ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

ተስፋ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

ተስፋ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

እቲ ኣብ መእተዊ እታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ብሕማም መንሽሮ ዝሞተ ዳንኤል፡ ተስፋኡ ሒዙ እንተ ዚቕጽል ነይሩኸ፧ ካብ ሕማም መንሽሮ ምሓወየዶ ነይሩ፧ ሕጂ ብህይወት ምሃለወዶ፧ እቶም ተስፋ መድሃኒት ከም ዝዀነት ዚማጐቱ ሰባት እኳ ኸይተረፈ፡ ከምዚ ዓይነት ጥሩፍ ኣተሓሳስባ የብሎምን። እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ንተስፋ ኣጋኒንና ኽንዛረበላ የብልናን። ፈውሲ ዅሉ ኣይኰነትን።

ብፈነወ ዜና ኮሎምቢያ ኣብ እተገብረ ቓለ መጠይቕ፡ ዶክተር ናታን ቸርኒ ምስ ኣዝዮም ሕሙማት ሰባት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ሓይሊ ኣጋኒንካ ምቕራብ ኬጠንቅቕ ከሎ ኸምዚ በለ፡ “ንኣንስቶም እኹል ምስትንታን ከም ዘይገበራን እኹል ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዘይነበረንን ገይሮም ዚወቕስወን ሰብኡት ኣጋጢሞምና እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ‘ሓደ ሰብ ንሕማሙ ኺቈጻጸር ይኽእል እዩ’ ዚብል ግጉይ እምነት ስለ ዘሕደረ፡ እቲ ጥረ እናገደደ እንተ ኸይዱ፡ እቲ ሕሙም ዜድሊ ጻዕሪ ኸም ዘይገበረ ይሕሰብ። እዚ ኸኣ ርትዓዊ ኣይኰነን።”

ከም ሓቂ፡ እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት፡ ቀጻሊ ዝዀነ ኸቢድ ቃልሲ እዩ ዘለዎም። ስለዚ፡ ሰቦም ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ጸገም፡ ካልእ ጸገም ኪውስኹሎም ከም ዘይደልዩ መሸም ፍሉጥ እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ተስፋ ጥቕሚ የብላን ማለት ድዩ፧

ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቲ ዶክተር እቲ፡ ቃንዛ ኣብ ናይ ምህዳእ ሞያ እዩ ሰልጢኑ። እዚ ኸኣ ነቲ ሕማም ብቐጥታ ኣብ ምጥቃዕ ወይ ህይወት ኣብ ምንዋሕ ዘተኰረ ሕክምና ዘይኰነስ፡ እቲ ሕሙም ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ምሽኡን ዜሐጕስን ህይወት ኬሕልፍ ዚሕግዝ ሕክምና እዩ። እዞም ሓኻይም እዚኣቶም፡ ከምዚ ዓይነት ሕክምና ነቶም ከቢድ ሕማም ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ሕጉሳት ኪገብሮም ከም ዚኽእል ኣጸቢቖም እዮም ዚኣምኑሉ። ተስፋ እዝን ዝያዳን ክትገብር ከም እትኽእል ዜርኢ እኹል መርትዖ ኣሎ።

ተስፋ ዘለዋ ጥቕሚ

ዶክተር ዳብሊው ጊፎርድ ጆንስ ዚብሃል ደረሲ መጽሔት ሕክምና፡ “ተስፋ ውጽኢታዊ መድሃኒት እዩ” በለ። እዚ ዶክተር እዚ፡ ከቢድ ሕማም ንዘለዎም ሰባት፡ ስምዒታዊ ደገፍ ምሃብ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እተገብረ እተፈላለየ መጽናዕትታት መርሚሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ደገፍ ንሰባት ዝያዳ ትስፍዉን ኣወንታውን ኣረኣእያ ንኺሕዙ ኸም ዚድግፎም እዩ ዚእመነሉ። ብ1989 እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ከምዚ ዓይነት ደገፍ ዝረኸቡ ሕሙማት ነዊሕ ዕድመ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕቲ ግና፡ እዚ ኽሳዕ ክንድቲ ውጽኢታዊ ኸም ዘይኰነ ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ እቶም ስምዒታዊ ደገፍ ዝረኸቡ ሕሙማት ምስቶም ዘይረኸቡ ኺወዳደሩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ጭንቀትን ቃንዛን ከም ዘይብሎም ተረጋጊጹ እዩ።

