ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ስለምንታይ ብቕንዕና እትመላለስ፧

ቅንዕና ግዜኡ ሓሊፍዎ ድዩ፧

ቅንዕና ግዜኡ ሓሊፍዎ ድዩ፧

ሂቶሺ ኣብ ጃፓን ኣብ ዚርከብ ስራሕ ዜራኽብ ትካል፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕሳብ እዩ ዚሰርሕ ነይሩ። ምስ ሓለቓኡ ዀይኑ ፊናንሳዊ ጸብጻብ ኪምርምር ከሎ፡ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ኪህብ ትጽቢት ከም ዚግበረሉ ተነግሮ። ንሱ ግና ኬታልል ሕልናኡ ኸም ዘይፈቕደሉ ገለጸ። ስለዚ ድማ፡ ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ ሓለቓኡ ኻብ ስራሕ ከም ዚሰጕጎ ነግሮ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ካብ ስራሕ ሰጐጎ።

ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ሂቶሺ ስራሕ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጦን። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ቓለ መጠይቕ፡ ሂቶሺ ኣብ ናይ ምትላል ተግባራት ከም ዘይሳተፍ ምስ ገለጸ፡ እቲ ቓለ መጠይቕ ዚገብረሉ ዝነበረ ሰብ፡ “ኣተሓሳስባኻ ስጊንጢር እዩ” ኢልዎ እዩ። ቤተ ሰብን ፈተውትን ሂቶሺ ኣብቲ ብቕንዕና ንምምልላስ ዝገበሮ ቘራጽነት የተባብዕዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ጥርጣረታት ኬሕድር ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ “ብዛዕባ እምነተይ ብቕንዕና ምዝራበይ ጽቡቕ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲቡኒ እዩ” ኢሉ እዩ።

ካብ ተመክሮ ሂቶሺ ኸም እንርእዮ፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንቕንዕና ኣኽቢሩ ዚርኢ። አረ ገሊኦምሲ ብቕንዕና ምምልላስ፡ ምናዳ ኣብ ንግዲ ጸገም ከም ዚፈጥር እዮም ዚሓስቡ። ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ስራሕ እትወፍር ሰበይቲ፡ “ብመታለልቲ ሰባት እየ ተኸቢበ ዘለኹ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ምሳታቶም ንምምስሳል ኣዝዩ ብርቱዕ ጸቕጢ ይወርደኒ እዩ” ትብል።

ሓደ ኻብቲ ብቕንዕና ዘይመላለሱ ሰባት ዚገብርዎ ተግባር፡ ሓሶት እዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማሳቹሰትስ ኣመርስት ስነ ኣእምሮኛ ዀይኑ ዚሰርሕ ሮበርት ፈልድማን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ካብ ዓበይቲ ሰባት እቶም 60 ሚእታዊት፡ ንዓሰርተ ደቒቕ ኣብ ዚገብርዎ ዝርርብ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ከም ዚሕስዉ ኺፈልጥ ክኢሉ እዩ። ፈልድማን፡ “ኣዝዩ ዜገርም ውጽኢት እዩ ነይሩ። ሓሶት ክሳዕ ክንድዚ ልሙድ ክፋል መዓልታዊ ህይወትና ኪኸውን ኣይተጸበናዮን ኔርና” ብምባል ሓሳቡ ገሊጹ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ሓሶት ኪንገሮም ዘይደልዩ ኽነሶም፡ ሓሶት ኣመና ኣስፋሕፊሑ ምህላዉስ ዜገርም ደይኰነን፧

ሓሶትን ስርቅን ካልእ ዓይነት ዘይቅኑዕ ተግባራትን ኣመና ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ብቕንዕና ዘይምምልላስ ኣብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ እንታይ ጽልዋ የሕድር፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እዚ ሕማቕ ተግባራት እዚ ምእንቲ ኸይንለምድ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