ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንሱ ይሓልየልካ እዩ’

‘ንሱ ይሓልየልካ እዩ’

ሰባት ከምቲ እተጸበኻዮ እኳ እንተ ዘይኰኑልካ፡ ፈጺሙ ዘይሓድገካ ሓደ ግና ኣሎ። ንሱ መን እዩ፧

እቲ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ነይሩ፦ “ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ የሆዋ ይእርንበኒ እዩ።”—መዝሙር 27:10

የሆዋ “ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን [እዩ።] . . . ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።”—2 ቈረንቶስ 1:3, 4

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7

ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚደሊ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ትምህርቲ 08 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።