ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕንቅፋታት ንምስጋር ተዳሎ

ዕንቅፋታት ንምስጋር ተዳሎ

ዕንቅፋታት ንምስጋር ተዳሎ

“ምእንቲ ጥዕና ዕሸል ውሉድና ኢለ ሽጋራ ምትካኽ ደው ከብል ወሰንኩ። ስለዚ፡ ‘ምትካኽ ኣይፍቀድን’ ዚብል ምልክት ኣብ ገዛና ሰቐልኩ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ግና፡ ምሒር ሃረርታ ኒኮቲን ከም ማዕበል ሱናሚ ስለ ዘናወጸኒ ሽጋራ ወላዕኩ።”—ዮሺሚትሱ፡ ጃፓን።

ተመክሮ ዮሺሚትሱ ኸም ዜርእዮ፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው ንምባል ኣብ እንጽዕረሉ እዋን፡ ዕንቅፋታት የጋጥመና እዩ። ብተወሳኺ፡ ዳርጋ 90 ሚእታዊት እቶም ነቲ ዕንቅፋታት ንምስጋር ዚጽገሙ ሰባት፡ ልማዶም ከም ዚደግሶም መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። እምበኣር፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው ከተብል ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ኼጋጥመካ ዚኽእል ዕንቅፋታት ንምስጋር ኣቐዲምካ ተዳሎ። ብዙሕ ግዜ ዜጋጥም ዕንቅፋታት እንታይ እዩ፧

ምሒር ሃረርታ ኒኮቲን፦ መብዛሕትኡ እዋን፡ እዚ ስምዒት እዚ፡ እታ ናይ መወዳእታ ሽጋራ ኻብ ዘትከኽካላ ኣብ ዘለዋ ሰለስተ መዓልቲ ይሕይል፡ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ከኣ ይዝሕል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ሓደ ዜትክኽ ዝነበረ ሰብ፡ “እቲ ስምዒት ጸጸኒሑ ኸም ማዕበል እዩ ዚመጽእ” በለ። ድሕሪ ዓመታት እውን እንተ ዀነ፡ ሃንደበት ሽጋራ ሃረር ክትብል ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ ተሃዊኽካ ኣይተትክኽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እንተ ተጸሚምካ እቲ ድሌት ኪጠፍእ እዩ።

ምትካኽ ደው ምባል ዜስዕቦ ኻልእ ነገራት፦ ምትካኽ ደው ዜብሉ ሰባት፡ ኣብ ፈለማ ይፈዝዙ ወይ ኣየቕልቡን፡ ብቐሊሉ ድማ ክብደት ይውስኹ እዮም። ብተወሳኺ፡ ቃንዛ ይስምዖም፡ የሳሕዮም፡ የርህጾም፡ የስዕሎም እዩ፣ ስምዒቶም ቀልጢፉ ስለ ዚቀያየር ድማ፡ ዓቕሊ ዘይብሎም፡ ቀልጢፎም ዚቝጥዑ ይዀኑ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጭንቀት ኪሓድሮም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ምልክታት እዚ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰሙን ኪጠፍእ ይኽእል እዩ።

ነዚ ኣጸጋሚ እዋናት ክትሓልፎ ዚሕግዘካ፡ ክትገብሮ እትኽእል ግብራዊ ነገራት ኣሎ። ገለ ኻብዚ ድማ፦

● እኹል ድቃስ ደቅስ።

● ብዙሕ ማይ ወይ ፈሳሲ ስተ። ጥዑይ ምግቢ ተመገብ።

● ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር።

● ኣዕሚቝካ ኣስተንፍስ፣ ንጹህ ኣየር ንሳምቡእካ ይመልኦ ኸም ዘሎ ጌርካ ኸኣ ሕሰብ።

ዜለዓዕል ነገራት፦ እዚ ሽጋራ ኸተትክኽ ዜለዓዕለካ ንጥፈታት ወይ ስምዒታት እዩ። ንኣብነት፡ መስተ ኽትሰቲ ኸለካ፡ ሽጋራ ተትክኽ ኔርካ ንበል፣ ስለዚ፡ ሽጋራ ምትካኽ ደው ከተብል ከለኻ ኣብ መስተ ብዙሕ ግዜ ኣይተሕልፍ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኵነታትካ ምስ ተመሓየሸ ብዘይ ጸቕጢ እትሰትየሉ ኣጋጣሚ ኺፍጠር ይኽእል እዩ።

