ከቢድ ሕማም ምስ እትሓምም
ንህይወትካ ዜስግእ ሕማም ከም ዝሓመምካ እንተ ፈሊጥካ፡ ወይ ንእትፈትዎ ሰብካ ኸምኡ እንተ ኣጋጢምዎ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጨንቕ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብ ርእሲ እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ስምዒትካ ተኣፋፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜሻቕል ናይ ሕክምና ቘጸራታት፡ ሕክምና ብቐሊሉ ዘይምርካብ፡ ንሕክምና ዚኸውን ገንዘብ ምስኣን፡ ወይ ገሊኡ ኣፋውስ ዘለዎ ጐድናዊ ሳዕቤናት ንፍርህኻን ንጭንቀትካን ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። እቲ ኸቢድ ሕማም ዜስዕቦ ኣእምሮኣዊ ስቓይ እውን ልዕሊ ዓቕምኻ ኪዀነካ ይኽእል እዩ።
እሞ ደኣ ኻበይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፧ ብዙሓት ሰባት ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ብምጽጋዕን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ብምንባብን ብዙሕ ተጸናኒዖም እዮም። ካብቲ
ስድራ ቤትን ፈተውትን ዜርእይዎ ፍቕርን ደገፍን እውን ካልእ መጸናንዒ ኺርከብ ይከኣል እዩ።ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ
ሮበርት ዝስሙ 58 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ፦ “ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ሒዝካ ምስ ሕማም ተቓለስ እሞ፡ ንሱ ኽትጻወር ኪሕግዘካ እዩ። ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ። እንታይ ከም ዚስምዓካ ኣፍልጦ። መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ለምኖ። ንስድራ ቤትካ ንምድጋፍ ብርታዕ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ነቲ ሕማም እውን ክብርኻ ሓሊኻ ምእንቲ ኽትክእሎ ብርታዐ ኺህበካ ለምኖ።
“ስድራ ቤትካ ኣብ ጐድንኻ ዀይኖም ብስምዒታዊ መዳይ ኪድግፉኻ ኸለዉ፡ ብዙሕ እዮም ዚሕግዙኻ። መዓልቲ መዓልቲ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ተሌፎን ደዊሉ፡ ‘ከመይ ኣለኻ፧’ ይብለኒ እዩ። ኣብ ፈቐዶኡ ኻብ ዘለዉ ፈተውተይ መተባብዒ እረክብ እየ። ብርግጽ ብርታዐ ይህቡኒ እዮም፣ እዚ ኸኣ ከይሕለል ይሕግዘኒ እዩ።”
ንዝሓመመ ፈታዊኻ ትበጽሕ እንተ ኣለኻ፡ ነዚ ሊንዳ ዝበለቶ ኣስተብህለሉ፦ “ሕሙም ብእተኻእሎ መጠን ንቡር ህይወት እዩ ኺመርሕ ዚደሊ፡ ወትሩ ድማ ብዛዕባ ሕማሙ ኺዛረብ ኣይደልን ይኸውን። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዘውቲርካ እትዛረቦ ነገራት ተዛረብ።”
እምበኣር፡ ካብ ኣምላኽ ብዚርከብ ብርታዐን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን፡ ከምኡ ድማ ብደገፍ ፈቃራት ስድራ ቤትን ፈተውትን፡ ከቢድ ሕማም ክንሓምም ከለና እውን እንተ ዀነ፡ ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።