ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልክዕ ከምቲ ኣካያዲ ስራሕ ብጸሓፊኡ ገይሩ ዜጽሕፍ፡ ኣምላኽ ከኣ እሙናት ሰባት ተጠቒሙ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚጽሓፍ ገይሩ

ፈጣሪ ንፍቕራዊ ተስፋታቱ ዚገልጸሉ መገዲ

ፈጣሪ ንፍቕራዊ ተስፋታቱ ዚገልጸሉ መገዲ

ፈጣሪና ኻብቲ ንሰብ ዝፈጠረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ንሰባት ብመላእኽትን ብነብያትን ገይሩ ሓሳባቱ ኼመሓላልፈሎም ጸኒሑ እዩ። ብዘይካዚ፡ መልእኽቱን እቲ ዘተስፈዎ በረኸትን ኪጽሓፍ መሪጹ እዩ። ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንመጻኢኻ ይጸልዎ እዩ። ስለዚ፡ ሎሚ ንተስፋታት ኣምላኽ ክትረኽቦ እትኽእል ኣበይ ኢኻ፧

ንዓና ዚኸውን መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይርከብ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣምላኽ መልእኽቱ ኺጽሕፉ ንነብያት እተጠቕመሎም ብኸመይ እዩ፧ (2 ጴጥሮስ 1:21) ኣምላኽ ንሓሳባቱ ናብ ኣእምሮ እቶም ጸሓፍቲ ኣመሓላለፎ፡ ንሳቶም ድማ ጸሓፍዎ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ንጸሓፊኡ ሓደ መልእኽቲ ኺጽሕፍ ምስ ዚነግሮ፡ ደራሲ ናይቲ መልእኽቲ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ከም ዝዀነ ኢና ንፈልጥ። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንመልእኽቱ ኺጽሕፉ ሰባት እኳ እንተ ተጠቕመ፡ እቲ ናይ ሓቂ ደራሲ ቕዱሳት ጽሑፋት ግና ንሱ እዩ።

ቃል ኣምላኽ ብሰፊሑ ይርከብ

ኣምላኽ መልእኽቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኵሎም ሰባት ኬንብብዎን ኪርድእዎን ይደሊ እዩ። ሎሚ፡ እቲ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” ኣምላኽ፡ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” ተዘርጊሑሎም ኣሎ። (ራእይ 14:6) ሳላ በረኸት ኣምላኽ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 3,000 ቋንቋ ይርከብ እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ምድርና ኻብ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን መጻሕፍቲ ኣዝዩ ዝበዝሐ እዩ።