ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪሰዓር እዩ—ብኸመይ፧

እቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ኪሰዓር እዩ—ብኸመይ፧

 

እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቶም ናብ ኵሎም ደቂ ሰብ ሓጢኣትን ሞትን እኳ እንተ ኣምጽኡ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ግና ኣይተቐየረን። ኣብ ብምሉኡ እቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ኸም ዘይቀየረ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

  • “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”መዝሙር 37:29

  • “ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።”ኢሳይያስ 25:8

  • “እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።”1 ቈረንቶስ 15:26

  • “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”ራእይ 21:4

ከመይ ገይሩ እዩ ኣምላኽ ‘ንሞት ዚውሕጦ’ ወይ ነቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ዚስዕሮ፧ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን . . . ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ይኹን እምበር፡ “ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን” እውን ይብል እዩ። (መክብብ 7:20) እሞ ደኣ ኣምላኽ ንሞት ንምስዓር፡ ነቲ መለክዒታቱ ኪቕይሮ ኣለዎ ድዩ፧ እዚ ዘይሕሰብ እዩ! ኣምላኽ፡ “ኪሕሱ ዘይክእል” ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። (ቲቶስ 1:2) እሞ ደኣ ኣምላኽ ነቲ ንደቂ ሰብ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኺፈጥሮም ከሎ ዝነበሮ ዕላማ ኸመይ ገይሩ ኺፍጽሞ እዩ፧

ኣምላኽ “ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ።”​—ኢሳይያስ 25:8

ሞት በቲ ዚኽፈል በጃ ይሰዓር

የሆዋ ኣምላኽ በጃ ብምኽፋል ንደቂ ሰብ ካብ ሞት ንምድሓን፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። በጃ ኺብሃል ከሎ፡ ብመሰረቱ ንዝወረደ ጕድኣት ንምኽሓስ ወይ ፍትሒ ዚጠልቦ ንምምላእ ዚኽፈል ማዕረ ዋጋ ዘለዎ ነገር እዩ። ኵሎም ደቂ ሰብ ሓጥኣንን ኪሞቱ እተፈርዶምን ብምዃኖም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብግሁድ፡ “ዋላ ሓዲኦም ንሓዉ ኺብጀዎ፡ ወይ በጃ ንኣምላኽ ኪህበሉ ዚኽእል የልቦን፣ (ዋጋ በጃ ህይወቶምሲ ኣዝዩ ኽቡር ብምዃኑ፡ ወትሩ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ)” ይብል እዩ።—መዝሙር 49:7, 8

ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ምስ ዚመውት፡ መቕጻዕቲ ሓጢኣቱ ጥራይ እዩ ኪኸፍል ዚኽእል፣ ንርእሱ ኼድሕን ወይ ንሓጢኣት ካልእ ኪኸፍል ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 6:7) ንሓጢኣቱ ዘይኰነስ፡ ንሓጢኣትና ኪኸፍል ዚኽእል ፍጹምን ሓጢኣት ዘይብሉን ሰብ የድልየና እዩ።—እብራውያን 10:1-4

ኣምላኽ ከኣ ልክዕ ከምኡ እዩ ኣዳልዩልና። ንወዱ የሱስ ፍጹምን ሓጢኣት ዘይብሉን ሰብ ኰይኑ ኺውለድ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ልኢኽዎ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:22) የሱስ ድማ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ከም ዝመጸ ገሊጹ እዩ። (ማርቆስ 10:45) ህይወት ምእንቲ ኺህልወና፡ ነቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ንምስዓር እዩ ሞይቱ።—ዮሃንስ 3:16

መዓስ እዩ ሞት ዚሰዓር፧

ሎሚ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ኢና ዘለና፣ እዚ ኸኣ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና መርትዖ ይዀነና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብ መጨረሽታ ዳሕሮት መዓልትታት ድማ፡ “መዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን” ኪኸውን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 7) ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ግና ካብ ጥፍኣት ኪድሕኑን “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረኽቡን እዮም።—ማቴዎስ 25:46

የሱስ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” እዩ መጺኡ።—ማርቆስ 10:45

ሚልዮናት ካልኦት ሰባት ድማ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። የሱስ ናብ ከተማ ናይን ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምዉት ኣተንሲኡ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ ነበረ፣ የሱስ ከኣ፡ ‘ብድንጋጽ’ ተደሪኹ፡ ነቲ ወዲ ዳግም ህያው ገበሮ። (ሉቃስ 7:11-15) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ” ኢሉ እዩ። እዚ ጽኑዕ ተስፋ እዚ፡ ዜደንቕ መግለጺ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

ቢልዮናት ሰባት ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል እዩ። (መዝሙር 37:29) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር፡ “ኣታ ሞት፡ ዓወትካ ኣበይ ኣሎ፧ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ዝጸሓፎ ልቢ ዚሰልብን ዜጸናንዕን ቃላት ኣብ ህይወቶም ኪርእይዎ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:55) ሽዑ፡ እቲ ዘይድፈር ጸላኢ ደቂ ሰብ ዝዀነ ሞት እኳ ኺሰዓር እዩ።