ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1918—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

1918—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ናይ 1 ጥሪ 1918 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ “ዓመተ 1918 እንታይ እያ ኸተምጽእ፧” ብዚብል ቃላት እያ ጀሚራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኤውሮጳ ገና ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተሸሚማ እያ ነይራ፣ እቲ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት ዝዀነ ነገራት ግና፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንዓለም ብሓፈሻን ጽቡቕ ተስፋ ዚህብ እዩ ነይሩ።

ዓለም ብዛዕባ ሰላም ክትዛረብ ጀሚራ

ብ8 ጥሪ 1918፡ ፕረዚደንት ውድሮው ዊልሰን ንኮንግረስ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ “ንፍትሓውን ንነባርን ሰላም” ኣገዳሲ ዝዀነ 14 ሓሳባት ዘርዚሩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ቅሉዕ ዲፕሎማሲ ኺግበር፡ ኣጽዋር ኪንከ፡ “ብዘይ ኣፈላላይ ንዓበይትን ንንኣሽቱን መንግስትታት” ዚጠቅም “ሓፈሻዊ ማሕበር ሃገራት” ኪቐውም ድማ እማመ ኣቕሪቡ። ጸኒሑ ኸኣ፡ እቲ “ዓሰርተው ኣርባዕተ ነጥብታት” ነቲ እተኣሳሰራ መንግስትታት ዚብሃል ውድብ ንምቛምን ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ከም ዜብቅዕ ዝገበረ ውዕል ቨርሳይ ንምዝታይን ሓጊዙ እዩ።

ተጻረርቲ ተሳዒሮም

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ብዙሕ ነውጺ እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ * ሰላም ዚረኽቡሉ እዋን ግና ይቐርብ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እዚ ኸኣ ኣብቲ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ኣኼባ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ተራእዩ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ ብ5 ጥሪ 1918 እተገብረ ኣኼባ ኸኣ፡ ገሊኦም ካብ ቤት-ኤል እተሰጕጉ ምርኡያት ሰባት ነታ ውድብ ኪቈጻጸርዋ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ሽዑ፡ ሪቻርድ ሃርቪ ባርበር ዚብሃል እሙን ገያሺ ሓላዊ ነቲ ኣኼባ ብጸሎት ከፈቶ። ጸብጻብ እታ ዝሓለፈት ዓመት ምስ ተሰምዐ፡ ዓመታዊ ምርጫ ዳይረክተራት ተገብረ። ሓውና ባርበር ከኣ ንጆሴፍ ራዘርፎርድን ንሽዱሽተ ኣሕዋትን ነቲ ሓላፍነት ሓጸዮም። ድሕሪኡ፡ ምስቶም ተጻረርቲ ዝወገነ ጠበቓ፡ ንሸውዓተ ኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ካብ ቤት-ኤል እተሰጕጉ ነቲ ሓላፍነት ሓጸዮም። ንሳቶም ግና ኣይተዓወቱን። እቶም ሰብ ብርኪ ብኣዝዩ ዓብላሊ ድምጺ ንሓውና ራዘርፎርድን ነቶም ሽዱሽተ እሙናት ኣሕዋትን ዳይረክተራት ኪዀኑ መረጽዎም።

ብዙሓት ኣብቲ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣሕዋት፡ እቲ ኣኼባ ኻብቲ ኽሳዕ ሽዑ እተኣከቡሉ ኣዝዩ እተባረኸ ምዃኑ ገሊጾም እዮም። ሓጐሶም ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን።

ነታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ እተዋህበ መልሰ ግብሪ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣዋርሕ ነታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ዓዲሎም እዮም። ቅኑዕ ዝልቦም ኣንበብቲ ኸኣ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጽቡቕ ተቐቢሎምዎ እዮም።

ኤድዋርድ ክሪስት ዝስሙ ኣብ ካናዳ ዜገልግል ገያሺ ሓላዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙን ጥራይ ነታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣንቢቦም ሓቂ ብዛዕባ እተቐበሉ ሰብ ሓዳር ኣዘንትዩ ነይሩ እዩ። ብዛዕባኦም ድማ፡ “ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ምሉእ ብምሉእ ውፉያት እዮም፣ ዜደንቕ ዕቤት እውን ይገብሩ ኣለዉ” ኢሉ እዩ።

