ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጂን ሰብ ዚግበር ዕዮስ ንዕምሪ ሰብ ኬናውሖ ኽኢሉ ድዩ፧

ነዊሕ ዕድመ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ነዊሕ ዕድመ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

“ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪዓይይዎ ዝሃቦም ዕዮ ረኣኹ። ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ንዘለኣለማውነት እኳ ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።”መክብብ 3:10, 11

እዘን እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ብግዜ ጥንቲ እተዛረበን ቃላት፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ስምዒት ብልክዕ ይገልጻኦ እየን። ህይወት ሓጻር ስለ ዝዀነት፡ ሞት እውን ዘይተርፍ ስለ ዝዀነ፡ ደቂ ሰብ ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ንዘመናት ሃረር ይብሉ ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ድማ፡ ወዲ ሰብ ነዊሕ ዕድመ ንምርካብ ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ ዚገልጽ ዛንታታትን ኣፈ ታሪኽን ሰፊሩ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ነቲ ንጉስ ሱመራውያን ዝነበረ ጊልጋመሽ እስከ ንውሰድ። ብዛዕባ ህይወቱ ብዙሕ ኣፈ ታሪኽ ይዝንቶ እዩ። ኣብቲ ኣብ ቅያ ጊልጋመሽ ተዘንትዩ ዘሎ ሓደ ኣፈ ታሪኽ፡ ካብ ሞት ንምምላጥ ሓደገኛ ጕዕዞ ገይሩ ተባሂሉ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጻዕሩ ኣይተዓወተን።

ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ኣልከመኛ፡ ኣብ ቤተ ምርምሩ

ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣብ ቻይና ዝነበሩ ኣልከመኛታት ወይ ሊቃውንቲ ስነ ቐመም፡ ዕድመ ዜንውሕ ኢሎም ዝኣመኑሉ ቐመም ኪቕምሙ ፈቲኖም እዮም። መርኩርን ሒደት ኣርሰኒክን ዘለዎ ፈውሲ ድማ ኣዳለዉ። እዚ ፈውሲ እዚ ኸኣ ንገሊኦም ሃጸያት ቻይና ኸም ዝቐተሎም ይእመነሉ እዩ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ገሊኦም ኣልከመኛታት፡ ወርቂ ዘለዎ ናይ ዘይምምራት ባህርይ ንህይወት ሰብ ኬናውሕ ከም ዚኽእል ይኣምኑ ብምንባሮም፡ ንወርቂ ኸም ምግቢ ምስ ሰብነትና ንምውህሃድ ፈቲኖም እዮም።

ሎሚ፡ ብዛዕባ ስነ ህይወትን ስነ ጂንን ዜጽንዑ ሰባት፡ ምስጢር እርጋን ንምፍላጥ ይጽዕሩ ኣለዉ። እቲ ጻዕሮም ከኣ፡ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ንእርጋንን ንሞትን ንምስዓር ተስፋ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ይሕብር። ግናኸ፡ እዚ ምርምር እዚ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ ኣሎ፧

ኣምላኽ “ንዘለኣለማውነት . . . ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።”​—መክብብ 3:10, 11

ጠንቂ እርጋን ንምፍላጥ ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ

ብዛዕባ ዋህዮ ሰብ መጽናዕቲ ዚገብሩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ስለምንታይ ከም እንኣርግን ከም እንመውትን ንምግላጽ ልዕሊ 300 ክልሰ ሓሳብ ኣለዎም። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ተመራመርቲ ሞለክዩላዊ ስነ ህይወት ኣብ ጂናትን ኣብ ፕሮቲናትን ብዝዓየይዎ ዕዮ፡ ኣብ ቤተ ምርምር ኣብ ዚርከቡ እንስሳታትን ዋህዮታት ሰብን እርጋን ኬደናጕዩ ኽኢሎም እዮም። እዚ ምዕባለታት እዚ ኸኣ፡ ገሊኦም ምርኡያት ዜጋታት ነቲ ኣብ “ጸገም ሞት” ዚግበር ምርምር ንምምዋል ኣለዓዒልዎም ኣሎ። እሞኸ እዚ ምርምራት እዚ እንታይ ኣንፈታት ሒዙ ኣሎ፧