ካብ ኒኮቲን ሓራ ድሕሪ ምውጻእካ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ምስኡ እተተሓሓዘ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ኺህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ቶርበን፡ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምትካኽ ደው ካብ ዜብል ዓሰርተ ትሸዓተ ዓመት እኳ እንተ ገበርኩ፡ ሕጂ እውን ኣብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ኸትክኽ እፍተን እየ።” ይብል። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ግና፡ እቲ ብሰንኪ እተወሰነ ንጥፈታት ንከተትክኽ ዜለዓዕለካ ስምዒት፡ ድሕሪ ግዜ እናጠፍአ እዩ ዚኸይድ።

ምስ ኣልኮላዊ መስተ ብእተተሓሓዘ ግና፡ እቲ ዅነታት ካብዚ እተፈለየ እዩ። ምትካኽ ደው ከተብል ትጽዕር እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ኣልኮላዊ መስተን ኣልኮላዊ መስተ ኻብ ዚዝውተረሉ ቦታታትን ክትርሕቕ ኣሎካ። ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ እዋን ሰባት እቲ ናይ ምትካኽ ልማዶም ዚደግሶም፡ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኸለዉ እዮም። ከምኡ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

● ሒደት ኣልኮላዊ መስተ እውን እንተ ዀነ፡ ኒኮቲን ከም እትብህግ ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

● ሰባት ተኣኪቦም መስተ ኣብ ዚሰትዩሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሽጋራ የትክኹ እዮም።

● ኣልኮላዊ መስተ፡ ከም ዘይተመዛዝንን ስሚዕታትካ ኸም ዘይትቈጻጸርን ይገብረካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ወይኒ ቅኑዕ ድራኸ የጥፍእ’ ይብል እዩ።—ሆሴእ 4:11

መዋዕልቲ፦ መዋዕልትኻ ኽትመርጽ ኣሎካ። ንኣብነት፡ ሽጋራ ምስ ዜትክኹ ወይ ከተትክኽ ምስ ዚዕድሙኻ ሰባት ኣይትቀራረብ። ብተወሳኺ፡ ካብቶም ነቲ ምትካኽ ደው ንምባል እትገብሮ ጻዕርታት ዜነኣእሱ ሰባት ርሓቕ።

ስምዒታት፦ ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ዳርጋ ኽልተ ሲሶ እቶም እቲ ልማድ ዝደገሶም ሰባት፡ ቀቅድሚ እቲ ዳግም ኬትክኹሉ ዝጀመሩ እዋን፡ ተጨኒቖም ወይ ሓሪቖም ነይሮም እዮም። ገሊኡ ስምዒት፡ ከተትክኽ ዚደፋፍኣካ እንተ ዀይኑ፡ ማይ ምስታይ፡ ማስቲካ ምሕያኽ ወይ ብእግሪ ምጕዓዝ ኬረሳስዓካ ይኽእል እዩ። ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ ወይ ካብ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ብምንባብ፡ ንኣእምሮኻ ብኣወንታዊ ሓሳባት ምልኣዮ።—መዝሙር 19:14

ከተወግዶ ዘሎካ መመኽነይታ

ሓንሳብ ጥራይ እየ ኺስሕብ።

እቲ ሓቂ፦ ሽጋራ ሓንሳእ ምስ ሰሓብካ፡ እዚ ኣብ ሓንጐልካ ኻብ ዚርከቡ ተቐበልቲ ኒኮቲን ናብ 50 ሚእታዊት ይበጽሕ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንሰለስተ ሰዓት ዕግበት ትረክብ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ልማድ ይደግሰካ።

ምትካኽ ውጥረት የፍኵሰለይ።

እቲ ሓቂ፦ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ ኒኮቲን ውጥረት የጋድድ እዩ። እምበኣር፡ ሓደ ሰብ ሽጋራ ንውጥረቱ ዜፋዅሰሉ ዀይኑ ዚስምዖ፡ ምትካኽ ደው ምባል ዘስዓበሉ ስቓይ ንግዜኡ ስለ ዝነከየ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ደጊም እኳ ደው ኬብል ኣይክእልን እየ።

እቲ ሓቂ፦ ኣሉታዊ ስምዒት የዳኽመካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን።” የብል እዩ። (ምሳሌ 24:10) ስለዚ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣወግድ። ምትካኽ ደው ንምባል ካብ ልቡ ዚቃለስን ነቲ ኣብዛ መጽሔት ተገሊጹ ዘሎ ግብራዊ ስርዓታት ዚትግብርን ሰብ ኪዕወት ይኽእል እዩ።

ምትካኽ ደው ምባል ዜስዕቦ ስቓይ ምኽኣሉ ኸቢዱኒ።

እቲ ሓቂ፦ ርግጽ እዩ፡ እቲ ስቓይ ከቢድ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት እናነከየ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ድሕሪ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት እቲ ስምዒት እንተ ደጊሱካ፡ ንሒደት ደቓይቕ ብምጽማም ከተሕልፎ ትኽእል ኢኻ።—እዚ ዚኸውን ግና ሽጋራ እንተ ዘይወሊዕካ እዩ።

ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣለኒ።

እቲ ሓቂ፦ ከም ሕዱር ጭንቀት ወይ ካልእ ናይ ኣእምሮ ሕማም እንተልዩካ እሞ፡ ሕክምና ትከታተል እንተ ኣሊኻ፡ ምትካኽ ደው ምእንቲ ኸተብል ኺሕግዘካ ንሓኪምካ ሕተቶ። ሓኪምካ ድማ ምትካኽ ደው ንምባል ኣብ እትጽዕረሉ እዋን፡ ነቲ እትወስዶ ሕክምና ወይ መድሃኒት ብቐረባ ብምክትታል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እቲ ልማድ እንተ ደጊሱኒ፡ ዝፈሸልኩ ዀይኑ ኺስምዓኒ እዩ።

እቲ ሓቂ፦ ሓድሓደ ግዜ፡ ምትካኽ ሓዲጎምዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ሓደ ኻብቲ ዕንቅፋታት ይወድቁ እሞ፡ መሊሶም ኬትክኹ ይጅምሩ እዮም። ንዓኻ እውን ከምዚ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ ዅነታትካ ተስፋ ዘይብሉ ኣይኰነን። ካብቲ ዝወደቕካዮ ተንሲእካ ጕዕዞኻ ቐጽል። ተዓንቂፍካ ምውዳቕ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝወደቕካዮ ዘይምትንሳእ እዩ ኸም ፍሽለት ዚቝጸር። ስለዚ ኣይትተሓለል። ድሕሪ ግዜ ኽትዕወት ኢኻ።

ተመክሮ ሓደ ሮማልዶ ዚብሃል ን26 ዓመት ዘትከኸን ቅድሚ 30 ዓመት ምትካኽ ደው ዘበለን እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቲ ልማድ ክንደይ ሳዕ ከም ዝደገሰኒ ቘጺርካ ኣይውዳእን እዩ። ብዝደገሰኒ ቝጽሪ ድማ፡ ተስፋ እቘርጽ ስለ ዝነበርኩ ኣዝዩ ሕማቕ ይስምዓኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ምስ የሆዋ እምላኽ ናይ ቀረባ ዝምድና ንምምስራት ሓንሳእ ምስ ቈረጽኩን ምእንቲ ኺሕግዘኒ ብተደጋጋሚ ብጸሎት ምስ ሓተትክዎን ንሓዋሩ ምትካኽ ክሓድጎ ኸኣልኩ።”

ኣብ መወዳእታ ዓንቀጽ እዚ ዓምዲ፡ ምትካኽ ክትሓድጎ ኺሕግዘካ ዚኽእል ተወሳኺ ግብራዊ ሓሳባት ክንርኢ ኢና።

[ስእሊ]

ኵሉ ዓይነት ትምባኾ ይቐትል እዩ

ሰባት ንትምባኾ ብእተፈላለየ መገዲ ይጥቀምሉ እዮም። ገሊኡ ፍርያት ትንባኾ፡ ጥዑይ ምግብን ንሕክምና ተባሂሉ ዚዳሎ ቘጽለመጽልን ሰራውርን ኣብ ዝሽየጠሉ መደበራት ይርከብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ፡ “ኵሉ ዓይነት ትንባኾ ቐታሊ እዩ” ከም መንሽሮን ሕማም ልብን ዝኣመሰለ ብሰንኪ ትንባኾ ዚመጽእ ሕማማት ናብ ሞት ኬብጽሕ ይኽእል እዩ። ዜትክኻ ኣዴታት ነቲ ኣብ ማህጸነን ዘሎ ናጽላ ኺጐድኣኦ ይኽእላ እየን። እንታይ ዓይነት ፍርያት ትንባኾ ኣሎ፧