ሓደ ነታ መጽሓፍ እቲኣ ዝረኸበ ሰብኣይ፡ ካብኣ እተማህሮ ነገር ብኡብኡ ንፈተውቱ ነገሮም። ከመይሲ፡ በቲ መልእኽታ ልቡ “ተወቒዑ” እዩ። ከመይ ገይሩ ኸም ዝረኸባ ኸዘንቱ ኸሎ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ሳልሳይ ጐደና ክኸይድ ከለኹ፡ ሓደ ነገር ኣብ እንግድዓይ ወቒዑኒ፣ ኣብ ፈለማ፡ ሕጡብ ዝወቕዓኒ መሲሉኒ ነይሩ፣ ከም ሓቂ ግና፡ እታ ‘ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ’ እያ ነይራ። ናብ ገዛይ ወሲደ ኸኣ ንብምልእታ ኣንቢበያ። . . . ደሓር ከም ዝፈለጥክዎ ግና ነታ መጽሓፍ ብመስኮት ብሕርቃን ዝደርበያ ሓደ ሰባኺ . . . እዩ ነይሩ። . . . ካብቲ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን ተግባር ንላዕሊ ድማ፡ በቲ ሽዑ ዝገበሮ ሓደ ተግባር ንብዙሓት ሰባት ናብ ህያው ተስፋ ኸም ዘምጽአ እየ ብጽኑዕ ዝኣምን። . . . ሳላ ቝጥዓ እቲ ሰባኺ ኸኣ፡ ሕጂ ንኣምላኽ ንውድሶ ኣለና።”

እቲ ሰባኺ ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ኣንጸባሪቑ። ብ12 ለካቲት 1918፡ ሰበ ስልጣን ካናዳ፡ እታ መጽሓፍ ዜናዕብን ጸረ ውግእ ዝዀነን ሓሳባት ከም ዝሓዘት ገይሮም ብምጥቃስ፡ ኣጊዶምዋ እዮም። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ሰበ ስልጣን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመሳሳሊ ነገር ገይሮም እዮም። ልኡኻት መንግስቲ ነቶም ንውድብና ዚመርሑ ሰባት ዚጐድእ ሓበሬታ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ነቲ ኣብ ኒው ዮርክን ፐንስልቨንያን ካሊፎርንያን ዚርከብ ኣባይትን ኣብያተ ጽሕፈትን ቤት-ኤል ፈቲሾምዎ እዮም። ብ14 መጋቢት 1918፡ ክፍሊ ፍትሒ ሕ.መ.ኣ.፡ እታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ንውግእ ዚዕንቅፍ ሓሳብ ከም ዝሓዘት፡ እዚ እውን ንድንጋገ ስለላ ከም ዚጥሕስ ብምጥቃስ፡ ነታ መጽሓፍ ኣጊድዋ እዩ።

ተኣሲሮም!

ብ7 ግንቦት 1918፡ ክፍሊ ፍትሒ ንጆቫኒ ዴቸካ፡ ንጆርጅ ፊሸር፡ ንኣለክሳንደር ማክሚላን፡ ንሮበርት ማርቲን፡ ንፍረደሪክ ሮቢሰን፡ ንጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ ንዊልያም ቫን ኣምበርግ፡ ንክለይተን ዉድዎርዝ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኺኣትዉ ትእዛዝ ኣውጽአ። ኣብ ሰራዊትን ሓይሊ ባሕርን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዀነ ኢሎም ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘይተኣዛዝነትን ዘይተኣማንነትን ኣብያን ከም ዘተባብዑ እዮም ተኸሲሶም ነይሮም። ብ3 ሰነ 1918 ከኣ ጕዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረበ፣ ገበነኛታት ተባሂሎም ከም ዚፍረዱ ግና ኵሉ ዚፈልጦ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧

