ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ስቲቨን ተይለር

ፕሮፌሰር ፋይናንሳዊ ሕሳብ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ፋይናንሳዊ ሕሳብ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ስቲቨን ተይለር ኣብቲ ኣብ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ተክኖሎጂ እዩ ዚምህርን ምርምር ዚገብርን። ብዛዕባ ዕዳጋታት ኣክስዮንን እቲ ዕዳጋታት ብኸመይ ግቡእ ቍጽጽር ኪግበረሉ ኸም ዘለዎን እዩ ዜጽንዕ። ንቕሑ!፡ እቲ ዚገብሮ ምርምር ንሃይማኖታዊ እምነቱ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ሓቲታቶ ኣላ።

ብዛዕባ ኣተዓባብያኻ እስከ ንገረና።

ኣዘውቲሮም ናብ ቤተ ክርስትያን ዚኸዱ፡ ሓቀኛታትን ጻዕራማትን ዝዀኑ ወለዲ እዮም ኣዕብዮምኒ። ጽቡቕ ገይረ ኽመሃር የተባብዑኒ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ፡ ብዛዕባ ንግዲ ኣጽኒዐ። ምርምር ምግባር ከም ዝፈቱ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ብዝያዳ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኸተኵር ወሲነ።

እንታይ ዓይነት ምርምር ኢኻ እትገብር፧

ዕዳጋታት ኣክስዮን ብኸመይ ከም ዚዓዪ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ። ዕዳጋታት ኣክስዮን፡ ሰባት ኣክስዮን ንኺዕድጉን ንኺሸጡን የኽእሎም፣ እተን ኣክስዮን ዚሸጣ ትካላት ድማ ነቲ ገንዘብ ተጠቒመን ትካለን የካይዳ። ኣነ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ንዋጋታት ኣክስዮን ዚጸሉ ረቛሒታት እየ ምርምር ዝገብር።

ሓደ ኣብነት ክትህበና ትኽእልዶ፧

እተን ኣክስዮን ዚሸጣ ትካላት፡ ብዛዕባ ኣታዊአን ወትሩ ጸብጻብ ኬቕርባ ኣለወን። እቶም ገንዘቦም ዜውፍሩ ሰባት ነቲ ጸብጻብ ብምርኣይ፡ ብዛዕባ ገንዘባዊ ዅነታት እተን ትካላት ኪፈልጡ ይኽእሉ። ብዛዕባ መኽሰብካ ጸብጻብ ንምቕራብ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ገሊኡ ሜላታት ግና፡ ሓደ መልክዕ ዝሓዘ ኣይኰነን። ሓያስያን ድማ፡ ትካላት ነዚ ቐዳድ እዚ ተጠቒመን፡ ናይ ሓቂ ዋጋአንን መኽሰበንን ከም ዚሓብኣ እዮም ዚገልጹ። እሞኸ እቶም ገንዘቦም ዜውፍሩ ሰባት፡ ልክዕን ምሉእን ሓበሬታ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ዕዳጋታት ኣክስዮን ብፍትሓዊ መገዲ ይንቀሳቐሳ ኸም ዘለዋ ንምርግጋጽ፡ ተቘጻጸርቲ እንታይ ሓበሬታ እዩ ዜድልዮም፧ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣነን መሳርሕተይን ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና እንጽዕር ዘለና።

ዝዓበኻሉ ሃይማኖት እንታይ እዩ፧

ኵሉ ግዜ ምስ ወለደይ ኰይነ ናብ ቤተ ክርስትያን ፕረስባይተርያን እኸይድ ነይረ፣ ደሓር ግና፡ መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ቀስ ብቐስ ካብ ሃይማኖት ክርሕቕ ጀሚረ። ኣብ ፈጣሪ እኣምን ነይረ እየ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ምስቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ብዚተሓሓዝ፡ ሃይማኖት ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ ኣሚነ። ንሃይማኖታት ከም ማሕበራዊ ክበብ ገይረ ጥራይ እየ ዝርእየን ነይረ። ኣብ ኤውሮጳ ኸለኹ፡ ናብ እተወሰና ዓበይቲ ሃይማኖታት ከይደ እየ፣ ዓለምና ብድኽነት እናተሳቐየት ክነሳ፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ሃብታማት ዝዀናሉ ምኽንያት ድማ ይገርመኒ ነይሩ። እዚ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደኒ ድማ፡ ብሃይማኖት ክጠራጠር ጀሚረ።