ኣወንታውን ኣሉታውን ኣረኣእያ፡ ኣብ ሕማም ልቢ ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ ዘተኰረ ኻልእ መጽናዕቲ ኸኣ ንርአ። ንልዕሊ 1300 ዝዀኑ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎም፡ ብጥንቃቐ ምርምር ተገብረሎም። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እተገብረ ተኸታታሊ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ኸኣ፡ ካባታቶም ልዕሊ 12 ሚእታዊት ዝዀኑ ሕማም ልቢ ነበሮም። እቶም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ድማ ካብቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ዳርጋ ብዕጽፊ እዮም ዚበልጹ። ኣብ ጥዕና ማእከል ቤት ትምህርቲ ሃርቫርድ፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ጥዕናን ማሕበራዊ ዅነታትን ዝዀነት ኩብዛንስኪ ኸምዚ በለት፡ “ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ንጥዕና ኸም ዚጠቅም ዚሕብር መብዛሕትኡ መርትዖታት ኣፋዊ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ሕማም ልቢ እተገብረ መጽናዕቲ ግን እዚ ኣበሃህላ እዚ ቕኑዕ ምዃኑ ዚሕብር ሕክምናዊ መርትዖ እዩ።”

ገሊኡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ብዛዕባ ጥዕናኦም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሕሙማት ካብቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሕሙማት፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ቐልጢፎም ኣይሓውዩን። ነዊሕ ዕድመ እውን ከይተረፈ፡ ምስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዚተሓሓዝ። ብዛዕባ እርጋን ኣወንታውን ኣሉታውን ኣረኣእያ፡ ንኣረጋውያን እንታይ ጽልዋ ኸም ዝገበረሎም መጽናዕቲ ተገይሩ እዩ። ኣረጋውያን ንእርጋን ምስ ጥበብን ተመክሮን ዜተሓሕዝ ቃላት ቀልጢፉ ዚሓልፈሉ ናይ ኮምፒዩተር ጸወታ ኸም ዚጻወቱ ተገብረ። ድሕሪ እቲ ጸወታ፡ እቶም ኣረጋውያን ቀጻሊ ዝዀነ ብርታዐን ሓይልን ከም ዝረኸቡ ተረጋጊጹ። እቲ እተራእየ ምምሕያሽ ማዕረ እቲ ብናይ ሰለስተ ወርሒ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዚርከብ ውጽኢት እዩ ነይሩ።

ከም ተስፋን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ዝኣመሰለ ስምዒታት ንጥዕናና ኺጠቅም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሓኻይምን፡ ብዛዕባ ኣእምሮን ኣካልን ወዲ ሰብ ርጉጽ ዝዀነ መልሲ ንምሃብ ዜኽእል እኹል ምርዳእ ዘይብሎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ጕዳይ እዚ መጽናዕቲ ዚገብሩ ኽኢላታት፡ ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ርእይቶ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ፕሮፌሰር ኒውሮሎጂ ኸምዚ በለ፦ “ሓጐስን ተስፋን ኺህልወካ ኸሎ ጽቡቕ ይስምዓካ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ጭንቀት ከም ዘይስምዓካን ኣካላትካ ኸም ዚሕደስን እዩ ዚገብር። እዚ ሓደ ኻብቲ ሰባት ጥዑያት ኰይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ብወገኖም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገር እዩ።”

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንሓኻይም፡ ንሳይኮሎጀኛታት፡ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኪሕድሶም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይሕድሶምን እዩ። ዳርጋ 3000 ዓመት ይገብር፡ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ሓሳብ እዚ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ” ብምባል ኣብ ጽሑፍ ኣስፊርዎ ኣሎ። (ምሳሌ 17:22) ነቲ ኣብዚ ተንጸባሪቑ ዘሎ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ኣስተብህለሉ። እታ ጥቕሲ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት” ከም ዝዀነ ደኣ እምበር፡ ንዝዀነ ይኹን ሕማም ኬሕዊ ኸም ዚኽእል ኣይትገልጽን እያ።

ስለዚ እምበኣር፡ ‘ተስፋ መድሃኒት እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነዚ ዘይእዝዞ ሓኪም እሞ መን ኣሎ፧’ ኢልካ ምሕታት ርትዓዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ተስፋ ኻብ ጥዕና ንላዕሊ ኻልእ ብዙሕ ጥቕሚ እውን ኣለዋ።