ኣኽባር ሕጊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነቲ ኸም ዝጠሓስዎ እተኸስሱሉ ሕጊ፡ ማለት ነቲ ድንጋገ ስለላ፡ “ኣንጻር ፕሮፓጋንዳ ዜድምዕ መሳርያ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። ብ16 ግንቦት 1918 ድማ፡ እቲ ኮንግረስ ነቲ “ብጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም ንግቡእ ዕላማ ኢሎም ሓቂ ዘበለ” ዜሕትሙ ሰባት ዜዕቍብ እተኣረመ ሕጊ ንምውጻእ ዝቐረበሉ ሓሳብ ኣይተቐበሎን። ኣብቲ ኽርክሮም ከኣ እታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ብዙሕ ተላዒላ ነይራ እያ። ብዛዕባኣ ኸኣ እቲ ወግዓዊ መዝገብ ኮንግረስ ሕ.መ.ኣ. ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዓይነት ፕሮፓጋንዳ ዝዀነ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብነታት፡ እታ ‘ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ’ እትብሃል መጽሓፍ እያ። . . . እቲ እንኮ እተሕድሮ ጽልዋ ድማ፡ ወተሃደራት ንዕላማና ኸም ዘይቅበልዎ ምግባርን ኣብቲ ወተሃደራት ንምኽታብ ዚግበር ጻዕሪ . . . ተቓውሞ ምልዕዓልን እዩ።”

ብ20 ሰነ 1918፡ ቤት ፍርዲ ነቶም ሸሞንተ ኣሕዋት ብዅሉ እቲ እተኸስሱሉ ኽስታት ገበነኛታት ምዃኖም በየነ። ንጽብሒቱ፡ እቲ ዳኛ ፍርዱ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “እዞም ተኸሰስቲ . . . ብምሉእ ሓይሎም ዚጣበቑሉን ዜስፋሕፍሕዎን ሃይማኖታዊ ፕሮፓጋንዳ፡ ካብ ሓደ ኽፍለ ሰራዊት ጀርመን ንላዕሊ ሓደገኛ እዩ። . . . እቲ መቕጻዕቲ ኸኣ ከቢድ ኪኸውን ኣለዎ።” ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ እቶም ሸሞንተ ኣሕዋት ካብ 10 ኽሳዕ 20 ዓመት ተፈሪድዎም ናብቲ ኣብ ኣትላንታ፡ ጆርጅያ ዚርከብ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ።

ዕዮ ስብከት ቀጺሉ

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጠሞም። ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ (ኤፍ.ቢ.ኣይ.) ንንጥፈታቶም ብዙሕ ድሕሪ ምምርማሩ፡ ብዛዕባ ንጥፈታቶም ብኣሽሓት ዚቝጸር ሰነዳት ኣዳለወ። እቲ መዛግብቲ ኸኣ፡ ኣሕዋትና ንምስባኽ ቈሪጾም ምንባሮም ይሕብር።

ሓደ ሓላፊ ቤት ጶስጣ ናብ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ኣብ ዝለኣኻ ደብዳበ፡ “[ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ] ኣብ በቤት እናኸዱ ነዛ ኸተማ ይሽፍንዋ ኣለዉ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብለይቲ እዮም ከምኡ ዚገብሩ” ኢሉ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ነቲ ዕዮኦም ኬቋርጽዎ ኸም ዘይደልዩ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ክፍሊ ውግእ ዚዓዪ ዝነበረ ሓደ ኮሎነል ድማ ብዛዕባ ንጥፈታት እቲ ደሓር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ፍረደሪክ ፍራንዝ ናብቲ ቢሮ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ “ኤፍ. ዳብልዩ. ፍራንዝ፡ ሓደ ሽሕ ኣቢሉ ዝኸውን ቅዳሓት እታ ‘ፊንሽድ ሚስትሪ’ ብንጡፍ ይሸይጥ ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።

