ቅኑዕን ጌጋን፦ ዚዓዪ መምርሒ
ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ዚዓይን ዜተኣማምንን ምዃኑ ዝረኣዩሉ ኣርባዕተ መዳያት ህይወት እስከ ንርአ።
1. መውስቦ
ሓጐስ ዝሰፈኖ መውስቦን ሓዳርን ብዛዕባ ምምስራት እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33።
ትርጉሙ፦ መውስቦ መበቈሉ ኻብ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ሓዳር ሓጐስ ምእንቲ ኺሰፍን እንታይ ከም ዜድሊ ንሱ ይፈልጥ እዩ። (ማርቆስ 10:6-9) ሰብ ሓዳር ኣብቲ ነፍሲ ወከፎም ካብ ሓዳሮም ዚረኽብዎ ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንሓዳሮም ንምድልዳል ዚህብዎ ነገር እንተ ኣተኲሮም ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። ንሰበይቱ ዜፍቅር ሰብኣይ፡ ብኣተሓሕዛኡን ብሓልዮቱን ነዚ የርኢ እዩ። ንሰብኣያ እተኽብር ሰበይቲ ኸኣ፡ ብኣዘራርባኣን ብተግባራን ነዚ ተርኢ እያ።
መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዪ እዩ፦ ኣብ ቭየትናም ዚነብሩ ክዌንግን ቲሂን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ብሓዳሮም ሕጉሳት ኣይነበሩን። ክዌንግ ሕሱም እዩ ነይሩ። ንሱ፡ “ብዛዕባ ስምዒት ቲሂ ኣይግድሰንን እዩ ነይሩ፣ ብዙሕ ግዜ እውን አዋርዳ ነይረ” ይብል። ስለዚ፡ ቲሂ ኽትፈትሖ ደለየት። ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “ንሰብኣየይ ክኣምኖ ወይ ከኽብሮ ኣይከኣልኩን ነይረ” ትብል።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ክዌንግን ቲሂን፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህርን ንኤፌሶን 5:33 ኣብ ሓዳሮም ብኸመይ ከም ዚትግብርዋን ፈለጡ። ክዌንግ፡ “እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ለዋህ ክኸውን ከም ዘሎኒ፡ ንትሂ ኸኣ ከፍቅራ ኸም ዘሎኒ፡ ብስጋውን ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ እውን ክሓልየላ ኸም ዘሎኒ ኽርዳእ ኣኽኢላትኒ እያ። ከምኡ ምስ ገበርኩ፡ ፍቕራን ኣኽብሮታን ክረክብ ክኢለ እየ” ይብል። ቲሂ ኸኣ፡ “ንኤፌሶን 5:33 ብዝያዳ ብዝተግበርክዋን ንሰብኣየይ ኣኽብሮት ብዘርኣኽውዎን መጠን፡ ንሱ እውን ብዝያዳ ፍቕርን ቅሳነትን ሰላምን ከም ዚስምዓኒ ገይሩ” ትብል።
ብዛዕባ መውስቦ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት” ዘርእስታ ንቕሑ! ቍ. 2 2018 ኣንብብ።
2. ኣተሓሕዛ ሰባት
ሰባት ብምኽንያት ዓሌቶም፡ ዜግነቶም፡ ትርኢቶም፡ ሃይማኖቶም፡ ወይ ጾታዊ ዝንባለኦም ይግፍዑ እዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ።”—1 ጴጥሮስ 2:17።
ትርጉሙ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰባት ብምኽንያት ዓሌቶም፡ ዜግነቶም፡ ወይ ጾታዊ ዝንባለኦም ክንጸልኦም ከም ዚግባእ ኣይምህርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዓሌት፡ ዜግነት፡ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ሰብ ከነኽብር እዩ ዜተባብዓና። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ምስ ናይ ካልኦት እምነትን ተግባርን እኳ እንተ ዘይተሰማማዕና፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ክንሕዞም ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 7:12።
መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዪ እዩ፦ ዳንኤል ካብ እስያ ንዚመጹ ዘበሉ፡ ንሃገሩ ስግኣት ከም ዝዀኑ ገይሩ ኺርኢ እዩ ተማሂሩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እስያውያን ዘበሉ ይጸልእ፡ ብግህዶ ድማ ይጸርፎም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ነዚ ጠባየይ እዚ ‘ሓርበኛነት’ ከም ዝዀነ ገይረ አመኻኒ ነይረ። ኣተሓሳስባይ ወይ ተግባረይ ጌጋ ኸም ዝዀነ ገይረ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ” ይብል።
ድሕርዚ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ፈለጠ። ዳንኤል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣተሓሳስባይ ምሉእ ብምሉእ ክቕይር ነይሩኒ። ንሰባት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክርእዮም ነይሩኒ፣ ካበይ ምዃንና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ሕደ ምዃንና ኽኣምን ነይሩኒ” ይብል። ሕጂ ምስ ሰባት ኣብ ዚራኸበሉ እዋን ብዛዕባ ዚፈጥረሉ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ “ካበይ ምዃኖም እኳ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይዝክሮን እየ። ሕጂ ንዅሎም ዓይነት ሰባት እፈቱ እየ፡ ካብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ናይ ቀረባ ፈተውቲ ኣለዉኒ” ይብል።
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “ኣቐዲምካ ፍርድስ ፈውሲ ኣለዎዶ፧” ዘርእስታ ንቕሑ! ቍ. 3 2020 ኣንብብ።
3. ገንዘብ
