ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ስለምንታይ ብቕንዕና እትመላለስ፧

ብቕንዕና ዘይምምልላስ ዜስዕቦ ጽልዋ

ብቕንዕና ዘይምምልላስ ዜስዕቦ ጽልዋ

“ቍሩብ ብምትላል ክትፈትሖ እትኽእል ኣጸጋሚ ዅነታት ወትሩ ኣይጠፍእን እዩ።” —ሰማንታ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ።

ነዚ ሓሳብ እዝስ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧ ኵላትና ኸም ሰማንታ ኣጸጋሚ ዅነታት የጋጥመና እዩ። ከነታልል ዚፍትነና ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ኣኽቢርና ኸም እንርኢ ንጹር ይኸውን እዩ። ንኣብነት፡ ሰብ ከይብለኒ ኢልና ብዙሕ ንጭነቕ እንተ ዄንና፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ ብምትላል ክንመላለስ ንሓስብ ንኸውን። እቲ ሓቂ ምስ ወጸ ግና፡ እቲ ብምትላል ዝገበርናዮ ተግባር ኣሉታዊ ሳዕቤናት ሒዙ እዩ ዚመጽእ። እዚ ዚስዕብ ሳዕቤናት እስከ ንርአ።

ብቕንዕና ዘይምምልላስ፡ ንሰብ ከም ዘይትኣምን ይገብር

ርክባት ኣብ ምትእምማን እዩ ዚህነጽ። ክልተ ሰባት ምስ ዚተኣማመኑ፡ ቅሳነት ይስምዖም እዩ። ግናኸ፡ ንሰብ ብሓንሳእ ኣይኰንካን እትኣምኖ። ሰባት ብሓባር ግዜ ምስ ኣሕለፉ እሞ ብቕንዕና ሓሳብ ንሓሳብ ምስ ተለዋወጡን ንጥቕሚ ኻልእ ዚሓልዩ ምዃኖም ምስ ኣርእዩን እዮም ኪተኣማመኑ ዚጅምሩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ቅንዕናኡ ዜበላሹ ሓንቲ ነገር እኳ እንተ ገይሩ፡ ሰባት ኣብኡ ዝነበሮም እምነት የጥፍኡ እዮም። ዘይምትእምማን ምስ ተፈጥረ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ እምነት ንምሕዳር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ጥዑይ እዩ ብዝበልካዮ ሰብ ተታሊልካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ሽዑ ኸመይ ተሰሚዑካ፧ ሕማቕ ተሰሚዑካ ኪኸውን ኣለዎ። ሓቅኻ ድማ ኢኻ። ብቕንዕና ዘይምምልላስ ንመሰረት ርክባት ኬፍርስ ይኽእል እዩ።

ብቕንዕና ዘይምምልላስ፡ ከምኡ ዓይነት ባህርይ ይወለድ

ሮበርት ኢነስ ዚብሃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ፕሮፌሰር ስነ ቝጠባ ዀይኑ ዜገልግል ምሁር፡ “ብቕንዕና ዘይምምልላስ ብርግጽ ተማሓላላፊ” ዀይኑ እዩ ረኺብዎ። ስለዚ፡ ብቕንዕና ዘይምምልላስ ምስ ቫይረስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ምስ ሓደ መታለሊ ሰብ ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍካ መጠን፡ በቲ ባህርዩ ኽትልበድ ትኽእል ኢኻ።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብዚ ብቕንዕና ናይ ዘይምምልላስ ባህርይ ከተምልጥ እትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዚሕግዝ እተወሰነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርኢ ነተባብዓካ።