ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትዕወት ትኽእል ኢኻ!

ክትዕወት ትኽእል ኢኻ!

ክትዕወት ትኽእል ኢኻ!

ሕጂ ‘እትተብዓሉን እትሰርሓሉን’ እዋን እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:10) ኣብዚ ቓልሲ ምእንቲ ኽትዕወት እንታይ ተወሳኺ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

መዓልቲ ወስን። ክፍሊ ጥዕናን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ እታ ምትካኽ ደው እተብለላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሽጋራ ኽትገድፎ ዝወሰንካሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን ኪኸውን ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። በዚ ኸምዚ ድራኸኻ ይሕይል። ስለዚ፡ ነታ መዓልቲ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ምልክት ግበረላ፡ ብዛዕባኡ ንፈተውትኻ ንገር፡ ኵነታትካ እንተ ተቐየረ እውን ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትሕለፍ።

ካርድ ኣዳሉ። እቲ ካርድ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ሓበሬታን ንድራኸኻ ዜሐይል ተወሳኺ ሓሳባትን ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል እዩ፦

● ምትካኽ ደው እተብለሉ ምኽንያት

● እቲ ልማድ ዚደግሰካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ተሌፎን እትድውለሎም ሰባት

● ሓሳባት ማለት፡ ከም ገላትያ 5:22, 23 ዝኣመሰለ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ዚሕግዘካ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ነታ ካርድ ካባኻ ኣይትፍለያ፡ ኣብ መዓልቲ ድማ ብዙሕ ሳዕ ደጋጊምካ ኣንብባ። ምትካኽ ደው ድሕሪ ምባልካ ኸተትክኽ እንተ ተፈቲንካ ነታ ካርድ መሊስካ ኣንብባ።

ኣቐዲምካ በብቝሩብ ስጕምቲ ውሰድ። ካብታ ደው እተብለላ መዓልቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዘሎ መዓልትታት፡ ነቲ ምስ ምትካኽ እተተሓሓዘ ልማዳትካ ኣቋርጾ። ንኣብነት፡ ንግሆ ንግሆ ኻብ ምድቃስካ ምስ ተንሳእካ ተትክኽ እንተ ኔርካ፡ ሕጂ ንሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣናውሓዮ። ኣብ እዋን ምግቢ ወይ ድሕሪኡ ተትክኽ እንተ ኔርካ ነቲ ልማድ ብተኮ። ናብ ዚትከኸሉ ቦታታት ኣይትኺድ። ንበይንኻ ዄንካ ነዚ ዚስዕብ ዓው ኢልካ ተለማመዶ፦ “ኣይደልን። ምትካኽ ሓዲገዮ እየ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት፡ ነታ ምትካኽ እተሓድገላ መዓልቲ ኼዳልወካ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ምስቶም ነዚ ልማድ ዘሰነፉ ሰባት ከም እትስራዕ ኬዘኻኽረካ እዩ።

ተዳሎ። እታ መዓልቲ እናቐረበት ክትከይድ ከላ፡ ከም ካሮቲ፡ ማስቲካ፡ ቆሎ፡ ወይ ፉል ዝኣመሰለ ዚሕየኽ ወይ ዚቝርጠም ነገራት ኣዳሉ። ንፈተውትኻን ንስድራ ቤትካን ነታ ዕለት ኣዘክሮም፣ ብኸመይ ከም ዚሕግዙኻ ኸኣ ንገሮም። ቀቅድሚ እታ መዓልቲ፡ መንገፍን መወልዕን ሽጋራ ከምኡ እውን ኣብ ቤትካ፡ ኣብ ማኪናኻ፡ ኣብ ጁባኻ፡ ወይ ኣብ ስራሕካ፡ ዘሎ ሽጋራ ኣወግድ። ከመይሲ፡ ሽጋራ ኺህበካ ንሰብካ ምሕታትን ካብ ምግዛእን ንላዕሊ ኻብ ተመዛዚ ምውሳድ ይቐልል እዩ። ብተወሳኺ፡ ምእንቲ ኺሕግዘካ ንኣምላኽ ብጸሎት ሕተቶ፣ ብፍላይ ድማ ካብታ ናይ መወዳእታ ሽጋራ ዘትከኽካላ መዓልቲ ኣትሒዝካ ልባዊ ልማኖ ኣቕርብ።—ሉቃስ 11:13

ብዙሓት ሰባት ምስቲ መታለልን ጨካንን ዝዀነ ፈታዊኦም ማለት፡ ምስ ሽጋራ ዝነበሮም ርክብ “በቲኾም” እዮም። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ እትገብር ከኣ ዝሓሸ ጥዕናን ሓርነትን ክትረክብ ኢኻ።

[ስእሊ]

ነታ ካርድ ካባኻ ኣይትፍለያ፡ ኣብ መዓልቲ ድማ ብዙሕ ሳዕ ደጋጊምካ ኣንብባ