ቢዲ፦ እዚ ኣብ ሃገራት እስያ ዚዝውተር ብኢድ እተጠቕለለ ዓይነት ሽጋራ እዩ። እዚ፡ ካብ ልሙድ ሽጋራ ዝያዳ ትክን ኒኮቲንን ካርቦን ሞኖኦክሳይድን ኣለዎ።

ሲጋር፦ እዚ ብቘጽሊ ትንባኾ ወይ ካብ ትንባኾ ብእተዳለወ ወረቐት እተጠቕለለ ዓይነት ሽጋራ እዩ። እቲ ኣብ ሲጋር ዚርከብ ኣልካላዊ ትንባኾ፡ ምስቲ ኣብ ሽጋራ ዚርከብ ኣሲዳዊ ትንባኾ ኺነጻጸር ከሎ፡ እቲ ሲጋር ገና ኸይተወለዐ ኸሎ፡ ኒኮቲን ብኣፍ ኣቢሉ ናብ ሰብነት ከም ዚሰርጽ ይገብር እዩ።

ክሪቴክ ወይ ናይ ቅንፍር ሽጋራ፦ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ 60 ሚእታዊት ትንባኾን 40 ሚእታዊት ቅንፍርን ዝሓዘ እዩ። እዚ፡ ካብ ልሙድ ሽጋራ ዝያዳ ትክን ኒኮቲንን ካርቦን ሞኖኦክሳይድን ኣለዎ።

ፒፓ ወይ ቃሊም፦ ፒፓ ምስሓብ፡ ሽጋራ ኻብ ምትካኽ ዝሓሸ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ክልቲኡ ጠንቂ መንሽሮን ካልእ ሕማማትን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ትኪ ኣልቦ ትንባኾ፦ እዚ ትንባኾ ምሕያኽን ብኣፍንጫ ምስሓብን ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዚዝውተር እተቐመመ ጉትካን የጠቓልል። ኒኮቲን ድማ ብኣፍ ኣቢሉ ናብ ሰራውር ደም ይሰርጽ። ትኪ ኣልቦ ትንባኾ ልክዕ ከም ትንባኾ ሓደገኛ እዩ።

መትከኺ ሺሻ፦ እዚ መሳርሒ እዚ፡ ትንባኾ ናብ ሰብነት ቅድሚ ምእታዉ ብማይ ከም ዚሓልፍ ይገብር። እዚ መስርሕ እዚ፡ ነቲ ናብ ሳንቡእ ኣትዩ መንሽሮ ኼምጽእ ዚኽእል መርዛም ነገራት ኣይንክዮን እዩ።

[ስእሊ]

ንዜትክኽ ሰብ ነቲ ልማድ ኪሓድጎ ምሕጋዙ

ኣወንታዊ ኹን። ምምስጋንን ምትብባዕን ካብ ምግሳጽን ጸቕጢ ምግባርን ዝሓሸ ውጽኢት ኣለዎ። “ሕጂ ኸኣ ደጊሱካ፧” ኻብ ምባል፡ “መሊስካ እንተ ፈቲንካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ” ምባል ዝሓሸ እዩ።

ይቕረ በሃሊ ኹን። ምትካኽ ኪሓድጎ ዚቃለስ ዘሎ ሰብ እንተ ተቘጢዑካ ዕሽሽ ክትብሎ ፈትን። “ከቢድ ከም ዝዀነ ይርድኣኒ እዩ፡ በቲ እትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ ግና ኣዝየ ሕጉስ እየ” ብምባል ብሕያውነት ተዛረቦ። “ከተትክኽ ከለኻ እባ ትሓይሽ ኔርካ” ኢልካ ፈጺምካ ኸይትዛረቦ።

ናይ ሓቂ ፈታዊ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 17:17) እምበኣር፡ ንሓደ ምትካኽ ደው ኬብል ዚቃለስ ዘሎ ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ወይ ስምዒቱ ኣብ ዚቀያየረሉ እዋን፡ “ኵሉ ግዜ” ተዓገሶን ኣፍቅሮን።