ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

“እንታይ ኰን እየ ተጋግየ፧” እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ማይክል a ኣዝያ እያ እተጨንቖ። ንፉዕ ኣቦ ኪኸውን እኳ እንተ ጸዓረ፡ ብዛዕባ እቲ ወዲ 19 ዓመት ዝዀነ ዓለወኛ ወዱ ኺሓስብ ከሎ ግና፡ ዝሓሸ ወላዲ ኪኸውን ይኽእል እንተ ነይሩ የተሓሳስቦ እዩ።

ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ተሪ ዝስሙ ኣቦ፡ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ረኺቡ። ኣንድሪው ወዱ፡ “ኣቦይ ብቝልዕነተይ ኬንብበለይ ከሎን ምሳይ ኪጻወት ከሎን ክንዛወር ከለናን እዩ ትዝ ዚብለኒ። እቲ ዚምህረሉ መገዲ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕስ” በለ።

ሓቂ እዩ፡ ንፉዕ ኣቦ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ንፉዕ ኣቦ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ። ብዙሓት ኣቦታትን ስድራ ቤቶምን፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ምስዓብ ጠቓሚ ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም። ቀጺልና እስከ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንኣቦታት ኪሕግዞም ዚኽእል ግብራዊ ምኽርታት ንመርምር።

1. ምስ ስድራ ቤትካ ግዜ ኣሕልፍ

ከም ኣቦ መጠን፡ ንደቅኻ ኸም እትግደሰሎም ብኸመይ ኢኻ እተርእዮም፧ ሓቂ እዩ፡ ንደቅኻ ብዙሕ ነገራት ትገብረሎም ኢኻ፣ ዜድልዮም ነገራት ንኸተማልኣሎምን ኣብ ምሹእ ቤት ንኸተንብሮምን መስዋእትታት ትገብር ኢኻ። ንደቅኻ እንተ ዘይትግደሰሎም ኔርካ ኸምኡ ኣይምገበርካን። ኰይኑ ግና፡ ምስ ደቅኻ እኹል ግዜ ዘይተሕልፍ እንተ ዄንካ፡ ስራሕካ፡ ፈተውትኻ፡ ወይ ከኣ እቲ ንመሕለፍ ግዜ እትገብሮ ነገራት ካባታቶም ንላዕሊ ኸም ዜገድሰካ ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ኣቦ ኻብ መዓስ ጀሚሩ እዩ ምስ ደቁ ግዜ ኼሕልፍ ዘለዎ፧ ሓንቲ ኣደ ምስ ውሉዳ ርክብ እትጅምር፡ ገና ኣብ ማህጸን ከሎ እዩ። ካብ ግዜ ጥንሲ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ እቲ ዘይተወልደ ሕጻን ኪሰምዕ ይጅምር እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ ኣቦ እውን እንተ ዀነ፡ ምስቲ ዘይተወልደ ሕጻን ፍሉይ ርክብ ኪምስርት ይኽእል እዩ። ልቢ እቲ ሕጻን ክትሃርም ከላን ኪራጋሕ ከሎን ኪሰምዖ፡ ከምኡውን ኪዛረቦን ኪደርፈሉን ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኡት ንደቆም ናይ ምምሃር ሓላፍነት ነበሮም። ኣቦታት ኣዘውቲሮም ምስ ደቆም ግዜ ኼሕልፉ ይተባብዑ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ዘዳግም 6:6, 7 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ፣ እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ትብል።

2. ንፉዓት ኣቦታት ጽን በሃልቲ እዮም

ከይነቐፍካ ብህድኣት ስማዕ

ምስ ደቅኻ እሂን ምሂን ምእንቲ ኽትባሃሃል፡ ጽን በሃሊ ኽትከውን ኣሎካ። ከየንጸርጸርካ ብኸመይ ከም እትሰምዕ ክትፈልጥ ኣሎካ።

ደቅኻ ዝዀነ ይኹን ነገር ምስ ነገሩኻ ኸም እትሓርቕን ከም እትዅንኖምን እንተ መሲልዎም፡ ናይ ልቦም ኣውጺኦም ንኺዛረቡኻ ኣይኪድረኹን እዮም። ህድእ ኢልካ ትሰምዖም እንተ ዄንካ ግና፡ ካብ ልብኻ ኸም እትግደሰሎም ኢኻ እተርኢ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ኣብ ሓሳባቶምን ኣብ ልቦምን ዘሎ ኽቡር ነገራት ኪነግሩኻ እዮም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወት ይጠቅም እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን” ይብል እዩ። (ያእቆብ 1:19) ነዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ኣቦታት፡ ምስ ደቆም ብዝሓሸ መገዲ እሂን ምሂን ኪባሃሃሉ ኽኢሎም እዮም።

