ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል

ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል

ኣብ መጻኢ፡ ካብ ሕማምን እርጋንን ሞትን ናጻ ዝዀነ ህይወት ኪህሉ እዩ፣ ንስኻ እውን ነዚ ህይወት እዚ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ! ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘሎ ህይወት ብመከራን ብጸገማትን ዝመልአ እዩ። ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ናብ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ዚመርሕ መምርሒ ይህብ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማትን መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእልን እስከ ንርአ።

ዕግበት ምርካብ

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”እብራውያን 13:5

ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ማእለያ ዘይብሉ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ክንረክብ ከም ዘሎና ምእንቲ ኸተእምነና ወትሩ ትቃለስ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና “በቲ ዘሎኩም . . . ዕገቡ” እዩ ዚብለና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧

“ፍቕሪ ገንዘብ” ኣይነሕድር። ሰባት ብሰንኪ “ፍቕሪ ገንዘብ፡” ጥዕናኦም፡ ስድራ ቤቶም፡ ሕልናኦም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ክብሮም ይሸጡ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ከቢድ ዋጋ እዮም ዚኸፍሉ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ፈታው ሃብቲ “ኸቶ ኣይጸግብን እዩ።”—መክብብ 5:10

ንንብረት ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኣኽቢርና ንርአ። ስጋዊ ንብረት ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ኣይከሓድን እዩ። ንብረት ግና ኬፍቅረና ወይ ኬመስግነና ኣይክእልን እዩ፣ ሰባት ጥራይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ። “ናይ ሓቂ ፈታዊ” ነቲ ኣብ ህይወት እንረኽቦ ዕግበት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።—ምሳሌ 17:17

መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ፡ ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወና ይኽእል

ንጸገም ጥዕና ምኽኣሉ

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ።”ምሳሌ 17:22

ሓጐስ ከም “ጽቡቕ መድሃኒት” ብምዃኑ፡ ንሕማምና ኽንጸውር ይሕግዘና እዩ። ጸገም ጥዕና ኺህልወና ኸሎ ግና፡ ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል፧

ኣመስገንቲ ንኹን። ኣብ ወጽዓና ጥራይ እንተ ኣተኲርና፡ “ኵለን መዓልትታት” ክፉኣት ኰይነን እየን ዚርኣያና። (ምሳሌ 15:15) ኣብ ክንዳኡ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመስገንቲ . . . ኹኑ” ይብለና እዩ። (ቈሎሴ 3:15) እምበኣር፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥመና ዝዀነ ጽቡቕ ነገር፡ ዋላ እውን ንእሽቶ ይኹን ነመስግነሉ። ውቁብ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ህዱእ ፈሽፈሽታ፡ ፍሽኽታ እትፈትዎ ሰብ ንህይወትና መቐረት ኪውስኸላ ይኽእል እዩ።

ንኻልኦት ንሓግዝ። ዋላ እኳ ጽቡቕ ጥዕና እንተ ዘይብልና፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ካልኦት ስለ ጻዕርታትና ኼመስግኑና ኸለዉ፡ ባህ ዜብል ዕግበት ይስምዓና እዩ፣ እዚ ኸኣ ንጸገማትና የረስዓና እዩ። ካልኦት ህይወቶም ኬመሓይሹ ብምሕጋዝ፡ ህይወትና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና።

ሓዳር ምድልዳል

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ [መርምሩ]።”ፊልጲ 1:10

ብሓባር ብዙሕ ግዜ ዘየሕልፉ ሰብ ሓዳር፡ እናተረሓሓቑ እዮም ዚኸዱ። እምበኣር፡ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓዳሮም፡ ቀዳምነት ኪህቡ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ ሓዳሮም ሓደ ኻብቲ ዚሓይሽ እተባህለ ነገራት እዩ።

ተግባርኩም ብሓባር ግበሩ። ብብሕቲ ዜገድሰኩም ነገራት በብውልቅኹም ኣብ ክንዲ እትገብሩ፡ ተግባርኩም ብሓባር ንምግባር ስለምንታይ መደብ ዘይተውጽኡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ” ይብል። (መክብብ 4:9) ብሓባር ምግቢ ኽትክሽኑ፡ ምውስዋስ ኣካላት ክትገብሩ፡ እናሰተኹም ክትዘናግዑ፡ ወይ ኣብ ገሊኡ መሕለፍ ግዜ ኽትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።

ፍቕርኹም ተገላለጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ሓዳር፡ ኪፋቐሩን ኪከባበሩን የተባብዖም እዩ። (ኤፌሶን 5:28, 33) ድሙቕ ፍሽኽታ፡ ባህ ዜብል ሕቝፊ፡ ወይ ንእሽቶ ህያብ ንሓዳር ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ጾታዊ መግለጺ ፍቕሪ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ጥራይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኪርሳዕ የብሉን።—እብራውያን 13:4