ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና

ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ንኣምላኽ ዚእዘዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ነብዪ ሙሴ ትእዛዛት ኣምላኽ እንተ ሓሊና፡ በረኸት ኣምላኽ ከም እንረክብ ተዛሪቡ እዩ። (ዘዳግም 10:13፣ 11:27) ንኣምላኽ እንእዘዞ መቕጻዕቲ ፈሪህና ዘይኰነስ፡ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ስለ ዚድርኸና እዩ፣ ከመይሲ፡ ነፍቅሮን ንዕኡ ኻብ ዜጕሂ ነገራት ክንርሕቕን ንደሊ ኢና። “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3

እሞ ደኣ፡ ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ ብኸመይ ኢና እንባረኽ፧ ክልተ መዳይ ንርአ።

1. ንኣምላኽ ምስ እንእዘዞ ጥበበኛታት ንኸውን

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17

እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ይፈልጠናን ዜድልየና መምርሒ ይህበናን እዩ። ትምህርትታቱ ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ኪሕግዘና እንተ ደሊና፡ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምሃር፡ ነቲ እተምሃርናዮ ድማ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና።

2. ንኣምላኽ ምስ እንእዘዞ ሕጉሳት ንኸውን

“ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!”—ሉቃስ 11:28

ሎሚ፡ ንቓል ኣምላኽ ዚእዘዙ ሚልዮናት ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ተመክሮ ናይ ሓደ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ኣመና ቝጡዕን ንሰባት፡ እንተላይ ንሰበይቱ ዜጋፍዕን ዝነበረ ሰብኣይ ንርአ። ሓደ መዓልቲ ኻብ ጽሑፋት ነብዪ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ልኡም ዝነበረ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣንበበ። ዮሴፍ ዋላ እኳ ባርያ ዀይኑ እንተ ተሸጠን ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ እንተ ተኣስረን፡ ልኡምን ሰላማውን ይቕረ በሃልን እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት፡ ምዕራፍ 37-45) እቲ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ሰብኣይ፡ “ብዛዕባ ኣብነት ዮሴፍ ምስትንታነይ፡ ልእመትን ለውሃትን ርእሰ ግትኣትን ኬማዕብል ደሪኹኒ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሕጂ ሕጉስ ህይወት ኣሎኒ” በለ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና፡ ዝያዳ መምርሒ ይህብ እዩ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ብዝርዝር ክንርእዮ ኢና።