ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መታለሊ ዓርኪ

መታለሊ ዓርኪ

መታለሊ ዓርኪ

ሓደ ኣብ ግዜ ንእስነትካ እተላለኻዮ “ዓርኪ” ኣሎካ ንበል። እዚ ዓርክኻ ድማ እኹል ሰብ ከም ዝዀንካ ኺስምዓካን ብመዛኑኻ ተቐባልነት ክትረክብን ይገብረካ። ውጥረት ኪስምዓካ ኸሎ፡ ብእተወሰነ “እፎይታ” ኽትረክብ ይሕግዘካ። ከም ሓቂ፡ ኣብኡ ጽግዕተኛ ዄንካ ኢኻ።

ድሕሪ ግዜ ግና፡ ነቲ ሕማቕ ጐድኑ ኽትርእዮ ጀሚርካ። ምሳኻ ኪኸውን ኣብ ዘይትደልየሉ እዋናት እውን ካባኻ ኺፍለ ኣይደልን እዩ። ብሱል ከም ዝዀንካ ኺስምዓካ እንተ ገበረ እኳ፡ ንጥዕናኻ ግና ይጐድኦ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ካብ ደሞዝካ ይሰርቀካ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ርክብካ ኽትበትኽ እኳ እንተ ደለኻ፡ ንሱ ግና ካባኻ ኺርሕቕ ኣይደለየን። እኳ ደኣስ፡ ጐይታኻ ዀይኑ እዩ። ነታ ምስኡ እተላለኻላ መዓልቲ ትረግማ።

እዚ ነቲ መብዛሕትኦም ኣትኸኽቲ ሽጋራ ምስ ሽጋራ ዘለዎም ዕርክነት ዚገልጽ እዩ። ሓንቲ ንልዕሊ 50 ዓመት ዘትከኸት አርሊን ዝስማ ሰበይቲ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንዓይ ኻብ ምስ ሰብ ምዃን፡ ምስ ሽጋራ ምዃን ይሕሸኒ ነይሩ። ናይ ቀደም ፈታውየይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቀንዲ ፈታውየይ እዩ ነይሩ” ትብል። አርሊን ጸኒሓ ኸም እተረድኣቶ ግን፡ ሽጋራ ጠላም ፈታዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጨካን እውን እዩ። ካብቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ነገራት፡ ብጀካ ሓደ፡ ኵሉ ኣብ ህይወታ ኣጋጢምዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሰብነት ስለ ዜርክሶ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ሕማቕ ምዃኑ ምስ ፈለጠት፡ ምትካኽ ደው ኣበለት።—2 ቈረንቶስ 7:1

ብተመሳሳሊ፡ ፍራንክ ዝስሙ ሰብኣይ ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኼብል፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው ኣበለ። ነቲ ልማድ ደው ድሕሪ ምባሉ ኣብ ዘለዋ መዓልትታት ግና፡ ኣብ ባይታ ዝወደቐ ትካኽ ሽጋራ ንምርካብ እናተፋሓዀ ኺደሊ ጀመረ። ፍራንክ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ነጥበ መቐይሮ ዀነኒ። ተደቢረ እተጓሕፈ ትካኽ ሽጋራ ምድላየይ፡ ንርእሰይ ከም ዝፍንፍና ገበረኒ። ድሕሪኡ፡ ፈጺመ ኣየትከኽኩን” በለ።

ትምባኾ ኽሳዕ ክንድዚ ዓትዒቱ ዚሕዝ ስለምንታይ እዩ፧ ተመራመርቲ እተፈላለየ ምኽንያት ከም ዘሎ ይገልጹ። (1) ትምባኾ ኸም ሓሽሽ ወልፊ የትሕዝ እዩ። (2) ኒኮቲን ሓንሳእ ምስ ሰሓብካዮ፡ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ኻልኢት ናብ ሓንጎል ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። (3) መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓደ ሰብ ኪበልዕን ኪሰትን ኬዕልልን ከሎ፡ ካብ ወጥሪ እፎይታ ንምርካብን ኣብ ካልእ እዋናትን ስለ ዜትክኽ፡ ሽጋራ ኽፍሊ ህይወቱ ይኸውን እዩ።

እንተዀነ ግና፡ ካብ ተመክሮ አርሊንን ፍራንክን ከም ዝረኣናዮ፡ ካብዚ ጐዳኢ ወልፊ እዚ ሓራ ምውጻእ ይከኣል እዩ። ሽጋራ ተትክኽ እንተ ዄንካ እሞ፡ ደው ከተብል ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ምንባብ፡ ሓድሽ ህይወት ክትጅምር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።