ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይሓልየልና

እቲ ፈቃር ፈጣሪና ይሓልየልና

1. ፈጣሪና ጸሓይ የብርቕ

ህይወት ኣብ ምድሪ ብዘይ ናይ ጸሓይ ብርሃን እንታይ ከም ዚመስል ክትግምት ትኽእልዶ፧ ኣእዋም ኪጥጥዕን ኪዕምብብን ኪፈርን ዚኽእል፡ ጸሓይ ብእትህቦ ሓይሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብሰራውር ኣቢሉ ኻብ መሬት ማይ ከም ዚስሓብን ናብ ኣቝጽልቲ ኸም ዚበጽሕን ናብ ኣየር ከም ዚሃፍፍን እትገብር ጸሓይ እያ።

2. ፈጣሪና ዝናም የዝንም

ዝናም ንምድርና እንምገቦ ምግቢ ኸተፍሪ ዚገብራ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን ብምሃብ ብምግቢ እናጽገበ ንልብና ብሓጐስ ይመልኦ እዩ።

3. ፈጣሪና ምግብን ክዳንን ይህብ

ሓያሎ ሰብኣውያን ኣቦታት ንስድራ ቤቶም ዚኸውን እኹል ምግብን ክዳንን ብዛዕባ ምርካብ ይጭነቑ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል፦ “ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧”—ማቴዎስ 6:25, 26

“ካብቲ ዕምባባታት መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ . . . ኣነ ግና፡ [ንጉስ] ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ . . . ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ . . . ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧”—ማቴዎስ 6:28-30

ኣምላኽ ምግብን ክዳንን ኪህበና ዚኽእል ካብ ኰነ፡ ንህይወት ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ክንረክብ ከም ዚሕግዘና እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ንጽዕር እንተ ዀይና፡ ነቲ እኽሊ ንምብቋል ወይ ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኽንዕድግ ስራሕ ክንረክብ እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ እዩ።—ማቴዎስ 6:32, 33

እምበኣር፡ ብዛዕባ ጸሓይን ዝናብን ኣዕዋፍን ዕንባባታትን ክንምርምር ከለና፡ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዜኽእለና እኹል ምኽንያት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ፈጣሪና ንደቂ ሰብ ብኸመይ ሓሳባቱ ኸም ዝገለጸሎም ከተብርህ እያ።