ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ድያብሎስ መን ወይ እንታይ እዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • መንፈሳዊ ኣካል

  • ኣብ ውሽጢ ሰብ ዚርከብ እኩይ ባህሪ

  • ብሓሳብ እተፈጥረ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ድያብሎስ ንየሱስ ተዛሪብዎን ‘ፈቲንዎን’ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 4:1-4) ስለዚ፡ ድያብሎስ ብሓሳብ እተፈጥረ ወይ ኣብ ውሽጢ ሰባት ዚርከብ እኩይ ባህሪ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ እኩይ መንፈሳዊ ኣካል እዩ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ድያብሎስ፡ ኣብ ፈለማ ቕዱስ መልኣኽ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።” (ዮሃንስ 8:44) ሓሳዊ ዀነ፣ ካብ ኣምላኽ ድማ ዓለወ።

  • ካልኦት መላእኽቲ ኸኣ ንዕልወት ሰይጣን ሓበርዎ። —ራእይ 12:9

  • ድያብሎስ፡ ሰባት ብዛዕባ ህልውናኡ ምእንቲ ኸይፈልጡ ንኣእምሮ ብዙሓት ኣዕዊርዎ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 4:4

ድያብሎስ ንሰባት ኪቈጻጸሮም ይኽእልዶ፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይብሉ፧ ድያብሎስ ንሰባት ከም ዚቈጻጸሮም ዚገልጽ ሓሳብ ንገሊኦም ሰባት ምትላል ኰይኑ እዩ ዚስምዖም፣ ካልኦት ግና እኩያት መናፍስቲ ኸይሓድርዎም ይፈርሁ እዮም። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ” እያ ዘላ። (1 ዮሃንስ 5:19) ድያብሎስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ሓያል ጽልዋ የሕድር እኳ እንተ ዀነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይቈጻጸሮ እዩ ማለት ግና ኣይኰነን።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ድያብሎስ ጽልዋኡ ንምሕያል ምትላል እዩ ዚጥቀም።—2 ቈረንቶስ 11:14

  • ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ኪቈጻጸርዎም ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 12:22

  • ብሓገዝ ኣምላኽ፡ “ንድያብሎስ ክትጻረሮ” ትኽእል ኢኻ።—ያእቆብ 4:7