ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
ግዳይ ጽልኢ ዄንካዶ ትፈልጥ፧
ዋላ እውን ኴንካ ዘይትፈልጥ እንተ ዀንካ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ ትርእዮ ኢኻ። ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዓዶም፡ ብዓሌቶም፡ ወይ ብሃይማኖቶም ኪጽልኡ ኣብ ዜናታት ንርኢ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት መንግስትታት ኣንጻር ጽልኢ ሕግታት ይሕግጉ እዮም።
ጽልኢ ብቐሊሉ ዝያዳ ጽልኢ እዩ ዚወልድ። ግዳያት ጽልኢ መብዛሕትኡ ግዜ ሕነ ይፈድዩ እዮም፣ እዚ ድማ ቀጻሊ ዓንኬል ጽልኢ እዩ ዜጐሃህር።
ምናልባት ኣደዳ ላግጽን ኣቐዲምካ ፍርድን ጸርፍን ምፍርራህን ኴንካ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽልኢ ስግር እዚ እውን ይኸይድ እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ነተጐ ኸኣ፡ እቲ ዜስካሕክሕ መልክዑ ይርአ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ድንደና፡ ግብረ ጸይቂ፡ መጥቃዕቲ፡ ጾታዊ ዓመጻ፡ ቅትለት፡ ወይ ጃምላዊ ቕትለት ኪጥቀስ ይከኣል።
እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትህበሉ፡ ጽልኢ ብኸመይ ኪሰዓር ከም ዚከኣል እውን ከተርእየና እያ፦
ኣመና ብዙሕ ጽልኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ኪስበር ይከኣል፧
ጽልኢ ንሓዋሩ ዚውገደሉ እዋንሲ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