ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ዕድመኦም፡ ዜግነቶም ወይ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ፡ ክትሕግዞም ትኽእልዶ፧

ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ንእተሸገሩ ዚሕግዙ ሰባት ዚረኽብዎ በረኸት

ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ምግብን መጽለልን ምርካብ የሸግሮም ኣሎ። ገሊኦም ንመጻኢ ዚኸውን ተስፋ ጥራይ እዩ ዜድልዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምሕጋዝ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ከም እንረክብ ዚገብረና ብኸመይ እዩ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧

“ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣ ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።”—ምሳሌ 19:17

ንእተሸገረ ምሕጋዝ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኸተርቲ ዝኸትከትዎ፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ድማ ዝገደፍዎ ሰብኣይ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ኣዘንትዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 10:29-37) ሓደ ሕያዋይ ሓላፊ መገዲ ደው በለ እሞ፡ ነቲ ኣመና ዝቘሰለ ሰብኣይ ተኸናኸኖ። ካብ ናቱ ዓሌት ዘይኰነ ኽነሱ እዩ ተኸናኺንዎ።

እዚ ለዋህ ሰብኣይ እዚ፡ ነቲ እተጐድአ ቐዳማይ ረድኤትን ንዋታዊ ሓገዝን ጥራይ ኣይኰነን ሂብዎ፡ የግዳስ፡ ኣጸናኒዕዎን ካብ ጭንቀቱ እፎይ ከም ዚብል ገይርዎን እዩ።

ካብዛ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ንእተሸገሩ ንምሕጋዝ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ከም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ምሳሌ 14:31) ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንድኽነትን ንመከራን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ይምህር እዩ። ኣምላኽ ነዚ ብኸመይን መዓስን ከም ዚገብሮ የተሓሳስበካ ይኸውን። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ እቲ ፈቃር ፈጣሪኻ ነዚ በረኸት እዚ ብኸመይ ከም ዚህበካ ኽትገልጽ እያ።