ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ዠንግ ሆ

ዠንግ ሆ

“ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ማያት፡ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ  a ተጓዒዝና፣ ክንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበላት ውቅያኖስ፡ ክሳብ ሰማይ በጺሑ ኺምለስ ከሎ ርኢና፣ ጋንጽላታትና ልክዕ ከም ደበና ብዘይምቍራጽ ለይትን ቀትርን ተገቲሩ፡ ከም (ቅልጡፍ) ኰዀብን ብማእከል ኣደባባይ ንኸይድ ከም ዘሎና ብዚመስል መገድን ነቲ ጨካን ማዕበላት እናሰንጠቕና፡ . . . ክሳብ እቲ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚርከብ ዞባታት እቶም ዘይስልጡናት ወጻእተኛታት በጺሕና።”—ንኽብሪ ዠንግ ሆ ተባሂሉ እተሰርሐ፡ ኣብ ቻንግሊ፡ ፉጂያን፡ ቻይና ዚርከብ ኣብ መበል 15 ዘመን ዝነበረ ቕርጺ።

ቻይና ዓበይቲ ነገራት ዘለዋ ሃገር እያ። ዝበዝሐ ብዝሒ ህዝብን ዝሰፍሐ መሬትን ድማ ኣለዋ። ተቐማጦኣ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ መንደቕ ሃኒጾም እዮም። ንሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ ክንዲ እተን ዮንሊን ሱኣንዲን ዝስሞም ሃጸያት ስርወ ንግስነት ሚንግ ዝነበራኦም ዓይነት ዓበይቲ መራኽብ ብሓንሳእ ዝኣከበ ኣይነበረን። መራሒ እተን መራኽብ ድማ፡ እቲ ኻብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና ዝመጸ፡ ዠንግ ሆ ዝስሙ ሰዓቢ እምነት ምስልምና እዩ ነይሩ።

ሓይልን ንግድን ግብርን

እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት እተወስዶ ቕርጺ፡ ብዛዕባ ተልእኾ ዠንግ ሆ ይገልጽ እዩ፣ “እቲ (ሃጸያዊ ግዝኣት) ዜርእዮ ሕያውነት፡ ነቶም ተገዛእቲ ስርወ ንግስነት ሚንግ ዚዀኑ ሰባት፡ ዝበለጸ ናብራ ኼምጽኣሎም ከም ዚኽእል ንምርኣይን ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ሰባት ብለውሃት ንምሓዝን” ምዃኑ ድማ እዩ ዚሕብር። ኣብቲ ቕርጺ ኸም እተገልጸ፡ ብምኽንያት እቲ እተገብረ ጕዕዞ፡ “ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታትን ኣብ መወዳእታ ምድርን ዚርከባ ሃገራት፡ ተገዛእቲ [ቻይና] ዀና፣ . . . እቶም ክንዮ ባሕርታት ዘለዉ ዘይስልጡናት ወጻእተኛታት እውን፡ . . . ክቡር ነገራትን ህያባትን ሒዞም ብምምጻእ፡ ኣብ [ሃጸያዊ ቤተ መንግስቲ] ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረቡ።”

‘ሃጸያት ስርወ ንግስነት ሚንግ፡ ነቲ ጕዕዞ ዝወደብዎ ስለምንታይ እዮም፧’ ዚብል ሕቶ፡ ዜከራኽር ጕዳይ እዩ። ገሊኦም ሰባት ንዠንግ ሆ ኸም ንሓደ ሓያል ግናኸ ሰላማዊ ህዝቢ ዚውክል ኣምባሳደር ባህልን ሕውነታዊ ርክብን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ገሊኦም ሰባት ከኣ፡ ተልእኾ ዠንግ ሆ፡ ንኻልኦት ሃገራት ብፖለቲካዊ መዳይ ብሓይሊ ንምቍጽጻር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ሓቂ እዩ፡ ዠንግ ሆ ነቶም ብፍሽሑው ገጽ ዚቕበልዎ መራሕቲ፡ ዜደንቕ ህያባት ይህቦምን ፖለቲካዊ ደገፍ ይገብረሎምን እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ከም ዘይግዝኡ ዚገልጹን ንሃጸይ ስርወ ንግስነት ሚንግ ግብሪ ዘይከፍሉን ግና፡ ብሓይሊ ብምምብርካኽ ይማርኾም ነይሩ እዩ። ብምኽንያት እቲ ዠንግ ሆ ዚገብሮ ዝነበረ ዜደንቕ ጕዕዞታት፡ ኣብ ከባቢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝነበሩ ብዙሓት መራሕቲ፡ ናብ ቻይና ኣምባሳደራት ብምልኣኽ፡ ንሃጸይ ቻይና ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም እዮም።

ዝዀነ ዀይኑ፡ እተን ብዠንግ ሆ ዚምርሓ ዝነበራ መራኽብ፡ ኣብ ርሑቕ ወደባት ንዚግበር ንግዲ ዚኸውን ብኽኢላታት ስርወ ንግስነት ሚንግ እተሰርሐ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብበርንቸ እተለኽየ ኽቡር ስራሓት ዕንጨይትን ካይላን ሃርን ጽዒነን ነበራ። ኪምለሳ ኸለዋ ድማ፡ ቻይናውያን ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ኽቡር ኣእማንን ስኒ ሓርማዝን ቀመማትን ትሮፒካዊ ኣዕጻውን ካልእ ንብረት ምሾትን ሒዘን ይመጻ ነበራ፣ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ ዘራፍ ሒዘን ናብ ቻይና ምስ ተመልሳ፡ እታ ዘራፍ ብዙሕ ኣዘራሪባ ነበረት። እዚ ናይ ንብረትን ሓሳባትን ልውውጥ፡ ዓለም ነቲ ኣብ መበል 15 ዘመን ዝነበረ ስልጣነ ቻይና ብእተወሰነ ደረጃ ንኽትርእዮ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዜደንቕ ጕዕዞታት ኣይቀጸለን። ካብቲ ዠንግ ሆ ዝገበሮ ጕዕዞታት ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ፡ ቻይና ንንግዲ ወጻእን ንዲፕሎማስን ዝባና ሃበቶ። ክንዮ ዶባት ቻይና ምኻድ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ዚኣምን ሓድሽ ሃጸይን ሰዓብቲ ኮንፊሸስ ዝዀኑ ኣማኸርቱን፡ ነታ ሃገር ካብ ጽልዋ ወጻኢ ሃገራት ኬግልልዋ ፈተኑ። እተን ክቡር ሃብቲ ሒዘን ዚመላለሳ ዝነበራ መራኽብ ከም ዚርስዓ ንምግባር፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ጕዕዞታት ዚገልጽ ጸብጻባት፡ እንተላይ ነተን መራኽብ ኣጥፍእወን። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቻይና ዚርከቡ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዠንግ ሆ በተን ዓበይቲ መራኽብ ገይሩ ብባሕሪ እተጓዕዘሉ ዜደንቕ መዋእል ዝፈለጡ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን እዮም።

a ቻይናውያን ዚጥቀሙሉ መዐቀኒ ዀይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ንውሓቱ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚግለጽ ነይሩ። ብግዜ ዠንግ ሆ ግና፡ ሓደ ብገምጋም ፍርቂ ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ።