ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዚፍጸም ተስፋታት

ዚፍጸም ተስፋታት

ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብኣምላኽ እትምሓደር መንግስቲ ምዃና ትነግረና እያ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ምዕራፍ 2፡ ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ኣትሒዙ ኽሳዕ ግዜና ብዛዕባ እተላዕላ ሓያላት ሰብኣውያን መንግስትታት ዚገልጽ ትንቢት ይርከብ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ነገር ከኣ ፍቕዲ 44 ከምዚ ትብል፦

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”

እዝን ካልእ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከም እትትክአን፡ ኣብ ምድሪ ድማ ርግኣትን ስርዓትን ከም እተስፍን ይገልጽ እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ህይወት እዩ ኺህሉ፧ ገለ ኻብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዚፍጸም ዜደንቕ ተስፋታት እስከ ንርአ።

  • ውግእ ኣይኪህሉን እዩ

    መዝሙር 46:9 “[ኣምላኽ] ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”

    ኵሉ እቲ ሕጂ ኣጽዋር ንምስራሕ ዚጠፍእ ገንዘብን ክእለትን፡ ንሰባት ዜጥፍእ ዘይኰነስ ንሰባት ዚጠቅም ነገር ኣብ ምስራሕ ኪውዕል ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪፍጸም እዩ።

  • ሕማም ኣይኪህሉን እዩ

    ኢሳይያስ 33:24 “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”

    ዋላ ሓደ ሰብ ብሕማም ልቢ፡ ብሕማም መንሽሮ፡ ብዓሶ ወይ ብዝዀነ ይኹን ሕማም ኣብ ዘይሳቐየላ ዓለም ምንባር እሞ ሕሰቦ! ሽዑ፡ ሆስፒታላት ኰነ መድሃኒታት ኣይክህሉን እዩ። ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ምሉእ ጥዕና ኺህልዎም እዩ።

  • ጥሜት ኣይኪህሉን እዩ

    መዝሙር 72:16 “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”

    ምድሪ ንዅሉ ዚኣክል ምግቢ ኸተፍሪ እያ፣ ኵሉ ሰብ ድማ ምግቢ ኺረክብ እዩ። ጥሜትን ዋሕዲ ምግብን ኣይኪህሉን እዩ።

  • ስቓይን ሓዘንን ሞትን ኣይኪህሉን እዩ

    ራእይ 21:4 “[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

    ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ፍጹማት ኴንና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና። እወ፡ እቲ ፈቃር ዝዀነ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ነዚ እዩ ኣተስፍዩና!

“ብርግጽ ኬስልጥ እዩ”

እዚ ዅሉ ግና ብሓቂ ኺፍጸም ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተተስፍዩ ዘሎ ዓይነት ህይወት ባህ ዜብል ምዃኑ ይኣምኑ እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ ብሰንኪ እተፈላለየ ምኽንያት ንዘለኣለም ምንባር ዚብልዎ ሓሳብ ምርዳኡ የጸግሞም እዩ። ከምኡ ኺስምዖም ከኣ ሓቆም እዮም፣ ከመይሲ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንዘለኣለም ነቢሩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብዛዕባኡ ኺነግረና ዚኽእል የልቦን።

ደቂ ሰብ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ኰይኖም ጓህን ስቓይን መከራን ጾይሮም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ፣ ስለዚ፡ ከምዚ ዓይነት ህይወት ከም ንቡር ወይ ከም ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ተቐቢሎምዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኻብዚ ኣመና እተፈልየ እዩ።

ኣምላኽ ኵሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ምእንቲ ኽንከውን፡ ብዛዕባ ዝኣተዎ ቓሉ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃል . . . ደስ ዝበለኒ ብርግጽ ኪዓምም፡ ኣብቲ ዝልእኮ ድማ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ እምበር፡ ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ።”—ኢሳይያስ 55:11

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ኪሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ቲቶስ 1:2) እሞ ደኣ ነዚ ዜደንቕ ተስፋታት እዚ ዘተስፈወ ንሱ ኻብ ዀነ፡ ‘ሰባት ብርግጽ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ይኽእሉ ድዮም፧ ካብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምእንቲ ኽንጥቀምከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ኣብ ዚቕጽል ገጻት እዛ መጽሔት፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚምልስ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።