ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ ትቕበል ዲኻ፧

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—እንታይ ምላሽ ክትህበሉ ኢኻ፧

ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—እንታይ ምላሽ ክትህበሉ ኢኻ፧

“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ . . . ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ።”—2 ቈረንቶስ 5:14, 15

ሓደ ዜደንቕ ውህበት፡ ሞሳና ኽንገልጽ ኪድርኸና ኣለዎ። የሱስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ፈውሲ ዘይነበሮ ዜማስን ሕማም ንዝነበሮም ዓሰርተ ሰብኡት ምስ ኣሕወዮም ነዚ ኣጕሊሕዎ እዩ። ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ሰብኡት፡ “ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ተመልሰ።” የሱስ ከኣ፡ “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧” በለ። (ሉቃስ 17:12-17) ካብዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ካልኦት ዝገበሩልና ለውሃት ዝመልኦ ተግባር ቀልጢፍና ኽንርስዖ ንኽእል ኢና።

እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ በጃ፡ ካብ ኵሉ እተዋህበ ውህበታት እቲ ዝበለጸ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ምእንታኻ ዝገበሮ ነገር እንታይ ምላሽ ኢኻ ኽትህበሉ ዘሎካ፧

  • ነቲ ወሃቢ ፍለጦ። እቲ በጃ ንዅሎም ሰባት ብኸምኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት የምጽኣሎም ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ ኣብቲ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎት ከምዚ በለ፦ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:3) ሓደ ሰብ፡ ቈልዓ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሞት ከም ዘድሓነካ ምስ ዚነግረካ፡ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይን ስለምንታይ ከም ዘድሓነካን ክትፈልጥ ኣይምተሃንጠኻንዶ፧ እቲ ህይወት ንዜድሕን ውህበት በጃ ዝሃበ የሆዋ ኣምላኽ ድማ፡ መን ምዃኑ ኽትፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክትምስርት እዩ ዚደልየካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል የተባብዓና።—ያእቆብ 4:8

  • በቲ በጃ እመን። “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።” (ዮሃንስ 3:36) እምነት፡ ነቲ ዝኣመንካሉ ነገር ብግብሪ ምርኣይ እውን የጠቓልል። ስለዚ፡ ኣብቲ በጅነት፡ እምነት ከም ዘሎካ ንምርኣይ ስጕምቲ ምውሳድ የድሊ። (ያእቆብ 2:17) እንታይ ዓይነት ስጕምቲ፧ ሓደ ውህበት፡ ናትካ ዚኸውን ኢድካ ሰዲድካ ምስ እትቕበሎ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቲ በጃ ኽትቅበሎ ኣሎካ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ብኸመይ ክትነብር ከም ዚደልየካ ተምሃር፣ ምስቲ እተመሃርካዮ ተሰማሚዕካ ኸኣ ተመላለስ። * ኣምላኽ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልካን ንጹህ ሕልና ምእንቲ ኺህበካን ጸሊ። እቲ በጃ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እምነት ዜሕድሩ ሰባት፡ ናይ ዘለኣለም ሰላምን ድሕንነትን ብልጽግናን ከም ዜምጽኣሎም ምሉእ እምንቶ ብምሕዳር ናብ ኣምላኽ ቅረብ!—እብራውያን 11:1

  • ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ተኣከብ። የሱስ፡ ነቲ ናይ በጃ መሰናድዎ ዜዘኻኽረና፡ ኣብ ዓዓመት ዚኽበር በዓል ኣቘመ። ብዛዕባ እቲ በዓል ከኣ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” በለ። (ሉቃስ 22:19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝኽሪ ሞት የሱስ፡ ሰሉስ 11 ሚያዝያ 2017፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኼብዕልዎ እዮም። እቲ ንሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዚጸንሕ መደብ፡ ኣገዳስነት ሞት የሱስ ከምኡ ድማ ንሕጅን ንመጻእን ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ዚገልጽ መደረ ዜጠቓልል ኪኸውን እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መላእ ዓለም 20 ሚልዮን ዚኣኽሉ ሰባት፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም ነይሮም። ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ምላሽ ንምሃብ፡ ምሳና ሓቢርካ ኽትእከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።

^ ሕ.ጽ. 7 ንኣምላኽ ክትፈልጦን ክትቀርቦን እትኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እዩ። ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ከም እትኽእል ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ክትሓትት ወይ ኣብቲ www.pr418.com ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።