ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧

ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ጥራይ ድዩ፧

ሓንቲ ንእሽቶ ጓል፡ ደበና ዚመስል ትኪ ኻብ ሓንቲ ፋብሪካ በሎኽ እናበለ ኺወጽእ ምስ ረኣየት፡ እታ ፋብሪካ ደበና ኸም እትሰርሕ ገይራ ደምደመት። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቈልዑ ዚርአ ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ዜስሕቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከቢድ ዝዀነ ግጉይ ምርዳእ ንህይወትና ዚጸሉ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ኣብ መትሓዚ መድሃኒት ንዚጽሓፍ መምርሒ ብጌጋ ምንባብ ሓደገኛ ሳዕቤን ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ግጉይ ምርዳእ ምህላው ድማ ዝያዳ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንትምህርትታት የሱስ ብጌጋ ተረዲኦምዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃንስ 6:48-68) ዝያዳ ኺምሃሩ ኣብ ክንዲ ዚፍትኑ ንዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮም ነጸግዎ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽሳራ ዀን እዩ!

መምርሒ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ዲኻ፧ ተንብብ እንተ ዄንካ፡ ክትንኣድ ይግብኣካ። ይኹን እምበር፡ ንገለ ኻብቲ ዘንበብካዮ ብጌጋ ትርድኦዶ ትኸውን፧ ንብዙሓት ሰባት ከምኡ ኣጋጢምዎም እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ሰባት ብጌጋ ዚርድእዎ ሰለስተ ሓሳባት እስከ ርአ።

  • ገሊኦም ሰባት፡ “ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ” ንዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ይርድእዎ እዮም። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንኣምላኽ ብራዕዲ ምፍራህ ማለት ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። (መክብብ 12:13) ኣምላኽ ግና ኣምለኽቱ ብዛዕባኡ ኸምኡ ኺስምዖም ኣይደልን እዩ። ንሱ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ [እየ]” ይብል። (ኢሳይያስ 41:10) ንኣምላኽ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ፡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምህላው ወይ ዓሚቚ ኣኽብሮት ምርኣይ ማለት እዩ።

  • ምድሪ ብሓዊ ነዲዳ ኽትጠፍእ ድያ፧

    ገሊኦም ሰባት ነተን፡ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፣ . . . ንምውላድ ግዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ድማ ግዜ ኣለዎ” ዚብላ ቕዱስ ጽሑፋዊ ቓላት ብጌጋ ይርድእወን እዮም። ኣምላኽ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚሞተላ ግዜ ድሮ ኸም ዝወሰነ ገይሮም ይድምድሙ። (መክብብ 3:1, 2) ኰይኑ ግና፡ እዛ ጥቕሲ ብዛዕባ ዑደት ህይወት ሓሳብ ብምሃብ፡ ሞት ናይ ኵላትና ብጽሒት ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ። ቃል ኣምላኽ፡ ውሳነታትና ንዕምርና ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል እውን ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ “ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ምሳሌ 10:27፣ መዝሙር 90:10፣ ኢሳይያስ 55:3) ብኸመይ፧ ንኣብነት፡ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ንኸም ስኽራንን ዘይስነ ምግባራውነትን ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ ልማዳት ከነወግድ ይድርኸና እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10

  • ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማያትን ምድርን “ንሓዊ ተዓቚሩ ኣሎ” ኺብል ከሎ ቓል ብቓሉ ብምውሳድ፡ ኣምላኽ ነዛ ፕላኔትና ኸም ዜጥፍኣ ይድምድሙ። (2 ጴጥሮስ 3:7) እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ንምድሪ ቓል ብቓሉ ፈጺሙ ኸም ዘየጥፍኣ ቓል ኣትዩ እዩ። ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን እያ።” (መዝሙር 104:5፣ ኢሳይያስ 45:18) ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ ነገር ኰይኑ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዚጠፍእ፡ ቃል ብቓሉ እዛ ምድርና ዘይኰነትስ፡ እዚ ብልሹው ስርዓት ዓለም እዩ። ሰማያት ቃል ብቓሉ ኺጥቀስ ከሎ ኸኣ፡ ነቲ እንርእዮ ሰማይ፡ ንዩኒቨርስ፡ ወይ ኣምላኽ ንዚነብረሉ ስፍራ ኬመልክት ይኽእል እዩ። እዚ ዅሉ ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ።

ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ዚርድእዎ ስለምንታይ እዮም፧

ካብዚ ኣብነታት ክትርእዮ ኸም እትኽእል፡ መብዛሕትኡ እዋን ሰባት ንገሊኡ ዜንብብዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ይርድእዎ እዮም። ኣምላኽ ከምዚ ኼጋጥም ዝፈቐደ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ጥበበኛን ኵሉ ዚፈልጥን እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ማንም ሰብ ብቐሊሉ ኺርድኦ ዚኽእል ብንጹር እተጻሕፈ መጽሓፍ ዘይሃበና፧’ ይብሉ ይዀኑ። መብዛሕትኡ እዋን ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ዚርድኡሉ ሰለስተ ምኽንያታት እስከ ርአ።

  1. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትሑታትን ኪምሃሩ ድሉዋት ዝዀኑን ሰባት ኪርድእዎ ብዚኽእሉ መገዲ እዩ ተዳልዩ። የሱስ ንኣቦኡ፡ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ” በሎ። (ሉቃስ 10:21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ንመልእኽቱ ኺርድእዎ ብዚኽእሉ መገዲ እዩ ተጻሒፉ። እቶም መብዛሕትኡ እዋን ትዕቢት ዜንጸባርቑ “ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን” ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ይርድእዎ እዮም። እቶም ከም ናይ ሕጻናት ዝበለ ትሕትናን ናይ ምፍላጥ ህንጥዮትን ዘለዎም ሰባት ግና ንመልእኽቲ ኣምላኽ ብዝሓሸ መገዲ ይርድእዎ እዮም። ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብውሕሉል መገዲ ኣጽሒፍዎ!

