ካብ ከባቢ ዓለም
ኣትኵሮ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
እቲ ሓደ እዋን ብጥንታውነቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ስልጣነታት ሓቚፉ ዝነበረ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ስነ ጥንታዊ መዝገብ ዚርከቦ ቦታ እዩ።
ከነኣናውያን ጸሞቕቲ ወይኒ
ብ2013 ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣስታት 3,700 ዓመት ዝገበረ ዓብዪ መኽዘን ወይኒ ከነኣናውያን፡ ኣብ ከባቢ ዘመናዊት እስራኤል ረኸቡ። እዚ መኽዘን እዚ፡ ማዕረ 3,000 ዘመናዊ ጠራሙዝ ወይኒ ኺሕዝ ዚኽእል 40 ዓበይቲ ዓታሩ ነበሮ። ኣብቲ ዓታሩ ንእተረኽበ ተረፍ ወይኒ ዝመርመረ ተመራማሪ ስነ ጥንቲ፡ ከነኣናውያን ጥንቁቓት ጸሞቕቲ ወይኒ ኸም ዝነበሩ ኣስተብሃለ። እዚ ተመራማሪ እዚ፡ “እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕትሮ እተረኽበ ወይኒ ሕደ ዓይነት ኣሰራርሓ እዩ ነይርዎ” ብምባል ተዛረበ።
ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ እስራኤል “ጥዑም ወይኒ” ይዳሎን ኣብ ዓበይቲ ዓታሩ ወይ ኣሕርብቲ ይዕቈርን ከም ዝነበረ ይጠቅስ እዩ።—መሃልየ መሃልይ 7:10፣ ኤርምያስ 13:12።
ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ
ብመሰረት ጋዜጣ ዘ ጋርድያን፡ ኣብ ግብጺ ኻብቶም ብ2010 እተወልዱ ቘልዑ፡ እቶም ብ2012 እተወልዱ ብ560,000 ይዛይዱ። ኣባል ባሴራ ትካል ምርምር ግብጺ ዝዀነ ማገድ ዑስማን፡ “እዚ ኣብ መላእ ታሪኽ ግብጺ እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ። ከምቲ ኽኢላታት ዚገልጽዎ፡ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ በዚ እንተ ደኣ ቐጺሉ፡ እዛ ሃገር ሕጽረት ማይን ጸዓትን ምግብን ኬጋጥማ እዩ” በለ።
ትፈልጥዶ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ዅሎም ሰባት መሺእዎምን ዜድልዮም ነገራት ረኺቦምን ‘ንምድሪ ኺመልእዋ’ እዩ።—ዘፍጥረት 1:28፣ መዝሙር 72:16።
እተዓቚረ ሰልዲ
ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብዪ ጐደና፡ “ራብዓይ ዓመት” ዚብል ጽሕፈት እተቐርጾ ልዕሊ 100 ዚኸውን ብብሮንዞ እተሰርሐ ሰልዲ ተረኽበ። እዚ ዕለት እዚ፡ ነቲ ናብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝመርሐ፡ ራብዓይ ዓመት እቲ ኣይሁዳውያን ኣንጻር ሮማውያን ዝገበርዎ ዕልዋ (69-70 ድ.ክ.) እዩ ዜመልክት። ፓብሎ በትሳር ዚብሃል ዳይረክተር ስነ ጥንታዊ ፍሕረት፡ “ሓደ ሰብ፡ ነቶም እናገስገሱ ዚመጹ ዝነበሩ ሰራዊት ሮሜ ስለ ዝረኣየ፡ ካብቲ ዚመጽእ ዝነበረ ጥፍኣት ፈሪሑ፡ ንገንዘቡ ኣብ ካልእ እዋን መጺኡ ኺወስዶ ብምሕሳብ ከም ዝሓብኦ ዜጠራጥር ኣይኰነን” በለ።
ትፈልጥዶ፧ የሱስ ኣብ 33 ድ.ክ.፡ የሩሳሌም ብሮማውያን ከም እትኽበብ ተነብዩ ነበረ። ንክርስትያናት ከኣ ናብቲ ኺዕቈቡሉ ዚኽእሉ ኣኽራን ኪሃድሙ ተላበዎም።—ሉቃስ 21:20-24።