ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንነብር ኢና ተፈጢርና

ክንነብር ኢና ተፈጢርና

ነዊሕን ዜሐጕስን ህይወት ኪህልዎ ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧ ጥዕናን ሓጐስን ዝመልኦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልወና እንተ ዚኽእል፡ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ጥዑም ከም ዚኸውን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ምስ እንፈትዎም ሰብና ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ፡ ንዓለም ክንዞራ፡ ሓድሽ ክእለታት ከነማዕብል፡ ብጥበብ እናዓበና ኽንከይድ፡ ቃሕ ብዛዕባ ዚብለና ዘበለ ድማ ኣጸቢቕና ኽንፈልጥ ምኸኣልና ኔርና።

እዚ ድሌት እዝስ ዘይባህርያዊ ድዩ፧ ኣይፋልን! ኣምላኽ ነዚ ድሌት እዚ ኣብ ልብና ኸም ዘንበሮ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጸልና እዩ። (መክብብ 3:11) ብተወሳኺ ድማ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) እሞኸ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ኣብ ልብና ኣሕዲሩ ኼብቅዕ፡ ነቲ ድሌት እቲ ኸቶ ኺብጻሕ ዘይከኣል ምገበሮዶ፧

እምበኣር፡ ንሞት ዚደልዮ ኸም ዘየሎ ንጹር እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ “ጸላኢ” ኢሉ እዩ ዚገልጾ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ሞት ንገሊኦም ቀልጢፉ የርክቦም እዩ፣ ንገሊኦም ድማ ደንጕዩ እዩ ዜርክቦም። ግናኸ፡ ከይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሞት ኪሓስቡ ኣይደልዩን እዮም፣ አረ ገሊኦምሲ ብዛዕባኡ ምሕሳብ የፍርሆም እዩ። እሞ ደኣ እዚ ጸላኢ እዝስ ኪስዓር ድዩ፧ ብሓቂዶ ኸምኡ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧

ተስፋ ኽንገብር ዜኽእለና መርትዖ

ደቂ ሰብ ኪሞቱ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ ምፍላጥካስ መገረመካዶ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዘፍጥረት፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዝነበረ መርትዖ ተቕርብ እያ። ፈለማ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪ ሰባት ክትከውን ኢሉ ተጠንቂቑ ኣዳለዋ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ማለት ንኣዳም ፈጢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣንበሮ። “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፣ እንሆ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ።”—ዘፍጥረት 1:26, 31

ኣዳም ብመልክዕ ኣምላኽ ፍጹም ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ ነይሩ። (ዘዳግም 32:4) እታ ንኣዳም ሰበይቱ ዝዀነት ሄዋን እውን፡ ጕድለት ዚብሃል ዘይብላ ብኣእምሮን ብሰብነትን ፍጽምቲ እያ ነይራ። የሆዋ ድማ ንዓታቶም፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን፣ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ” በሎም።—ዘፍጥረት 1:28

ኣዳምን ሄዋንን ንምድሪ ብዘርኦም ንምምላእ፡ ግዜ የድልዮም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ኣምላኽ ዝሓለኖ ምድሪ ኽሳዕ እትመልእ፡ ደቂ ኺወልዱ፡ እቶም ደቆም ከኣ ካልኦት ደቂ ኺወልዱ ነይርዎም። (ኢሳይያስ 45:18) እሞ ደኣ ኣዳምን ሄዋንን ንደቆም፡ ምናልባት ከኣ ንደቂ ደቆም ክሳዕ ዚርእዩ ጥራይ ብህይወት ዚጸንሑ እንተ ዀይኖም እሞ ምድሪ መሊኣ ኺርእዩ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም፡ የሆዋ ንምድሪ ኺመልእዋ ትእዛዝ ምሃቦምዶ፧

ብዛዕባ እቲ ንእንስሳታት ኪገዝኡ እተዋህቦም ሓላፍነት እውን እሞ ንሕሰብ። ኣዳም ንእንስሳታት ኪሰምዮም ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ግዜ ምወሰደ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:19) ንዓታቶም ኪገዝኦም ኪብሃል ከሎ ግና፡ ብዛዕባኦም ኪፈልጥን ብኸመይ ከም ዚከናኸኖም ኪርዳእን ነይርዎ። እዚ ኸኣ ዝያዳ ግዜ ምወሰደ ነይሩ።

ስለዚ፡ እቲ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት፡ ንምድሪ ኺመልእዋን ንእንስሳታት ኪገዝኡን ዝሃቦም ትእዛዝ፡ ነዊሕ ዕድመ ኺነብሩ ኸም ዝሓለነሎም ይሕብር እዩ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ኣዳም ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ እዩ ብህይወት ነይሩ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ

ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ብህይወት ነይሮም

ኣዳም፡ 930 ዓመት

ማቱሳላ፡ 969 ዓመት

ኖህ፡ 950 ዓመት

ሎሚ፡ 70-80 ዓመት

ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ካብዚ ናይ ሎሚ ኣዝዩ ዝነውሐ ዕድመ ብህይወት ይነብሩ ኸም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። “ኵሉ መዓልትታት ህይወት ኣዳም 930 ዓመት ኰነ” ይብል እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ልዕሊ 900 ዓመት ብህይወት ብዛዕባ ዝጸንሑ ኻልኦት ሽዱሽተ ሰባት ይጠቅስ እዩ! እቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ሴት፡ ሄኖስ፡ ቃይናን፡ ያሬድ፡ ማቱሳላ፡ ኖህ እዮም ነይሮም። ኵላቶም ቅድሚ እቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ እዮም ዝነብሩ ነይሮም፣ ኖህ ድማ ቅድሚ ማይ ኣይሂ 600 ዓመት ብህይወት ጸኒሑ እዩ። (ዘፍጥረት 5:5-27፣ 7:6፣ 9:29) እዚ ነዊሕ ዕድመ እዚ ግና ከመይ ኢሉ ኪኸውን ክኢሉ፧

ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም ምስቲ ሰባት ካብቲ ፍጹማት ዝነበሩሉ እዋን ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ግዜ እዮም ብህይወት ዚነብሩ ነይሮም። እዚ ኸኣ ነቲ ነዊሕ ዕምሮም ኣበርክቶ ዝገበረ ቐንዲ ረቛሒ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ፍጽምና ምስ ነዊሕ ዕድመ ብኸመይ ይተኣሳሰር፧ ሞትከ ብኸመይ እዩ ዚሰዓር፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ፈለማ ስለምንታይ ከም እንኣርግን እንመውትን ክንፈልጥ ኣሎና።