ብዙሓት ሰባት ሓጐስን ዝሓሸ መጻእን ንምርካብ ደድሕሪ ገንዘብ ይጐይዩ እዮም።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ገንዘብ ዕቝባ ዚኸውን፡ ጥበብ እውን ዕቝባ እያ፣ ጥቕሚ ፍልጠት ግና እዚ እዩ፦ ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ።”—መክብብ 7:12።
ትርጉሙ፦ ገንዘብ የድልየና እዩ፣ ግናኸ፡ ንሓጐስና ዀነ ንመጻኢና ውሕስነት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ምሳሌ 18:11፣ 23:4, 5) ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ውሑስ መጻእን ንምርካብ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ኣምላኽ ክንትግብሮ ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 6:17-19።
መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዪ እዩ፦ ኣብ ኢንዶነዥያ ዚነብር ካርዶ ዝስሙ ሰብኣይ ሃብቲ ኣብ ምድላብ ኣተኲሩ ነበረ። ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ሰባት ዚሓልምዎ ነገራት ነይሩኒ። ናብ ቃሕ ዝበለኒ ኽገይሽ፡ ናይ መጋየጺ ንብረትን ማካይንን ኣባይትን እውን ክዕድግ እኽእል ነይረ” ይብል። እዚ ብልጽግናኡ ግና ኣይቀጸለን። እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓደ ሰብ ስለ ዘጠፋፍኣኒ፡ ኵሉ እቲ ንዓመታት ዝጸዓርኩሉ ገንዘብ ብቕጽበት ዓይኒ ጠፊኡ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ህይወተይ ደድሕሪ ሃብቲ ኣብ ምጕያይ እየ ኣሕሊፈዮ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና እንትርፎ ባዶነትን ዋጋ ኣልቦነትን ጓህን ካልእ ኣይረኸብኩን” ይብል።
ካርዶ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ኺትግብሮ ጀመረ። ድሕርዚ፡ ኵሉ ጕልበቱ፡ ሃብቲ ኣብ ምድላብ ከም ዜተኵር ኣይገበረን፣ የግዳስ፡ ቀሊል ናብራ ኺነብር ወሰነ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ ናይ ሓቅን ነባርን ሃብቲ። ሕጂ ለይቲ ጥዑም ድቃስ እድቅስ ኣለኹ፣ ብሓቂ እውን ሕጉስ እየ።”
ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገንዘብ ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “ትምህርትን ገንዘብን ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ኺገብር ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስታ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 3 2021 ዝወጸት ዓንቀጽ ኣንብብ።
4. ጾታ
ሰባት ብዛዕባ እቲ ብጾታዊ መዳይ ቅቡል ዚብሃል ነገራት፡ በበይኑ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁን እዩ። ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ ድማ ኣይትመርሑ።”—1 ተሰሎንቄ 4:3-5።
ትርጉሙ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንጾታዊ ትምኒትና እንገልጸሉ መገዲ ደረት ይገብረሉ እዩ። እቲ “ምንዝርና” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንዝሙት፡ ኣብ መንጎ ዘይተመራዓዉ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ንግብረ ሶዶም፡ ምስ እንስሳ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ የጠቓልል። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ጾታዊ ርክብ ኣብ መንጎ እተመራዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኪፍጸም ዚግባእ ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት እዩ።—ምሳሌ 5:18, 19።
መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዪ እዩ፦ ካይሊ ዝስማ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ጓል ኣንስተይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ዘይምርዕውቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይረ፡ ፍቕርን ቅሳነትን ዚስምዓኒ ይመስለኒ ነይሩ። ግናኸ፡ ብኣንጻሩ እዩ ተሰሚዑኒ። ሻቕሎትን ጓህን እዩ ኣሕዲሩለይ።”
ድሕርዚ ካይሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታ እንታይ ከም ዚምህር ፈለጠት፡ ኣብ ህይወታ እውን ክትትግብሮ ጀመረት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “መለክዒታት ኣምላኽ ካብ ስቓይን ጓህን ኪሰትረና ተባሂሉ ኸም እተዋህበ ኽግንዘብ ክኢለ። ሕጂ በቲ የሆዋ ዚደልዮ መገዲ ስለ ዝመላለስ፡ ቅሳነትን ፍቕርን ይስምዓኒ እዩ። መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር፡ ካብ ብዙሕ ጓሂ ልቢ ሰቲሩኒ እዩ!”
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “ከይተመርዓኻ ብሓባር ብዛዕባ ምንባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ፈጣሪና ቕኑዕን ጌጋን ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። ንስነ ምግባራዊ መምርሒታቱ ምስዓብ ወትሩ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ይኽሕሰና እዩ። እዚ ወትሩ ነባሪ ሓጐስ ከም ዜምጽኣልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።