ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓገዝ ድለ

ሓገዝ ድለ

ሓገዝ ድለ

“ሓደ በይኑ ዝዀነ ብኻልእ ኪስነፍ ይኽእል እዩ፣ ክልተ ብሓባር ግና ይቃወምዎ።”መክብብ 4:12

ጸላኢና መን ይኹን ወይ እንታይ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሓገዝ ካልኦት እንተ ረኺብና ኽንዕወት ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው ከተብል እንተ ደሊኻ፡ ካብ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ወይ ድማ ካብ ልቡ ኺሕግዘካ ኻብ ዚደሊ ዕጉስ ሰብ ሓገዝ ሕተት።

ብዘይካዚ፡ ሓገዝ እቶም ካብዚ ልማድ እዚ እተገላገሉ ሰባት ሕተት። ከመይሲ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ይድንግጹልካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይሕግዙኻ እውን እዮም። ኣብ ደንማርክ ዚነብር ሓደ ቶርበን እተባህለ ክርስትያን፡ “ሓገዝ ካልኦት ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ” በለ። ሓደ ኣብ ህንዲ ዚነብር ኣብርሃም ዚብሃል ከኣ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ስድራ ቤተይን ክርስትያናት ብጾተይን ዘርኣዩኒ ልባዊ ፍቕሪ፡ ምትካኽ ደው ከብል ሓጊዙኒ እዩ።” ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እቲ ኻብ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን እንረኽቦ ሓገዝ እኹል ኣይኰነን።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሓደ ባሃጓንዳስ ዚብሃል ሰብ ከምዚ በለ፦ “ን27 ዓመት ሽጋራ ኣትኪኸ እየ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርኹስ ልማዳት እንታይ ከም ዚብል ምስ ፈለጥኩ ግና፡ ምትካኽ ደው ከብል ወሰንኩ። ፈለማ በብቝሩብ ክንክዮ ፈተንኩ። ምስ ኣዕሩኽተይ ዝነበረኒ ርክብ በተኽኩ። ሓገዝ ሰብ ሞያ ሓተትኩ። እዚ ዅሉ ግና ኣይጠቐመንን። ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ምሸት ብጸሎት ልበይ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣፍሰስኩ፣ ምትካኽ ደው ከብል ኪሕግዘኒ ኸኣ ለመንክዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓወትኩ።”

ካልእ ክትገብሮ ዘሎካ ኣገዳሲ ነገር ከኣ፡ ነቲ ኼጋጥመካ ዚኽእል ዕንቅፋታት ንምስጋር ምድላው እዩ። እዚ ዕንቅፋታት እዚ እንታይ እዩ፧ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ እያ።

[ሳጹን]

ሕክምና እንተ ገበርካዶ ይሓይሽ፧

ኣትከኽቲ ምትካኽ ደው ንኼብሉ ኺሕግዞም ተባሂሉ ዚዳሎ ኸም ኒኮቲን ዘለዎ ፕላስተር ዝኣመሰለ ሕክምናታት፡ ብቢልዮናት ዚቝጸር ገንዘብ ዚኽሰበሉ ንግዲ ዀይኑ ኣሎ። ስለዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምና ቕድሚ ምጅማርካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ፦

እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ መብዛሕትኡ ተራፒ፡ ኒኮቲን ምቍራጽ ንዜስዕቦ ስቓይ ብምንካይ፡ ምትካኽ ደው ከተብል ከም ዚሕግዘካ እዩ ዚእመን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ዘላቕነት እቲ ውጽኢት ጥርጣረ ኣሎ።

እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧ ገሊኡ መድሃኒታት ከም ዕግርግር ምባል፡ ጭንቀት፡ ርእስኻ ኽትቀትል ምሕሳብ ዝኣመሰለ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። መተካእታ ኒኮቲን ተባሂሉ ዚውሃብ ሕክምና፡ ነቲ ሓሽሽ ብኻልእ መልክዕ ምውሳድ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ሳዕቤናቱ ኣይንክዮን እዩ። ከም ሓቂ እምበኣር፡ ነዚ መድሃኒታት ዚወስድ ሰብ ኣብ ወልፉ ኣይተላቐቐን።

እንታይ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ፧ ኣብ ሓደ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም እተራእየ፡ 88 ሚእታዊት እቶም ምትካኽ ደው ዘበሉ ሰባት፡ ብዘይ ሓገዝ መድሃኒታት ትምባኾ ኬቋርጹ ኸም ዝኸኣሉ ገሊጾም እዮም።