ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ጥዕና ኣትኵሮ ኣብ ጥዕና

ጥዕና ኣትኵሮ ኣብ ጥዕና

ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዙሕ ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሕማም ንህይወት ሰባት ይቐዝፍ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ ንብዙሕ ጸገማት ጥዕና ኽንከላኸሎ ንኽእል ኢና።

ዓለም

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓመተ 2035፡ ቍጽሪ እቶም ብመንሽሮ ዚትሓዙ ሰባት 24 ሚልዮን ከም ዚበጽሕ ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ብመንሽሮ ዚተሓዙ ሰባት ብ70 ሚእታዊት ዚዛይድ እዩ፣ ሎሚ በብዓመቱ 14 ሚልዮን ሰባት ብመንሽሮ ኸም ዚተሓዙ እዩ ዚግመት። ዳርጋ ፍርቆም ድማ፡ ብሰንኪ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ምትካኽ ሽጋራን ኣካላዊ ምውስዋስ ዘይምግባርን ምውሳኽ ክብደትን እዮም ዚሓምሙ፣ ንጸርጊ እተቓላዕካ ምዃን እውን ጠንቂ መንሽሮ እዩ።

ብሪጣንያ

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ ቐደም ንስጋ ዕብድቲ ላም ብምብላዕ ከም ዚመሓላለፍ ጌርካ ዚሕሰብ ዝነበረ ንሰባት ዜጥቅዕ ሕማም፡ ከም ምምሕልላፍ ደም ብዝኣመሰለ ሕክምና እውን ኪመሓላለፍ ከም ዚኽእል ዚገልጽ መርትዖ ምስ ቀረበሉ፡ እቲ ጕዳይ ኪጻረ ኣዘዘ። ኣንድሪው ሚለር ዝስሙ ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ኸምዚ በለ፦ “እዚ መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም እዚ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ቐንዲ ጠንቂ ሕማም ህዝብና ኸም ዝዀነ ዜርኢ መርትዖ ምስ ቀረበ፡ ኣዚና ኢና ተጨኒቕና። [እቲ ሕማም፡] ብእተበከለ ደምን ንኻልኦት ብዚልገስ ኣካላትን [ኪመሓላለፍ ከም ዚኽእል] እዩ ተነጊሩና።”

ኖርወይ

ኣብ 63,000 ዚዀኑ ተቐማጦ ኖርወይ ን11 ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ጭንቀት ነቲ ብሕማም ልቢ ንኽትተሓዝ ዘሎ ኣጋጣሚ ብ40 ሚእታዊት ይውስኾ እዩ። ማሕበር መጽናዕቲ ልቢ ኤውሮጳ ንሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ እቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ከም ዝገለጾ፡ ጭንቀት ነቲ ምስ ውጥረት ዚተሓሓዝን ናብ ሕማም ልቢ ኼብጽሕ ዚኽእልን ሆርሞን ከም ዚምንጩ ይገብሮ እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ እውን ንሓደ ሰብ፡ ነቲ ጥዕናኡ ንኼመሓይሽ ዚውሃቦ ምኽሪ ኸም ዘይስዕቦ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ምትካኽ ሽጋራ ነቶም እቲ ሽጋራ ኺተክኽ ከሎ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘይነበሩ ሰባት እውን እንተ ዀነ ንጥዕናኦም ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ምርምር ይገብሩሉ ኣለዉ፣ ከመይሲ፡ ካብቲ ሽጋራ ዚወጽእ ኬሚካላት፡ ኣብ ኣየር ከምኡ እውን ኣብ ኣፓርታማታትን ኣብ ሆቴላትን ኣብ ማካይንን ኪተርፍ ይኽእል እዩ። እቲ በብእዋኑ ዚእከብ ኬሚካላት ድማ፡ ድሕሪ ግዜ ብዝያዳ መርዛም እናዀነ እዩ ዚኸይድ።