ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧

ንዓወት ብምንታይ ኢኻ እትዕቅኖ፧

ንዓወት ብምንታይ ኢኻ እትዕቅኖ፧

ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ኣንብቦ እሞ፡ ርእስኻ ፈትሽ።

ናይ ሓቂ ዓወት ዝረኸበ መን ይመስለካ፧

  • ኣብርሃም

    ኣብርሃም ብዓል ንግዲ እዩ። ሓቀኛን ጻዕራምን ብዓል ጽቡቕ ጠባይን እዩ። ንግዱ ስለ ዝዓመረሉ ኸኣ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ብምሾት እዮም ዚነብሩ።

  • ክብሮም

    ክብሮም እውን ብዓል ንግዲ እዩ፣ ኣታዊኡ ድማ ካብ ናይ ኣብርሃም ንላዕሊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ንግዳዊ ውድድር ምእንቲ ኺዕወት፡ ሃሙን ቀልቡን ኣብ ስራሑ እዩ፣ እተፈላለየ ዓይነት ሕማም ድማ ኣለዎ።

  • ያኔት

    ያኔት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እያ እትምሃር፣ ብትግሃት ተጽንዕን ነቲ ትምህርታ ትፈትዎን እያ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ጽቡቕ ነጥቢ እዩ ዘለዋ።

  • ሄለን

    ሄለን ነጥባ ኻብ ናይ ያኔት ንላዕሊ እዩ፣ ካብቶም ብልጫ ዚወስዱ ተመሃሮ እውን እያ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ፈተና ትቐድሕ እያ፡ ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ድሌት እውን የብላን።

ክብሮምን ሄለንን ወይ ከኣ ኣርባዕቲኦም ዕዉታት ከም ዝዀኑ ጌርካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ንዓወት በቲ ሓደ ሰብ ዚረኽቦ ውጽኢት ጥራይ ትዕቅኖ፡ ነቲ ውጽኢት ንምርካብ ዚግበር ነገራት ድማ ኣየገድሰካን እዩ ማለት እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብርሃምን ያኔትን ጥራይ ዕዉታት ከም ዝዀኑ ጌርካ ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ንዓወት ብባህርያት እቲ ሰብን በቲ ንስራሕ ዘለዎ ኣረኣእያን ኢኻ እትዕቅኖ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ርአ።

  • ንያኔት ንሓዋሩ ዚጠቕማ እንታይ እዩ፧ ዝለዓለ ነጥቢ ምርካብ ድዩ ወይስ ንትምህርቲ ዘለዋ ፍቕሪ፧

  • ንደቂ ኣብርሃም ብዝያዳ ዚጠቕሞም እንታይ እዩ፧ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ነገራት ምርካቦም ድዩ ወይስ ኣቦኦም ምሳታቶም ግዜ ምሕላፉ፧

ቀንዲ ነጥቢ፦ ናይ ሓሶት ዓወት ኣብ ደጋዊ ነገራት እተመርኰሰ እዩ፣ ናይ ሓቂ ዓወት ግና ኣብ ግቡእ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እተመስረተ እዩ።