ጸኒሑ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ንዘገልገለ ቻርለስ ፈከል እውን ከቢድ መስጐጕቲ ኣጋጠሞ። ነታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ስለ ዝዘርግሐ፡ ሰበ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተውዎ፣ ንደብዳበታቱ እውን ይከታተልወን ነበሩ። ንሓደ ወርሒ ኸኣ ኣብ ባልቲሞር፡ ሜሪላንድ ተኣሲሩ ነበረ፣ “ኦስትርያዊ ጸላኢ” ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ነበሩ። ንሱ ግና ነቶም መርመርቱ ብትብዓት ኪምስክረሎም ከሎ፡ ነተን ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:16 ዚርከባ፡ “እንተ ዘየበሲረ ግና፡ ወይለይ!” ዚብላ ቓላት ጳውሎስ ይዝክር ነበረ። *

እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ብቕንኣት ዚገብርዎ ዝነበሩ ስብከት፡ ነቶም ኣብ ኣትላንታ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሕዋት ናጻ ንምውጻእ እውን ብውዕዉዕ ስምዒት ፊርማታት ይእክቡ ነበሩ። ብዛዕባ እዚ ኣና ጋርድነር ከምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ኵሉ ሳዕ ገለ ነገር ንገብር ኔርና ኢና። ኣሕዋት ምስ ተኣስሩ፡ ፊርማ ንእክብ ኔርና። ኣብ በቤት ድማ ንኸይድ ኔርና። ብኣሽሓት ዚቝጸር ፊርማታት ከኣ ኣኪብና ኢና። ነቶም እነዛራርቦም ሰባት ድማ፡ እቶም እተኣስሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖምን ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኸም እተኣስሩን ንነግሮም ኔርና።”

ዓበይቲ ኣኼባታት

ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን እቲ፡ ንኣሕዋት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምብርታዕ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ብተደጋጋሚ ይግበር ነበረ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብዛ ዓመት፡ . . . ልዕሊ ኣርብዓ ዓበይቲ ኣኼባታት ተገይሩ እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ከኣ ጽቡቕ ጸብጻብ መጺኡ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን ኣቐዲሙ ኣብ እተወሰነ ወቕቲ ጥራይ ኣኼባ ይግበር ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ግና ኣብ ወወርሒ ኸም እተገብረ ገለጸት።

ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ብስራት ይሰምዑ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ ኣብ እተገብረ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ፡ 1,200 ተኣከብትን 42 ተጠመቕትን ነበሩ፣ ሓደ ኻብቶም ተጠመቕቲ ድማ፡ “ንኣምላኽ ዘለዎ ሞሳን ተወፋይነቱን ንብዙሓት ዓበይቲ ዜሕፍር” እተባህለሉ ቘልዓ እዩ ነይሩ።

ድሕሪኡኸ፧

መወዳእታ 1918 እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ መጻኢ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሻቕል እዩ ነይሩ። ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ገሊኡ ንብረት ተሸጠ፣ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ከኣ ናብ ፒትስበርግ፡ ፐንስልቨንያ ገዓዘ። እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለዉ፡ ብ4 ጥሪ 1919 ዓመታዊ ኣኼባ ሰብ ብርኪ ኺግበር መደብ ወጸ። እሞኸ እንታይ ኰነ፧

ኣሕዋትና ጸኒዖም ዕዮኦም ቀጸሉ። በቲ ውጽኢት ብዙሕ ስለ እተኣማመኑ ኸኣ፡ ንኢሳይያስ 54:17 ዓመት ጥቕሲ 1919 ክትከውን ሓረይዋ፣ እታ ጥቕሲ ድማ፡ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ትብል። (ትርጉም 1956) ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ዚግልበጠሉ እሞ እምነቶም ዚድልድለሉን ንዚጽበዮም ዕዮ ዚሕይሉሉን መድረኽ ተዳልዩ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2017 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 172-176፡ ዝወጸት “ቅድሚ ሚእቲ ዓመት—1917” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 22 ታሪኽ ህይወት ቻርለስ ፈከል፡ ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1969 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ “ብሰናይ ግብሪ ብምጽናዐይ ዝረኸብክዎ ሓጐስ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ይርከብ።