3. ፍቕራዊ ተግሳጽን ናእዳን ሃብ

ዋላ እውን እንተ ተበሳጨኻ ወይ እንተ ሓረቕካ፡ እቲ እትህቦ ተግሳጽ ውዒሉ ሓዲሩ ንውሉድካ ምእንቲ ኺጠቕሞ፡ ብፍቕሪ ኽትገብሮ ኣሎካ። እቲ እትህቦ ተግሳጽ፡ ምኽርን መአረምታን ትምህርትን፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ መቕጻዕቲ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብዘይካዚ፡ ሓደ ኣቦ ኣዘውቲሩ ንደቁ ዚንእዶም እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዚህቦ ተግሳጽ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ጥንታዊ ምስላ፡ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ይብል። (ምሳሌ 25:11) እወ፡ ናእዳ ንባህርይ ሓደ ቘልዓ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ቈልዑ ኣኽቢርካ ኸም ዚረኣዩ ኺፈልጡ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ባህርያት እዮም ዜማዕብሉ። ዚንእደሉ ኣጋጣሚታት ዜናዲ ኣቦ፡ ደቁ ርእሰ ምትእምማን ከም ዚህልዎምን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ከም ዚጽዕሩን እዩ ዚገብር።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።”ቈሎሴ 3:21

4. ንሰበይትኻ ኣፍቅራን ኣኽብራን

ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚሕዘሉ መገዲ፡ ንደቁ ይጸልዎም እዩ። ብዛዕባ ዕቤት ቈልዓ ዜጽንዕ ሓደ ጕጅለ፡ “ሓደ ኻብቲ ኣቦ ንደቁ ኺገብሮ ዚኽእል ዝበለጸ ነገር፡ ንኣዲኦም ምኽባር እዩ። . . . ንሓድሕዶም ዚከባበሩ፡ ንደቆም ድማ ከም ዚከባበሩ ዜርእይዎም ኣቦን ኣደን፡ ንደቆም የሐጕስዎምን ከም ዚፍቀሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ይገብሩን እዮም” በለ።—ዘ ኢምፖርታንስ ኦቭ ፋዘርስ ኢን ዘ ሄልዚ ደቨሎፕመንት ኦቭ ችልድረን። b

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣቱም ሰብኡት፡ . . . ኣንስትኹም ኣፍቅሩ፣ . . . ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ።”ኤፌሶን 5:25, 33

5. ንግብራዊ ጥበብ ኣምላኽ ተግብሮ

እቶም ንኣምላኽ ካብ ልቦም ዜፍቅርዎ ኣቦታት፡ ንደቆም ክቡር ውርሻ ኼውርስዎም ይኽእሉ እዮም፣ እወ፡ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ጥብቂ ርክብ ንኺህልዎም ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ኣንቶንዮ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሽዱሽተ ደቂ ምስ ኣዕበየ፡ ሓንቲ ጓሉ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ጸሓፈትሉ፦ “ፍቑር ኣቦይ፡ ንየሆዋን ንብጻየይን ንገዛእ ርእሰይን ከም ዜፍቅር ጌርካ ስለ ዘዕበኻኒ፡ ማለት ሚዛናዊት ሰብ ከም ዝኸውን ጌርካ ስለ ዘዕበኻኒ ኸመስግነካ እፈቱ። ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮን ንዓይ ከም እትሓልየለይን ኣርኢኻ ኢኻ። ንየሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ስለ ዝሃብካዮን ንደቅኻ ኸም ውህበት ኣምላኽ ጌርካ ስለ ዝረኣኻዮምን አመስግነካ።”

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን።”ዘዳግም 6:5, 6

ንፉዕ ኣቦ ንምዃን ካብቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሙሽተ ነጥብታት ንላዕሊ ኸም ዜድሊ ፍሉጥ እዩ፣ ዝጸዓርካ እንተ ጸዓርካ፡ ፍጹም ኣቦ ኽትከውን ከም ዘይትኽእል እውን ንጹር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት ብፍቕራውን ብሚዛናውን መገዲ ኽትትግብሮ ብዝጸዓርካ መጠን፡ ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። c

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ሓደ ኣቦ ምስ ኣደ ደቁ ዘይነብር እኳ እንተ ዀነ፡ እቶም ቈልዑ ምስ ኣዲኦም ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ብኣኽብሮት ኪሕዛ ኣለዎ።

c ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት ዚገልጽ ዝያዳ መምርሒ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ www.pr418.com እትርከብ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።