ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም

ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ሰሓቢ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዜሰልኪ ድዩ ዝዀነካ ወይስ ባህ ዜብል፧ እዚ ዝያዳ ኣብቲ እተንብበሉ መገዲ እዩ ዚምርኰስ። ሰሓብን ዜሐጕስን ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እስከ ንርአ።

ዜተኣማምንን ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወን ትርጉም ምረጽ። እቲ እተንብቦ ጽሑፍ፡ ትርጉሙ ዘይትፈልጦ ኸቢድ ወይ ግዜኡ ዝሓለፎ ብዙሕ ቃላት ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ባህ ኢሉካ ኸተንብቦ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ፡ ብቐሊሉ ዚርዳእን ልብኻ ዚትንክፍን ቋንቋ ዚጥቀም መጽሓፍ ቅዱስ ድለ። ምስናይዚ ግና፡ ብጥንቃቐን ብልክዕን እተተርጐመ ኪኸውን ኣለዎ። *

ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቐም። ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተሓትመ ጥራዛት ጥራይ ዘይኰነስ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ እውን ይርከብ እዩ። ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ኣቲኻ ኸተንብቦ ወይ ድማ ኣብ ኮምፕዩተርካ፡ ታብለትካ ወይ ቴሌፎንካ ኣራጊፍካ ኸተንብቦ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ሕታማት፡ ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ርእሰ ነገር ዚገልጽ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ ክትረክብ ወይ ምስ ካልእ ትርጉማት ከተነጻጽር ዚሕግዘካ ተወሳኺ ንዋት ኣለዎ። ካብ ምንባብ፡ ምስማዕ ትመርጽ እንተ ዄንካ ድማ፡ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ብመጐዓዝያ ኺጐዓዙ፡ ክዳን ኪሓጽቡ፡ ወይ ከኣ ኪሰምዑ ኣብ ዜፍቅደሎም ካልእ ንጥፈታት ኪጽመዱ ኸለዉ፡ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ባህ ይብሎም እዩ። ንምንታይ ንዓኻ ዚጥዕመካ ሜላ ኽትጥቀም ዘይትፍትን፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ንዋት ተጠቐም። እዚ ንዋት እዚ፡ ካብ ንባብካ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንእተጠቕሱ ቦታታት ክትረኽቦምን ንፍጻመታት ከተተኣሳስርን ኪሕግዘካ እተዳለወ ካርታታት ኣሎ። ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዀነ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ንትርጉም ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እተፈላለየ ሜላ ተጠቐም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ምንባቡ ኸቢድ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንምንታይ በቲ ዚስሕበካ ኽፋል ከተንብብ ብምጅማር ተገዳስነትካ ዘይተለዓዕል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ብዛዕባ ዚርከቡ ፍሉጣት ሰባት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ እተወሰኑ ገጸ ባህርያት መሪጽካ ብዛዕባኦም ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸተንብብ እትኽእለሉ ንመርኣዪ ዚኸውን መገዲ፡ ኣብታ “ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት ብምፍላጥ መርምሮ” ዘርእስታ ሳጹን ይርከብ እዩ። ወይ ከኣ ምናልባት ንመጽሓፍ ቅዱስ በብርእሰ ነገር ወይ ብመስርዕ ፍጻመታት ከተንብቦ ትደሊ ትኸውን። ንምንታይ ንሓዲኡ ዘይትፍትኖ፧

^ ሕ.ጽ. 4 ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወን ዜተኣማምንን ንምንባቡ ቐሊልን ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብልዕሊ 130 ቋንቋ ይርከብ እዩ። ካብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ሓደ ቕዳሕ ከተራግፍ ወይ ነቲ JW Library ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ቕዳሕ ናብ ቤትካ ኼምጽኡልካ ይኽእሉ እዮም።