  2. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብቕንዕና ሓገዝ ኣምላኽ ብምድላይ ኪርድእዎ ዚጽዕሩ ሰባት እዩ ተጻሒፉ። የሱስ፡ ሰባት ንትምህርትታቱ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድእዎ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ገሊጹ ነይሩ እዩ። ነዚ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ፡ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ ሓጋዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም [እዩ]” ብምባል ገለጸ። (ዮሃንስ 14:26) ኣምላኽ፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ምእንቲ ኺርድእዎ ነቲ ንጡፍ ሓይሉ፡ ማለት ንመንፈስ ቅዱሱ ይህቦም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ነቶም ሓገዝ ንምርካብ ኣብኡ ዘይውከሉ ሰባት መንፈሱ ኣይህቦምን እዩ፣ በዚ ድማ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይበርሃሎም። መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዝያዳ ፍልጠት ዘለዎም ክርስትያናት፡ ዓሚቝ ምርዳእ ኪህልዎም ንዚደልዩ ሰባት ንኺሕግዝዎም የለዓዕሎም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-35

  3. ሰባት ንገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ጥራይ እዮም ኪርድእዎ ዚኽእሉ። ንኣብነት፡ ነብዪ ዳንኤል ንመጻኢ ዚኸውን መልእኽቲ ኺጽሕፍ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ። ሓደ መልኣኽ፡ “ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ነዚ ቓላት እዚ ምስጢር ጌርካ ሓዞ፣ ነታ መጽሓፍ እውን ሕተማ” በሎ። ብዙሓት ሰባት ነታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዳንኤል ንዘመናት ዚኣክል እኳ እንተ ኣንበብዋ ኺርድእዋ ኣይከኣሉን። ከም ሓቂ፡ ዳንኤል ንባዕሉ እውን ንገለ ኻብቲ ዝጸሓፎ ነገራት ኣይተረድኦን። “ኣነ ድማ ሰማዕኩ፣ ክርዳእ ግና ኣይከኣልኩን” ብምባል ከም ዘይተረድኦ ብትሕትና ተኣሚኑ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ሰባት ነቲ ዳንኤል ዝጸሓፎ ትንቢት ኣምላኽ ብልክዕ ኪርድእዎ ይኽእሉ ነበሩ፣ እዚ ዚኸውን ግና ኣብቲ ኣምላኽ ዝወሰኖ ግዜ ጥራይ እዩ። እቲ መልኣኽ፡ “ዳንኤል፡ እዚ ቓላት ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ምስጢር ጌርካ ኺትሓዝን ኪሕተምን ስለ ዝዀነ፡ ኪድ ደኣ” ኢሉ ገለጸሉ። ንመልእኽቲ ኣምላኽ ዚርድእዎ መን እዮም፧ “ካብቶም እኩያትሲ ሓደ እኳ ኣይኪርዳእን እዩ፣ እቶም ልቦና ዘለዎም ግና ኪርድኡ እዮም” ዚብል ነንብብ። (ዳንኤል 12:4, 8-10) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንትርጉም ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግቡእ ግዜኡ ኸይኣኸለ ኣይገልጾን እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ብዘይምእኻሉ ብጌጋ ተረዲኦምዎዶ ይፈልጡ፧ እወ። ኣምላኽ ንነገራት ዜነጽረሉ ግዜ ምስ በጽሐ ግና ነቲ ዝነበሮም ምርዳእ ምትዕርራይ ገይሮምሉ እዮም። ከምዚ ብምግባር፡ ነቶም የሱስ ኪእርሞም ከሎ ብትሕትና ኣተሓሳስባኦም ዜዐርዩ ዝነበሩ ሃዋርያት ክርስቶስ ከም ዚመሰልዎም እዮም ዚኣምኑ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:6, 7

እቲ እታ ቘልዓ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ደበና ዝነበራ ዘይክውንነታዊ ሓሳባት ኣቕሊልካ ዚርአ ግጉይ ምርዳእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ግና ንዓኻ ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቱ ብምንባብ ባዕሉ ኺርድኦ ኸም ዚኽእል ገይሩ ኺሓስብ የብሉን። ስለዚ፡ ነቲ እተንብቦ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ሓገዝ ሕተት። ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትሑት ልቢ ዜንብብዎ ሓገዝ ድለ። ንሳቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድእዎ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ይውከሉ፡ ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ ኸም ዚደልየና ድማ ይኣምኑ እዮም። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ምምይያጥ ኰነ ነቲ ብጥንቃቐ ምርምር እተገብረሉ ኣብ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ዚወጽእ ጽሑፋቶም ካብ ምንባብ ድሕር ኣይትበል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንኣእምሮ እንተ ጸዊዕካያ ፍልጠት ኣምላኽ ክትረክብ ኢኻ’ ይብል።—ምሳሌ 2:3-5