ኣወንታውን ኣሉታውን ኣተሓሳስባ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ጽልዋ

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ብብዙሕ መገድታት ከም ዚጥቀሙ፡ ተመራመርቲ ብመጽናዕቲ ረኺቦምዎ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ስፖርት እውን ከይተረፈ ዝሓሸ ውጽኢት እዮም ዚረኽቡ። ንኣብነት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዚሳተፋሉ ዓውዲ ስፖርት መጽናዕቲ ተገይሩ ነይሩ። እቶም ኣሰልጠንቲ፡ ብዛዕባ ኽእለት እተን ስፖርተኛታት ምሉእ ግምገማ ገይሮም ነይሮም። ምስኡ ኸኣ ኣብ ባህርያት እተን ኣንስቲ መጽናዕቲ ተገብረ፡ ደረጃ ተስፋአን ከኣ ብዕቱብ ተመርመረ። ውጽኢቱ ኸም ዚሕብሮ ኸኣ ምስጢር ዓወተን እቲ ብኣሰልጠንተን እተመዝገበ እተፈላለየ ደረጃ ኽእለተን ዘይኰነስ፡ ደረጃ ተስፋአን እዩ። ተስፋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ኣንጻር ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዝዀነ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብምጽናዕ ብዙሕ ፍልጠት ተረኺቡ እዩ። ብ1960ታት ብዛዕባ ባህርይ እንስሳታት ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ትጽቢት ዘይተገብሮ ውጽኢት ተረኺቡ እዩ። ተመራመርቲ ኻብዚ መጽናዕቲ እዚ ተበጊሶም፡ ሰባት እውን ከይተረፈ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብዜጋጥሞም ኵነታት ‘ዝገበርኩ እኳ እንተ ገበርኩ ኣይሰልጠንን እዩ’ ዚብል ስምዒት ኬሕድሩ ኸም ዚኽእሉ ገሊጾም እዮም። ንኣብነት፡ እዚ መጽናዕቲ እዚ እተገብረሎም ሰባት፡ ደስ ዘይብል ድምጺ ኸም ዚሰምዑ ተገብሩ እሞ፡ ኣብ መጠወቒታት ብምጥዋቕ ነቲ ድምጺ ደው ኬብልዎ ተነግሮም፡ ንሳቶም ከኣ ከምቲ እተባህለ ብምግባር ደው ኣበልዎ።

ካልኣይ ጕጅለ ኸኣ ልክዕ ከምኡ ኺገብሩ ተነግሮም፡ ንሳቶም ግና ኣይተዓወቱን። ክትግምቶ ኸም እትኽእል፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ኻልኣይ ጕጅለ፡ ተስፋ ቘሪጾም ነይሮም። ካልኣይ ዕድል ምስ ተዋህቦም ከኣ ኪፍትኑ እውን ኣይደለዩን። ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ ምንም ለውጢ ኼምጽኡ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ኻልኣይ ጕጅለ እውን ከይተረፈ፡ እቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሰባት ተስፋ ኣይቈረጹን።

ነዚ ፈተነ እዚ ዘዳለወ ዶክተር ማርቲን ሰልግማን፡ ብዛዕባ ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኣሉታዊ ኣረኣእያን መጽናዕቲ ኺገብር ተደረኸ። ንኣተሓሳስባ እቶም ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም ገይሮም ዚሓስቡ ሰባት ኣድቂቑ ኺምርምር ጀመረ። እቲ ዶክተር ከምዚ ዓይነት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ንቡር ዝዀነ መዓልታዊ ንጥፈታት ህይወት ንምምራሕ እውን ከይተረፈ ኸም ዚኸብዶም ደምዲሙ እዩ። ብዛዕባ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ዘለዎ ጽልዋን ከኣ ከምዚ ብምባል ጸሚቑ ኣቕሪብዎ ኣሎ፦ “ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ ከምቶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ መከራ ዚበጽሓና ብጕድለትና ምዃኑ፡ ቀጻሊ ምዃኑ፡ ንዅሉ እንገብሮ ነገር ከኣ ከም ዚቈጻጸሮ ዀይኑ ወትሩ ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ኸም ዚኸውን ኣእሚኑኒ እዩ።”

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት፡ ሎሚ ንገሊኦም ሓድሽ ይዀኖም ይኸውን። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሓድሽ ኣይኰነን። ነዚ ምሳሌ እዚ ኣቕልበሉ፦ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን።” (ምሳሌ 24:10) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ምቝራጽን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ንሓይልኻ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጽንቅቖ እዩ ብንጹር ዚገልጽ። እሞኸ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ተስፋን ከተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእሊ]

ተስፋ ዓብዪ ግደ ኣለዋ