ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ፈቃር ኣምላኽ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ካብ ፈቃር ኣምላኽ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
  • ውግእን ዓመጻን ባእስን ኣብ ዘይብላ ዓለም ክትነብር ትምነዶ፧

  • ሕማምን መከራን ሞትን ዜብቅዓሉ ግዜ ኺመጽእ ትህንጠዶ፧

  • ጭንቀትን ሻቕሎትን ዘይህልወሉ ግዜ ኺመጽእ ሃረር ትብልዶ፧

  • ብባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዘይጥቃዕ ከባቢ ኽትነብር ትህንጠዶ፧

እቲ ፈጣሪ እዛ ውቅብቲ ፕላነት ዝዀነ ፈቃር ኣምላኽና፡ ንደቂ ሰብ ሰላምን ሓጐስን ኣብ ዘለዎ ዅነታት ንዘለኣለም ከም ዜንብሮም ኣተስፍዩ ኣሎ። እዚ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት፡ ብዛዕባ እዚ ቐጺሉ ዘሎ ነጥብታት ክትምርምር ንዕድመካ፦

  • ፈጣሪና ብዛዕባ ደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚስምዖ

  • እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገልጸልና

  • ነብያት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ በረኸት እንታይ ከም ዝገለጹ

  • ሕጂ ሕጉሳት ክንከውንን ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዘለኣለማዊ በረኸት ክንረክብን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል

ፈለማ፡ እቲ ፈቃር ፈጣሪ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ብኸመይ ከም ዚሓልየሎም ንመርምር።