ሓሳብካ ኸም እትቕይር ዝገበረካ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ጀኒፈር ሰበይተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕን ኣብ ኣኼባታቶም ክትእከብን ምስ ጀመረት፡ ኣነ እውን ምስኣ ኸይደ ብዓይነይ ክርእዮም ሓሰብኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ ተገንዚበ። እዚ ኸኣ ኣሰንቢዱኒ እዩ። ስለዚ፡ ኣነ እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀሚረ።

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑሉ መገዲ ኣዝዩ ኣደኒቑኒ እዩ። ሕቶታት ይሓትቱ፡ መርትዖታት ይእክቡ፡ ምርምር ይገብሩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ርትዓዊ መደምደምታ ይበጽሑ፣ ኣነ እውን ኣብ ኣካዳምያዊ ምርምረይ ከምኡ እየ ዝገብር። ካብቲ ጀኒፈር እተጠምቀትሉ ሒደት ዓመታት ጸኒሐ ድማ፡ ብ1999 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ብዛዕባ ቝጠባ ዘሎካ ፍልጠት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ትውክልቲ ኣደልዲልዎዶ፧

እወ ኣደልዲልዎ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ነቲ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንኽኢላታት ቍጠባ ሕማም ርእሲ ዀይንዎም ዘሎ ቝጠባዊ ጸገማት ዚፈትሕ እዩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ እስራኤላውያን ካብ ምህርቶም ንድኻታት ዚኸውን ኬትርፉ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ ግብርን መድሕንን ዚመሳሰል እዩ፣ ነቶም እተሸገሩ ብዘይ ወለድ ኬለቅሑ እውን ተኣዚዞም ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ መሰል ልቓሕ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 50 ዓመት፡ ርስቲ ነቲ ቐንዲ ወናኒኡ ኺምለሰሉ ነበሮ፣ እዚ እውን እንተ ዀነ፡ መሰል ዋንነት ንብረት ዜውሕስ እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:9, 10፣ 25:10, 35-37፣ ዘዳግም 24:19-21) እዝን ካልእ ቍጠባዊ መሰናድዎታትን፡ ነቶም ህዝቢ ብሰለስተ መገዲ ይጠቕሞም ነበረ፦ (1) ኣብ ኣጸጋሚ ቝጠባዊ ዅነታት ይሕግዞም ነይሩ፣ (2) ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ድኽነት ይሰትሮም ነይሩ፣ ከምኡ እውን (3) ቍጠባዊ ማዕርነት ከም ዚህሉ ይገብር ነይሩ፣ እቲ ዜገርም፡ እዚ ዅሉ ዚግበር ዝነበረ፡ ቍጠባ ገና ኸም ስነ ፍልጠት ከይተቘጽረ ልዕሊ 3,000 ዓመት ይገብር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጠባዊ ውሕስነት ከም ዚህሉ ዚገብር ኣረኣእያን ባህርይን ንኺህልወና እውን የተባብዓና እዩ። ንኣብነት፡ ሰባት ቅኑዓትን ትውክልቲ ዚግበሮምን ርሕሩሓትን ለጋሳትን ኪዀኑ ይምህር እዩ። (ዘዳግም 15:7-11፣ 25:15፣ መዝሙር 15) እቲ ዜገርም፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ቕልውላው ገንዘብ፡ ገሊአን ኣብያተ ትምህርቲ ንግድን ውድባትን፡ ንሰብ ንግድን ንኽኢላታት ቍጠባን፡ ብስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንኺምርሑ ኼተባብዓ ጀሚረን እየን። ብናተይ ርእይቶ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት፡ ካብ ንግዳዊ ስርዓታት ኣዝዩ ይበልጽ።

እምነትካ ብውልቅኻ ዝጸለወካ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንዐይ፡ ከም ዝበለጸ “ወፍሪ” ገይረ እየ ዝርእዮ

ጀኒፈር፡ ብዝያዳ ሚዛናዊ ኸም ዝዀንኩ እያ እትነግረኒ። ቀደም ንሓደ ነገር ብፍጽምና ኽፍጽሞ እየ ዝጽዕር ነይረ፣ ተዓጻጻፊ ድማ ኣይነበርኩን። በዚ ምኽንያት እዚ ይመስለኒ ኣብ ስርዓታት ሒሳብ ንፉዕ ክኸውን ዝኸኣልኩ። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝምራሕ፡ እዚ ብዝያዳ ሚዛናዊ ንክኸውን ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ ኣነ ዀንኩ ስድራ ቤተይ ሕጉሳት ኢና። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ብምክፋል እውን ንሕጐስ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንዐይ፡ ከም ዝበለጸ “ወፍሪ” ገይረ እየ ዝርእዮ።