ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝሓሸት ዓለም ተድልየና እያ

ዝሓሸት ዓለም ተድልየና እያ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ “ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና” ኢሉ ኣሎ። ንስኻኸ በዚ ኣይትሰማማዕንዶ፧

እንሰምዖ ዜና ኣዝዩ ዜጨንቕ ጸብጻብ ዝሓዘ እዩ

  • ሕማምን ለበዳን

  • ባህርያዊ ሓደጋ

  • ድኽነትን ጥሜትን

  • ብከላን ምውሳኽ ሙቐት ዓለምን

  • ገበንን ዓመጻን ብልሽውናን

  • ውግእ

ናይ ብሓቂ እምበኣር ዝሓሸት ዓለም ተድልየና እያ። እታ እንጽበያ ዓለም ነዚ ዚስዕብ ዘማልአት ክትከውን ኣለዋ፦

  • ፍጹም ጥዕና

  • ድሕንነትን ውሕስነትን

  • ኣኺሉ ዚተርፍ እኽሊ

  • ጽሩይን ጥዑይን ኣከባቢ

  • ፍትሒ

  • ዓለምለኻዊ ሰላም

ዝሓሸት ዓለም ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢና፧

እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም እንታይ ክትከውን እያ፧

ኣብታ ዝሓሸት ዓለም ክንነብር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነዝን ምስ እዚ እተተሓሓዘ ኻልእ ሕቶታትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ መልሲ ኽትህብ እያ።