መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ
ኣስታት 3500 ዓመት ይገብር፡ የሆዋ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ ውሑስ መጻኢ ምእንቲ ኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነጊርዎም ነይሩ፦ “ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ . . . ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ።”—ዘዳግም 30:19።
እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብሩህ መጻኢ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩ ነይርዎም እዩ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ምርጫ ኢና ኽንገብር ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ውሑስ መጻኢ ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጽ እዩ፦ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ድምጹ ስማዕ።”—ዘዳግም 30:20።
ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ድምጹ ኽንሰምዕ እንኽእልን ብኸመይ ኢና፧
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር፦ ንየሆዋ ምእንቲ ኸተፍቅሮ፡ ፈለማ ብዛዕባኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምሃር ኣሎካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንሱ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዝዀነን ጽቡቕ ዘበለ ኸም ዚምነየልካን ክትግንዘብ ኢኻ። ስለ ‘ዚሓልየልካ’ ድማ ናብኡ ኽትጽሊ ይዕድመካ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ናብኡ ኽትቀርብ ጻዕሪ እንተ ጌርካ፡ ንሱ እውን ‘ኪቐርበካ’ ኸም ዚደሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።—ያእቆብ 4:8።
ንእተምሃርካዮ ተግብሮ፦ ንኣምላኽ ምስማዕ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ መምርሒኡ ምስዓብ ማለት እዩ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ “መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።”—እያሱ 1:8።