ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ካብ ከባቢ ዓለም

ወሽመጥ መክሲኮ

ድሕሪ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2010 ኣብ ሓደ ነዳዲ ዚወጸሉ ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ፡ ብዙሕ ነዳዲ ዘይቲ ናብ ባሕሪ ፈሲሱ እዩ። ሓደ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ድሕሪ ኽልተ ወርሕን ፈረቓን ገለ ኻብቲ በካሊ ከሚካላት በቶም ንመተይን ዜጥፍእዎ ባክተርያ ኸም እተዋሕጠ ደምደሙ። ገሊኦም ምሁራት ግና፡ በዚ ይጠራጠሩ እዮም። መብዛሕትኡ ኻብቲ ነዳዲ ዘይቲ፡ ናብ ባይታ ውቅያኖስ ከም ዝኣተወ እዮም ዚኣምኑ።

ሩሲያ

ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ካብ 18 ኽሳዕ 35 ኣብ ዘሎ ዕድመ ዚርከቡ 59 ሚእታዊት ዚዀኑ ሩስያውያን፡ “ኣብ ህይወት ኣሳልጦ ንምርካብ፡ ሓድሓደ ግዜ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታትካ ኽትጥሕሶ ኣሎካ” ኢሎም ከም ዚኣምኑ፡ ጋዜጣ ሮሲስካያ ጋዝያታ ሓቢራ።

ፐሩ

ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር፡ ተቐማጦ ሰሜናዊ ፐሩ ዕምባባን ሕሩጭን ዕፉን ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር፡ ነዊሕ እዋን ዝገበረ ሱማ ዕፉን (ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዚርአ ዘሎ) ተረኺቡ እዩ።

ኢጣልያ

ሉችዮ ሶራቪቶ ደ ፍራንቸስኪ ዝስሙ ካቶሊካዊ ኣቡን ኣድሪያ-ሮቪጎ፡ ንሰባት ሃይማኖታዊ መልእኽቲ ኸተብጽሓሎም ዚግባእ፡ ናብቲ ዚነብሩሉ ቦታ ኼድካ “ምስ ውልቀ ሰባት ብቐጥታ ብምርኻብ” ከም ዝዀነ እዩ ዚኣምን። “ኣቡናት ከም ምዃንና መጠን፡ ደወል ኣብያተ ክርስትያን ምድዋል ሓዲግና፡ ደወል ኣባይቲ ኽንድውል ኣሎና” ድማ በለ።

ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ሕክምናዊ መዓላ ዚውዕል ቀርኒ ሓርሽ፡ ዋጋኡ ኣመና ስለ ዝወሰኸ፡ ሓደ ኪሎ ግራም ቀርኒ ሓርሽ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብ65,000 ዶላር ኣመሪካ ይሽየጥ ኣሎ። ብ2011 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥራይ፡ 448 ሓርሽ ብዘይ ሕጋውያን ሃደንቲ ተቐቲሎም እዮም። ነቲ ኣቕርንቲ ዚደልዩ ዓዋሉ፡ ኣብ ኤውሮጳ ናብ ዚርከብ ኣብያተ መዘክርን ጨረታ ዚግበረሉ ቦታታትን ሰይሮም ኣትዮም እዮም። ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዘሎ መካነ እንስሳታት ዚርከቡ ሓርሽ እውን፡ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ዘለዉ።