕቤት እዚ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ንነዊሕ ዓመታት ምስ ሓያሎ ሚስዮናውያን ብቐረባ ኽዓዪ ምኽኣለይን ናብ ናይ ወጻኢ ምድቦም ኪኸዱ ምሕጋዘይን ብሓቂ የሐጕሰኒ እዩ።

ብንእስነተይ ንኣገልግሎት ቤት-ኤል ብምምልካት፡ ኣገልግሎተይ ከስፍሕ ምውሳነይ የሐጕሰኒ እዩ። ኣብ ኵሉ መገደይ፡ የሆዋ ብዙሕ ባሪኹኒ እዩ። ኣነን ላይላን ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል እንረኽቦ ሓጐስ፡ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከባ ጉባኤታት ምስ ሓያሎ ናይ ቀደም ፈተውትና ኣብ ኣገልግሎት ምግልጋል እውን ባህ ይብለና እዩ።

ክሳዕ ሕጂ ላይላ እናደገፈትኒ ኣብ ቤት-ኤል አገልግል ኣለኹ። ሕጂ ወዲ 84 ዓመት እኳ እንተ ዀንኩ፡ ምስ ጨናፍር ኣብ እንለኣኣኾ ደብዳበታት ብምሕጋዝ፡ ትርጉም ዘለዎ ዕዮ ዝዓዪ ብምዃነይ እሕጐስ እየ።

ሎሚ ምስ ላይላ

ክፍሊ እዛ እተደንቕ ውድብ የሆዋ ምዃንን ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎን ዘየገልግልዎን ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ምርኣይን ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ። ነቲ ኣብ ሚልክያስ 3:18 ዚርከብ፡ “ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም” ዚብል ቃላት ሕጂ ብዝነጸረ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ናይ ሰይጣን ስርዓት እናተበታተነ ኪኸይድ፡ ሰባት ከኣ ተስፋ ኪቘርጹን ካብ ህይወት ሓጐስ ኪስእኑን ንርኢ ኣለና። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ግና ዋላ እውን ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ኣለዎም፣ ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ ርግጽ ተስፋ ኣለዎም። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮና ድማ፡ ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ። (ማቴ. 24:14) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ነዛ ኣረጊት ዓለም ኣጥፊኣ፡ ጥዕናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ካልእ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና በረኸትን ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም እተምጽኣሉ መዓልቲ ብሃረርታ ንጽበ ኣለና። ሽዑ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።