ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ዝሙት

ዝሙት

ኣብ ቃል ኪዳንካ እሙን ምዃን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚንኣድ ጕዳይ እኳ እንተ ዀነ፡ ዝሙት ግና ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንብዙሓት ስድራ ቤታት ይበታትነን ኣሎ።

ዝሙት እንታይ እዩ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብሰብኡት ዚግበር፡ ከም ጌጋ ጌርካ ኣይርአን እዩ። ገሊኦም ሰባት እሞ ኸኣ ንሓዳር ከም ነባሪ ጥምረት ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝሙት ኪብሃል ከሎ፡ ሰብ ሓዳር ምስ መጻምድቶም ዘይኰነ ሰብ ብፍታው ዚፍጽምዎ ጾታዊ ርክብ እዩ ዜመልክት። (እዮብ 24:15፣ ምሳሌ 30:20) ዝሙት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ፍንፉን እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ መቕጻዕቲ ዝሙት፡ ሞት እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 18:20, 22, 29) የሱስ እውን ንሰዓብቱ፡ ካብ ዝሙት ኪርሕቁ ኸም ዘለዎም ምሂርዎም እዩ።—ማቴዎስ 5:27, 28፣ ሉቃስ 18:18-20

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዝሙት ዚፍጽሙ ሰባት፡ ነቲ ኣብ እዋን መርዓኦም ምስ መጻምድቶም ዝኣተውዎ ቓል እዮም ዜፍርሱ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓጢኣት እዩ።’ (ዘፍጥረት 39:7-9) ንወለድን ንውሉዳትን ዚፈላሊ ዜጕሂ ስጕምቲ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ ንዘመውቲ ኺፈርዶም እዩ’ ኢሉ የጠንቅቕ።—እብራውያን 13:4

“መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀሲ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን።” እብራውያን 13:4

ሓዳር ብሰንኪ ዝሙት ኪፈርስ ይኽእል ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ብዓል ሓዳር ብምኽንያት እቲ መጻምድቱ ዝፈጸሞ ምንዝርና ንሓዳሩ ኼፍርሶ ኸም ዚኽእል ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 19:9) ስለዚ፡ ድሕሪ እቲ ጥልመት፡ እቲ ንጹህ መጻምድቲ፡ ምስቲ ዘይእሙን መጻምድቱ ንኺነብር ወይ ከኣ ንኺፈትሖ ኺውስን ይኽእል እዩ። እዚ ውልቃዊ ውሳነ እዩ።—ገላትያ 6:5

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሓዳር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ንዘንትዕለት ዚቕጽል ጥምረት እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:39) ሰባት ብመጻምድቶም ስለ ዘይተሓጐሱ ጥራይ ብዘይረብሕ ምኽንያት ኪፋትሑ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ነቲ ተግባሮም ይጸልኦ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ፍትሕ ዚተሓሓዝ ውሳነ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ ኣይግባእን እዩ።—ሚልክያስ 2:16፣ ማቴዎስ 19:3-6

“ኣነ ግና፡ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዅሉ፡ ንዝሙት የቃልዓ።”ማቴዎስ 5:32

ዝሙት ይቕረ ዘይብሃሎ ሓጢኣት ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣይፋልን። ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቶም ካብቲ ዝፈጸምዎ ዝሙት ዚንስሑን ዚምለሱን ሰባት ምሕረት ከም ዚገብረሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ ገላትያ 5:19-21) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቶም ነቲ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ዝሙት ሓዲጎም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ይሕብረና እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11

ኣምላኽ ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ምሕረት ገይሩሉ እዩ። ዳዊት ምስ ሰበይቲ ሓደ ኻብቶም ሓላቑ ወተሃደራቱ ዝሙት ፈጸመ። (2 ሳሙኤል 11:2-4) መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእዮ” ይብል። (2 ሳሙኤል 11:27) ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ተግሳጽ ምስ ተዋህቦ ተነስሐ፣ ኣምላኽ ከኣ ይቕረ በለሉ። ይኹን እምበር፡ ዳዊት ሳዕቤን ተግባሩ ኺዓጽድ ነበሮ። (2 ሳሙኤል 12:13, 14) እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ጸኒሑ፡ “ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን” በለ።—ምሳሌ 6:32

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ዝሙት እንተ ፈጺምካ፡ ንኣምላኽን ንመጻምድትኻን ይቕረታ ኽትሓትት ኣሎካ። (መዝሙር 51:1-5) ንስኻ እውን ልክዕ ከም ኣምላኽ፡ ንዝሙት ጽልኣዮ። (መዝሙር 97:10) ካብ ስእለ ጽዩፍ፡ ካብ ጾታዊ ሓሳባት፡ ካብ ምኵሻም፡ ኰታስ ምስ መጻምድትኻ ዘይኰነ ሰብ ጾታዊ ምስሕሓብ ኪፈጥር ካብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ርሓቕ።—ማቴዎስ 5:27, 28፣ ያእቆብ 1:14, 15

ግዳይ እቲ መጻምድትኻ ዝፈጸሞ ዝሙት እንተ ዄንካ፡ ኣምላኽ ንስምዒትካ ኸም ዚርድኣልካ ተኣማመን። (ሚልክያስ 2:13, 14) ፍቕራዊ ምጽንናዑን መምርሒኡን ምእንቲ ኺህበካ ለምኖ፣ ከመይሲ፡ “ንሱ ኺድግፈካ እዩ።” (መዝሙር 55:22) ንመጻምድትኻ ይቕረ ኢልካ ሓዳርካ ኽትቅጽል እንተ መሪጽካ፡ ንስኻን መጻምድትኻን ነቲ ርክብኩም እንደገና ንምህናጽ ኣበርቲዕኩም ክትዓይዩ ኣሎኩም።—ኤፌሶን 4:32

ነብዪ ናታን ነቲ ኻብቲ ዝፈጸሞ ዝሙት እተነስሐ ዳዊት፡ “እግዚኣብሄር . . . በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ” በሎ።2 ሳሙኤል 12:13