ገበር | ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧
ክትሓስበሉ ዚግባእ መልሲ
ብዙሓት ሰባት ነቲ መርትዖ ምስ መርመርዎ፡ ህይወት ካብ ኣዝዩ ዝለዓለ ምስትውዓል ዘለዎ ኣካል ከም ዝመጸ ደምዲሞም እዮም። ነቲ ፕሮፌሰር ፍልስፍና ዝዀነ ኣንቶኒ ፍሊው እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ኣብ ሓደ እዋን፡ ቀንዲ ተጣባቒ ኢዝሄርነት እዩ ነይሩ። ህይወትን ነቲ ግኡዝ ዩኒቨርስ ዚመርሖ ሕግታትን ኣዝዩ እተሓላለኸ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ግና፡ ኣረኣእያኡ ቐየረ። ነቲ ጥንታውያን ፈላስፋታት ዚብልዎ ዝነበሩ ኣበሃህላ ብምጥቃስ ድማ፡ “ናብቲ እቲ መርትዖ ዚመርሓና ኣንፈት ክንስዕብ ኣሎና” በለ። ፕሮፌሰር ፍሊው ነቲ መርትዖታት ምስ መርመሮ፡ ብህልውና ፈጣሪ ኣመነ።
ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ጀራርድ እውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ እዩ በጺሑ። ዝለዓለ ትምህርቲ እተማህረን ብዛዕባ ስነ ሓሸራ ዜጽንዕን እኳ እንተ ዀነ፡ “ህይወት ካብ ዘይህይወታውያን ነገራት ብሃንደበት ከም ዝመጸ ዜረጋግጽ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይረኸብኩን። ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ኣብ ህያዋን ነገራት ዚርአ ስርዓትን እተሓላለኸ ንድፍን፡ ንዅሉ ነገራት ዚውድቦን ዚነድፎን ኣካል ከም ዘሎ ኣእሚኑኒ እዩ” በለ።
ልክዕ ከምቲ ንሓደ ስእሊ ብምምርማር ብዛዕባ እቲ ዘዳለዎ ስነ ጥበባዊ ኽትፈልጥ ዚከኣል፡ ጀራርድ እውን ንተፈጥሮ ብምጽናዕ ብዛዕባ ባህርያት ፈጣሪ ኺግንዘብ ክኢሉ እዩ። ነቲ በቲ ፈጣሪ እተዳለወ መጽሓፍ፡ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ እውን መርሚርዎ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣብኡ ድማ፡ ነቲ ንሕሉፍ ታሪኽ ደቂ ሰብ ብዚምልከት ዚልዓል ሕቶታት፡ ዜዕግብ መልሲ ረኺቡሉ እዩ፣ ነቲ ሎሚ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ዚኸውን ግብራዊ መፍትሒ እውን ረኺቡ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣዝዩ መስተውዓሊ ኣካል ከም ዝመጸ ኺኣምን ከኣለ።
ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ጀራርድ ዝገበሮ፡ ንመልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንስኻ እውን ከምኡ ንኽትገብር ንዕድመካ።