ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ

3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”ሮሜ 12:2

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣምላኽ ብኣተሓሳስባና ይግደስ እዩ። (ኤርምያስ 17:10) መሸም ጽልኢ ዜንጸባርቕ ዘበለ ኽንዛረብ ወይ ክንገብር የብልናን፣ ጽልኢ ንምውጋድ ግና፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንገብር ኣሎና። ዓንኬል ጽልኢ ኻብ ኣእምሮን ልብን እዩ ዚጅምር። ስለዚ፡ ኣሰር ጽልኢ ዘበለ ኻብ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ክንምሕዎ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ብሓቂ ‘ኽንልወጥን’ ንዓንኬል ጽልኢ ኽንሰብሮን እንኽእል።

ክትገብሮ እትኽእል፦

ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ደቂ ኻልእ ዓሌት ወይ ደቂ ኻልእ ዓዲ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰባት እንታይ ከም እትሓስብን እንታይ ከም ዚስምዓካን ብቕንዕና ገዛእ ርእስኻ ገምግም። ‘ብዛዕባኦም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፧ ኣረኣእያይ ኣብቲ ኣነ ብብሕቲ ብዛዕባኦም ዚፈልጦ ነገር እተመርኰሰ ድዩ፡ ወይስ ኣቐዲመ እየ ዝፈርዶም፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ጽልእን ዓመጻን ዚንጸባረቐሉ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ፊልም፡ ወይ መዘናግዒ ኣወግድ።

ቃል ኣምላኽ ንጽልኢ ኻብ ልብናን ካብ ኣእምሮናን ከነውጽኦ ይሕግዘና

ሓሳባትናን ስምዒታትናን ብፍትሓዊ መገዲ ምግምጋም ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ‘ቃል ኣምላኽ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ክንመሚ’ ይሕግዘና እዩ። (እብራውያን 4:12) እምበኣር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ መርምሮ። ንትምህርትታቱ ምስ ኣተሓሳስባኻ ኣነጻጽሮ። ንኣተሓሳስባኻ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንምስምማዕ ከኣ ዚከኣለካ ግበር። ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝገበረ ጽልኢ ኽንስዕሮ ይሕግዘና እዩ።—2 ቈረንቶስ 10:4, 5