ንውሽጣዊ ሰዓትና ንድሕሪት ምምላስ። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ህይወት፡ ቀንዲ ረቛሒ እርጋን ኣብቲ ተሎሚር ዚብሃል ጫፍ ክፋል ክሮሞዞምና ኸም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። እዚ ተሎሚር ዚብሃል ባእታ፡ ዋህዮታትና ኣብ ዚራብሓሉ እዋን ጂናዊ ሓበሬታኡ ብልክዕ ከም ዚዕቀብ ዚሕሉ ነገር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋህዮታት ብእተመቓቐለ መጠን፡ እቲ ተሎሚራት እናሓጸረ እዩ ዚኸይድ። ኣብ መወዳእታ፡ ዋህዮታት ምምቕቓል የቋርጽ፡ እርጋን ድማ ይጅምር።

ብ2009 ሎሬት ኖብል ዝዀነት ኤሊዛቤት ብላክበርን ምስ መሳርሕታ ዀይና፡ ንምሕጻር ተሎሚራት፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ንእርጋን ዋህዮታት ዜደንጒ ኤንዛይም ኣለልያ እያ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ጸብጻብ ከም እተገልጸ፡ ተሎሚራት “ብተኣምራዊ መገዲ ህይወት ዜናውሑ ኣይኰኑን፣ ካብቲ እንፈልጦ ንቡር ዕምሪ ወዲ ሰብ እውን ንዝነወሐ እዋን ብህይወት ኣየንብሩናን እዮም።”

ዳግመ ፕሮግራም ዋህዮታት ከኣ ንእርጋን ንምዕጋት ዚጽዓረሉ ዘሎ ኻልእ ኣንፈት እዩ። ዋህዮታትና ብሰንኪ እርጋን ኪራባሕ ዘይክእል ምስ ኰነ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ በዚ ዘይጽሎ ዋህዮታት ሕማቕ መልእኽቲ ይሰድደሉ እዩ፣ እዚ ድማ ነድርን ቃንዛን ሕማምን የስዕብ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ፈረንሳ ዚርከቡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ደቂ 100 ዓመት ካብ ዚርከብዎም ኣረጋውያን ኣብ እተወስደ ዋህዮታት ዳግመ ፕሮግራም ገይሮም እዮም። ነቲ ምርምር ዚመርሖ ዝነበረ ፕሮፌሰር ዣን-ማርክ ለመትረ ኸኣ፡ እቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ፡ ኣብ ዋህዮታት ዜጋጥም እርጋን ንድሕሪት ኪምለስ ከም ዚኽእል ዜርኢ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።

ስነ ፍልጠት ዕድመና ኼናውሓልና ይኽእል ድዩ፧

ኵሎም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣይኰኑን ሕክምናታት ጸረ እርጋን ንዕድመ ሰብ ኣመና ኼናውሕ ከም ዚኽእል ዚኣምኑ። ልክዕ እዩ፡ ገምጋም ዕምሪ ሰባት ካብ መበል 19 ዘመን ኣትሒዙ ብስሩዕ ኪውስኽ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ግና፡ ብቐንዱ ዝሓሸ ስነ ጥዕና ስለ ዘሎ፡ ንለበዳታት ሕማም ንምክልኻል ዕዉት ጻዕሪ ስለ እተገብረ፡ ከምኡ ድማ ጸረ ነፍሳትን ክታበትን ኣብ ኣገልግሎት ስለ ዝወዓለ እዩ። ገሊኦም ኣብ ጂን መጽናዕቲ ዚገብሩ ተመራመርቲ፡ ዕምሪ ወዲ ሰብ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ደረቱ ኸም ዝበጽሐ እዮም ዚኣምኑ።

ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር፡ ሙሴ ዚብሃል ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዕድመና 70 ዓመት፡ ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ ኸኣ 80 እዩ። ግናኸ፡ ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ፣ ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ በሪርና ድማ ንኸይድ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 90:10) ንዕምርና ንምንዋሕ ሰብኣዊ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ፡ ህይወትና ግና ካብቲ ሙሴ ዝገለጾ ብዙሕ እተፈልየ ኣይኰነን።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ገሊኦም ዓይነት ጐብየ ልዕሊ 150 ዓመት ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም፣ ሰኮያ ዚብሃሉ ገዘፍቲ ኣእዋም ድማ ኣሽሓት ዓመታት ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። ንንውሓት ዕድመና ምስዚ ህያዋን ፍጥረታት ከነነጻጽሮ ኸለና፡ ‘እዛ 70 ወይ 80 ዓመት ዝንውሓታ ህይወትሲ ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን።