ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

ሞት ንነፍሲ ወከፍና ይጸልወና እዩ። ግናኸ፡ ሞት መወዳእታ ዅሉ ድዩ፧ ምዉታት ንሓዋሩ ተረሲዖም ድዮም፧ ምውታት ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ርአ፦

ምዉታት ኣይተረስዑን

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኪወጹ እዮም።”—ዮሃንስ 5:28, 29

ኣምላኽ ንምዉታት ይዝክሮም እዩ፣ እቶም ኣብ ተዘክሮኡ ዘለዉ ኺትንስኡ እዮም።

ኣብ ምድሪ ትንሳኤ ኪኸውን እዩ

“ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።”—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ሞይቶም ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ብሰላም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ኪትንስኡ እዮም።

ተስፋ ትንሳኤ ዘይእመን ኣይኰነን

“[ኣምላኽ] ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይጽውዖም።”—መዝሙር 147:4

ኣምላኽ ንዅሎም ከዋኽብቲ በብስሞም ዚጽውዖም ካብ ኰነ፡ ነቶም ዜተንስኦም ሰባት እውን ብቐሊሉ ኺዝክሮም ይኽእል እዩ።