ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገዚፍ ኣዒንቲ—ደቂቕ ሰብነት

ገዚፍ ኣዒንቲ—ደቂቕ ሰብነት

ገሊኦም ሰባት ከም ጽብቕቲ ፍጥረት፡ ገሊኦም ከኣ ከም ፍልይቲ ዓይነት ፍጥረት ገይሮም ይርእይዋ ይዀኑ። ኣእጋራ ቐጢን፡ ጸጕራ ልስሉስ፡ ኣዒንታ ድማ ገዚፍን ዜንጸባርቕን እዩ። ቍመታ 12.5 ሰንቲ ሜተር እዩ፣ ክብደታ ኸኣ ዳርጋ 114 ግራም እዩ። እንታይ ዓይነት እንስሳ እያ፧ ታርሲየር ትብሃል።

ብዛዕባ እዛ እንስሳ እዚኣ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ታርሲየር እስከ ብዝያዳ ንመርምር። ኣዒንታን ኣእዛናን ኣእዳዋን ኣእጋራን ጭራኣን፡ ምስቲ ደቂቕ ሰብነታ ዚመጣጠን ኣይኰነን። ፍልይቲ ዓይነት እንስሳ እኳ እንተ ኰነት፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ንድፊ ዘለዎ ሰብነት እዩ ዘለዋ።

ኣእዛን፦ እቲ ልክዕ ከም ወረቐት ኣዝዩ ረቂቕ ዝዀነ ኣእዛን ታርሲየር፡ ኪጥቕለልን ኪዝርጋሕን ኣዝዩ ድኹም ድምጺ ኺሰምዕን ይኽእል እዩ። ታርሲየር ዘለዋ ናይ ምስማዕ ክእለት፡ ካብቶም ከም ምጹ ዝኣመሰሉ ዚሃድኑዋ እንስሳታት ንምህዳም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሳ ኽትሃድን ከላ እውን ይጠቕማ እዩ። ምስ ጸልመተ፡ ኣእዛና ንድምጺ ዕንጭራርን ፍልሖን ሕንዚዝን ኣዕዋፍን እንቍርዖብን ንምስማዕ ኵር እየን ዚብላ። ድሕሪኡ፡ ርእሳ ጠውያ፡ በቲ ገዚፍ ኣዒንታ ነቲ እትበልዖ እንስሳ እናደለየት ትኸይድ።

ኣእዳው፦ ኣእዳው ታርሲየር፡ ንቐጠንቲ ጨናፍር ክትጭብጥ ብዜኽእላ መገዲ እዩ ተነዲፉ። ኣብ ጫፍ ኣጻብዕታ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጐማ ዚርከብ ዓይነት ጥርዚ ዘለዎ ዀይኑ፡ ፍሉይ ዓይነት ጕዝጓዝ ኣለዎ። ኣብ እዋን ድቃስ እውን እንተ ዀነ፡ ታርሲየር ኣጥቢቓ ኽትጭብጥ ኣለዋ። ኣብቲ ትሕቲ እቲ ነዊሕ ጭራኣ እውን፡ ነቲ ኣብ ጫፍ ኣጻብዕታ ዚርከብ ጕዝጓዝ ዚመስል ጥርዚ ስለ ዘሎ፡ ክሳዕ እትበራበር ካብ ቦታኣ ንኸይትንቀሳቐስ ይሕግዛ እዩ።

ኣዒንቲ፦ ግዝፊ ዓይኑ ምስ ግዝፊ ሰብነቱ ኺወዳደር ከሎ ኣዝዩ ዓብዪ ዝዀነ መጥበዊ እንስሳ፡ ብጀካ ታርሲየር ካልእ የልቦን። አረ ነፍሲ ወከፍ ዓይኒ ታርሲየር ካብ ሓንጎላ ይገዝፍ እዩ። ኣዒንቲ ታርሲየር ኪጠዋወ ስለ ዘይክእል፡ ወትሩ ንቕድሚት ጥራይ እዩ ዚርኢ። እሞኸ ኸምኡ ምዃኑ ጐዲኡዋዶ፧ ኣይፋልን። ናብ ክልቲኡ ሸነኽ 180 ዲግሪ ኺጥወ ዚኽእል ክሳድ ስለ ዘለዋ፡ በዚ ተኻሒሳ እያ።

ኣእጋር፦ እቲ ነዋሕቲ ኣእጋር ታርሲየር፡ ክሳብ 6 ሜተር ንኽትነጥር ዜኽእላ ብርታዐ ይህባ እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ቍመታ ልዕሊ 40 ዕጽፊ ማለት እዩ። እዛ ደቃቕ እንስሳ እዚኣ ኽትሃድን ከላ፡ ኣብ ጸልማት ኣጻብዓ ዘርጊሓ ብምንጣር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እትሃድኖ እንስሳ ብልክዕ ዓሊባ ትሕዞ።

ታርሲየር ብሰባት እንተ ተታሒዛ፡ ብህይወት ብዙሕ ኣይትጸንሕን እያ፣ ከመይሲ፡ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ዘለዎም ሓሸራታት እያ እትበልዕ፣ ብሰባት ኪትተሓዝ ድማ ኣይትፈቱን እያ። ይኹን እምበር፡ እዛ ፍልይቲ ፍጥረት እዚኣ፡ ንተቐማጦ ፊሊፒንስ ኣዝያ እያ እተደንቖም። እዛ ባህ እተብል ብዓልቲ ገዚፍ ኣዒንቲ ዝዀነት እንስሳ ዘገዳም፡ ዳርጋ ዅልንትናኣ ኣዝዩ ዜገርም እዩ።