ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ሓቀኛነት

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ሓቀኛነት

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ . . . እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን።”መዝሙር 15:1, 2

ዜምጽኦ ጥቕሚ፦ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንሓቀኛነትን ንንጽህናን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ብገለ መገዲ ቕጥፈት ንኺፍጽም ዜኽእሎን ካልእ ሰብ ብዛዕባ እቲ ቕጥፈት ዘይፈልጠሉን ኣጋጣሚ እንተ ረኺቡኸ፧ ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ልቢ፡ ማለት ኣብ ውሽጣዊ እንታይነት እተመርኰሰ እዩ ዚኸውን።

ራኬል ኣቕሑ ኣብ ምዕዳግ እያ እትሰርሕ፣ ከምዚ ድማ በለት፦ “ገሊኦም ነጋዶ ጉቦ ኺህቡኒ ይጽዕሩ ነበሩ። ካባታቶም እንተ ዓዲገ፡ ነቲ ዚንክዩለይ ዋጋ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሰርሓሉ ትካል፡ ንዓይ ከም ዚህቡኒ ይነግሩኒ ነበሩ። ኣነ ግና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቀኛነት ዚህቦ ምኽሪ ስለ ዝዘከርክዎ ኣበኹ። ኣስራሒተይ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት፡ ኣባይ ዘለዋ ምትእምማን ወሰኸ።”

ራኬል ነቲ ዝቐረበላ ጉቦ እንተ ትቕበል፡ ኣብ ሓጺር እዋን ምሃብተመት ነይራ። ኰይኑ ግና፡ ኣስራሒታ እንተ ትፈልጥ፡ ራኬል ኣብ ስራሓ ምቐጸለትዶ፧ ኣይፋልን፣ ነቲ ኣብ መጻኢ ስራሕ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚኣ እውን መበላሸወቶ ነይራ። ንራኬል ልዕሊ ዅሉ ዜገድሳ ዝነበረ ግና፡ ሕልናኣን ክብረታን እዩ ነይሩ። ምሳሌ 22:1፡ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ [“ክብሪ፡” NW] ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ” ይብል።

ጀሲ ሓቀኛ ሰራሕተኛ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ስም እዩ ዘለዎ

ጀሲ እውን እንተ ዀነ፡ ሓቀኛን ትውክልቲ ዚግበሮን ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣስራሒኡ ጽቡቕ ስም እዩ ዘለዎ። እሞኸ ኻብ ሓቀኛነቱ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙ፧ ኣካያዲ ስራሕ ኰይኑ ተሸመ፣ ኣብቲ ዚሰርሓሉ ሰዓታት ድማ፡ ዝያዳ ናጽነት ረኸበ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ምስ ሰበይቱን ምስ ደቁን ከምኡ እውን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዜሕልፎ ዝያዳ ግዜ ረኸበ።

ገሊኦም ኣስራሕቲ፡ ሰራሕተኛታት ኪደልዩ ኸለዉ፡ ብቕንዕናኦም ንዚፍለጡ ጕጅለታት ይሓትቱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ኣካያዲ ሓደ ትካል፡ ናብቲ ኣብታ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ከም ዚደሊ ገለጸ። “ጻዕራማትን ሓቀኛታትን ውፉያትን እዮም” ድማ በለ። ይኹን እምበር፡ በዚ ዅሉ ኺምስገን ዚግብኦ፡ እቲ ‘እከይ ክንጸልእን ሰናይ ከነፍቅርን’ ዚምህረና የሆዋ ኣምላኽ እዩ።—ኣሞጽ 5:15