ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ምድሪ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣ ኣምላኽ፡ ኣምላኽና፡ ኪባርኸና እዩ።”—መዝሙር 67:6

በረኸት ፈጣሪና ንዘለኣለም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

በረኸት ፈጣሪና ንዘለኣለም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣምላኽ ንነብዪ ኣብርሃም ብሓደ ኻብ ዘርኡ ገይሩ፡ ን“ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ” በረኸት ከም ዜውርደሎም ኣተስፍይዎ እዩ። (ዘፍጥረት 22:18) እቲ ዘርኢ እቲ መን እዩ፧

ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ነቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ፡ ዜደንቕ ተኣምራት ኪገብር ሓይሊ ሂብዎ እዩ። እዚ ተኣምራት እዚ፡ እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ተስፋ ብየሱስ ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ በረኸት ከም ዚወርድ ዚሕብር እዩ ነይሩ።—ገላትያ 3:14

እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪባርኽ ንዕኡ ኸም ዝመረጾ ኸነለሊ ይሕግዘና፣ ብዘይካዚ፡ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ብእኡ ኸም ዚባረኹ ዜርኢ እዩ። ተኣምራት የሱስ፡ ንገለ ኻብቲ ማራኺ ባህርያቱ ብኸመይ ከም ዜጕልሕ ኣስተብህል።

ድንጋጸ—የሱስ ንሕሙማት ኣሕወየ።

ሓደ እዋን፡ ሓደ ድዉይ ናብ የሱስ መጺኡ ኼንጽሆ ለመኖ። የሱስ ተንከዮ እሞ፡ “እደሊ እየ” በሎ። ብኡብኡ ድማ፡ ደዌኡ ጠፍአ።—ማርቆስ 1:40-42

ልግሲ—የሱስ ንዝጠመዩ መገበ።

የሱስ ንሰባት ጠምዮም ከለዉ ኪኸዱ ኣይደለየን። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ሒደት እንጌራን ሒደት ንኣሽቱ ዓሳን ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚበዝሕ ብምግባር፡ ኣሽሓት ሰባት መጊቡ እዩ። (ማቴዎስ 14:17-21፣ 15:32-38) ኵሎም በሊዖም ምስ ጸገቡ፡ ብዙሕ ምግቢ ተረፈ።

ርሕራሐ—የሱስ ንምዉታት ኣተንስአ።

የሱስ ንሓንቲ ብዘይካኡ ኻልእ ውላድ ኰነ ኣላዪ ዘይነበራ ዝሓዘነት መበለት ስለ ዝደንገጸላ ንወዳ ኻብ ምዉታት ኣተንስኦ።—ሉቃስ 7:12-15