ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

ደቂ ሰብ ኪሞቱ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ፍጹም ኣእምሮን ሰብነትን እዩ ነይርዎም፣ ክሳዕ ሎሚ እውን ብህይወት ኪጸንሑ ምኸኣሉ ነይሮም። ካብቲ የሆዋ ንኣዳም ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ኦም እተዛረቦ ነገር፡ እዚ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

ኣምላኽ ንኣዳም፡ “በታ ኻብኣ [ኻብታ ኦም] እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:17) ኣዳም ውዒሉ ሓዲሩ ኺኣርግን ኪመውትን ተፈጢሩ እንተ ነይሩ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ትርጉም ኣይምሃለዎን። ኣዳም ካብታ ኦም እንተ ዘይበሊዑ፡ ከም ዘይመውት ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ደቂ ሰብ ኪሞቱ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን

ኣዳምን ሄዋንን ብህይወት ንምንባር፡ ካብታ ኦም እቲኣ ኺበልዑ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ፣ ኣብታ ገነት እቲኣ፡ ፍረታት ዚፈሪ ብዙሕ ኣእዋም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:9) እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር ካብታ ኦም እቲኣ ብዘይምብላዕ፡ ነቲ ወሃብ ህይወቶም ዘለዎም ተኣዛዝነት መርኣዩ ነይሮም። ነቲ ኣምላኽ ኣብ መገዶም ንምምራሕ ዘለዎ መሰል ከም እተቐበልዎ እውን መርኣዩ ነይሮም።

ስለምንታይ እዮም ኣዳምን ሄዋንን ሞይቶም፧

ኣዳምን ሄዋንን ስለምንታይ ከም ዝሞቱ ንምፍላጥ፡ ነቲ ንዅላትና ዝጸለወ ዝርርብ ክንምርምሮ ኣሎና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ካብ ተንኰል ተላዒሉ ብተመን ገይሩ ሓደ ሓሶት ተዛረበ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ እንስሳ መሮር፡ ተመን ኣዝዩ ጥንቁቕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ‘ኣምላኽሲ፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ” ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧’ በላ።”—ዘፍጥረት 3:1

ሄዋን ድማ ነቲ ተመን፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና። ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡ ኣምላኽ፡ ‘ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን’ ኢሉ” በለቶ። እቲ ተመን ድማ ንዓኣ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሰይጣን ንየሆዋ፡ ከም ዝሓሰወን ነቶም ቀዳሞት ወለድና ጽቡቕ ከም ዝሓብኣሎምን ገይሩ ኸሰሶ።—ዘፍጥረት 3:2-5

ሄዋን ነቲ እተነግራ ኣመነቶ። ናብታ ኦም ድማ ጠመተት። ኣዝያ ባህ እተብልን ደስ እተብልን ኰይና እውን ተራእየታ! ኢዳ ዘርጊሓ ኸኣ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዐት። ስዒቡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ድሕሪኡ፡ ሰብኣያ ምስኣ ምስ ኰነ እውን፡ ንዕኡ ሃበቶ፣ ንሱ ኸኣ በልዐ።”—ዘፍጥረት 3:6

ኣምላኽ ንኣዳም፡ “በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” በሎ።​—ዘፍጥረት 2:17

ኣምላኽ፡ እቶም ፍቑራት ደቁ ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዙ ኺጥሕሱ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ! እሞ ደኣ እንታይ እዩ ገይሩ፧ የሆዋ ንኣዳም፡ “ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ፡ ናብ ምድሪ [ኽትምለስ ኢኻ፡] ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:17-19) “ስለዚ፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወት ኣዳም 930 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ።” (ዘፍጥረት 5:5) ኣዳም ናብ ሰማይ ወይ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይኰነን ከይዱ። ከመይሲ፡ ቅድሚ እቲ የሆዋ ንዕኡ ኻብ ሓመድ ዝፈጠረሉ እዋን፡ ህልውና ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ምስ ሞተ፡ ከምቲ እተፈጥረሉ ሓመድ፡ ህይወት ኣልቦ እዩ ዀይኑ። እወ፡ ህልውናኡ ኣቋሪጹ እዩ። እዚ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ!

ንሕና ዘይፍጹማት ዝዀንናሉ ምኽንያት

ኣዳምን ሄዋንን ኰነ ኢሎም ትእዛዝ ብምፍራሶም፡ ፍጽምናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ስኢኖም እዮም። ኣብ ሰብነቶም እውን ለውጢ ኣጋጢሙ እዩ፣ ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ኰይኖም እዮም። እቲ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ግና፡ ንዓታቶም ጥራይ ኣይኰነን ጸልይዎም። ንዘርኦም እውን ሓጢኣት ኣውሪሶምዎም እዮም። ሮሜ 5:12፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ትብል።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣትን ሞትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንዅሎም ህዝብታት ኣጐልቢብዎም ዘሎ መግነዝ፡ . . . ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ እተኣልመ መሸፈኒ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 25:7) እዚ መግነዝ እዚ ድማ ንደቂ ሰብ፡ ኬምልጡሉ ኸም ዘይክእሉ መርዛም ግመ ዀይኑ ሸፊንዎም ኣሎ። እወ፡ ‘ኵላቶም ብኣዳም ይሞቱ ኣለዉ።’ (1 ቈረንቶስ 15:22) እምበኣር፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧” ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እሞኸ መን እዩ ኻብ ሞት ዜናግፈና፧—ሮሜ 7:24