ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ሰባት ንኣምላኽ ኪሓትትዎ ዚደልዩ ሰለስተ ሕቶታት

ሰባት ንኣምላኽ ኪሓትትዎ ዚደልዩ ሰለስተ ሕቶታት

ሱዛን ጓል ሸውዓተ ዓመት ከላ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትሓትት ጀመረት። እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ዝነበረ ኣል ዚብሃል መተዓብይታ ብሕማም ፖልዮ ምስ ተጠቕዐ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣተወ፣ ሰብ ዝሰርሖ ንምስትንፋስ ዚሕግዝ መሳርሒ ኸኣ ብቐጻሊ ኺጥቀም ኣድለዮ። ኣብ ናይ 6 ጥሪ 2013 ሕታም ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ድማ ተመክሮኣ ጽሒፋ ኣላ።

ሱዛን ንኣል ኣብ ሆስፒታል ከይዳ ምስ ረኣየቶ፡ ንኣዲኣ “ኣምላኽ ነዚ ንእሽቶ ወዲ ኸምዚ ዝገበሮ ስለምንታይ እዩ፧” ብምባል ሓተተታ።

ኣዲኣ ድማ፡ “ንቐሺ እንተ ንሓቶ፡ ኣምላኽ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ከም ዘለዎ ምነገረና ነይሩ፡ ኣነ ግና እቲ ምኽንያት ኣይፈልጦን እየ” ብምባል መለሰትላ።

ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ብ1954፡ ጆናስ ሳልክ ዝመሃዞ ኽታበት ፖልዮ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ጀመረ፣ ኣደ ሱዛን ድማ ንጆናስ ኣብ ምርምሩ ኣምላኽ ሓጊዝዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሳባት ሃበት።

ሱዛን ከኣ “ኣል ከይሓመመ ኸሎ፡ ኣምላኽ ነዞም ሓካይም ኣቐዲሙ ኺሕግዞም ነይርዎ” በለታ።

ሱዛን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነታ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ብምጥቕላል ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “[ኣል] ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ሞተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብህላወ ኣምላኽ ኣይኣምንን እየ ነይረ፣ ንኣተሓሳስባይ ኪቕይር ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ኣይነበረን።”

ከም ሱዛን ዝኣመሰሉ ዜሕዝን ፍጻመታት ዘጋጠሞም ወይ ንኻልኦት ኬጋጥሞም ዝረኣዩ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ኺረኽቡሉ ኣይከኣሉን። ከም ውጽኢቱ፡ ገሊኦም ሰባት ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ይዀኑ፣ ካልኦት ከኣ ንህላወ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዘይክሕድዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተጠራጠርቲ እዮም ዚዀኑ።

እቶም ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባትን ተጠራጠርትን፡ ብመሰረቱ ሃይማኖት ኣይነበሮምን ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ሃይማኖት ዚርእይዎን ዜጋጥሞምን ነገራት እዩ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ከም ዜጥፍኡ ዚገብሮም። እተወደባ ሃይማኖታት ነቲ ንህይወት ዚምልከት ዓበይቲ ሕቶታት ኪምልሳ ዘይክእላ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። እዚ ሕቶታት እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ዜገርም፡ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሕቶታት እዚ እቶም ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎና ዚብሉ ሰባት እውን ዚሓትትዎ እዩ። ብዙሓት ሰባት ዕድል እንተ ዚውሃቦም ንኣምላኽ ኪሓትትዎ ዚደልዩ ሕቶታትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልስታትን እስከ ንርአ።

1 “ስለምንታይ ኢኻ መከራ ኺህሉ ፈቒድካ፧”

እዚ ሕቶ እተላዕለሉ ምኽንያት፦

ብዙሓት ሰባት፡ ‘ሓደ ፈቃር ኣምላኽ፡ ዜሕዝን ፍጻመታት ኬጋጥም ኣይፈቅድን እዩ’ ብምባል ይድምድሙ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ልምድታትን ስርዓታትን እቶም ካባና እተፈልየ ባህሊ ዘለዎም ሰባት ስግንጢር ኰይኑ ኺስምዓና አረ ኼሰንብደና ይኽእል እዩ። ብቐሊሉ ድማ ንተግባራቶም ብጌጋ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ባህልታት ንሓደ ሰብ ዓይኒ ዓይኑ ምጥማት ምልክት ቅንዕና ጌርካ ኺርአ ኸሎ፡ ኣብ ካልእ ባህሊ ግና ከምኡ ምግባር ከም ድርቅና እዩ ዚቝጸር። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት፡ ጌጋ ኸም ዘለዉ ንኽንዛረብ ዜኽእለና ምኽንያት የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዝያዳ ኽንፈልጦም ጥራይ እዩ ዜድልየና።

ኣብቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእከ ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥመና ይኽእል ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ዅሉ ዜጋጥም ዘሎ መከራ፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ዜረጋግጽ ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ። እቶም ነቲ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዚርድእዎ ሰባት ግና ኣምላኽ ከም ዘሎ ምንም ጥርጥር የብሎምን።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ሓሳባትን መገድታትን ኣምላኽ ካብ ናትና እተፈልየ እዩ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ተግባራት ኣምላኽን ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዱ ኺጽበ ዝመረጸሉ ምኽንያትን፡ ኣብ ፈለማ ኣይርድኣናን ይኸውን።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ኣምላኽ ብምስጢራዊ መገዲ እዩ ዚዓዪ” ዚብል ሓቅነት ዘይብሉ ኣበሃህላ ኽንቅበሎ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ኽንፈልጥ እዩ ዜተባብዓና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣምላኽ መዓስን ስለምንታይን ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ንርዳእ፣ * ክንቀርቦ እውን ንኽእል። —ያእቆብ 4:8

2 “ስለምንታይ እዩ ሃይማኖት ብግብዝና መሊኡ፧”

እዚ ሕቶ እተላዕለሉ ምኽንያት፦

ገሊኦም ሰባት “ኣምላኽ ቅንዕና ዚፈቱ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ነምልኽ ኢና ዚብሉ ሰባት ክንድዚ ዚኣክል ኣምሰሉነት ኣይምሃለወን ነይሩ” ይብሉ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብዛዕባ ሓደ ጽቡቕ ገይሩ ንዘዕበዮ ኣቦኡ ሓዲጉ፡ ብልሹው ናብራ ንኺመርሕ ካብ ቤቱ ዝወጸ ውሉድ እሞ ሕሰብ። እቲ ኣቦ ንውሳነ ውሉዱ እኳ እንተ ዘይተቐበሎ፡ ምርጫኡ ንኺገብር ግና ይሓድጎ እዩ። እሞ ደኣ፡ እቶም ነዚ ውሉድ ጸኒሖም ዚፈልጥዎ ሰባት፡ ሕማቕ ኣቦ ኸም ዘለዎ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣቦ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ኪድምድሙስ ቅኑዕ ድዩ፧ ቅኑዕ ኣይኰነን! ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ሃይማኖት ዚርአ ግብዝና፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ህይወቶም ብዝመረጽዎ መገዲ ንኺነብሩ ኸም ዝፈቐደሎም ዜርኢ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሃይማኖት ዚርአ ግብዝና ይጸልኦ እዩ። (ኤርምያስ 7:29-31፣ 32:35) ይኹን እምበር፡ ንሰባት ናይ ምምራጽ ናጽነት እውን ሂብዎም እዩ። ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተ ሃይማኖታዊ ትምህርትታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ኪስዕቡ እዮም ዚመርጹ።—ማቴዎስ 15:7-9

ብኣንጻሩ ግና፡ እታ ኣምላኽ ዚሰምራ ሃይማኖት ግብዝና ዘይብላ እያ። * የሱስ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ “ብዘይ ግብዝና” ኽትከውን ኣለዋ። (ሮሜ 12:9) መብዛሕትአን ሃይማኖታት ግና ምስዚ መለክዒ እዚ ተሰማሚዐን ኣይከዳን እየን። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ እተኻየደ ጃምላዊ ህልቂት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሃይማኖታውያን ሰባት ነቶም ከም ናቶም እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ደቂ ኻልእ ዓሌት ብምዃኖም ጥራይ ቀቲሎምዎም እዮም። ብኣንጻሩ ግና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ጃምላዊ ቕትለት ኣይተሳተፉን፣ ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኰነ ንኻልኦት ኣዕቊቦምዎም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ ዚፍጸም ተግባር፡ ሃይማኖት ካብ ግብዝና ናጻ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜረጋግጽ እዩ።

3 “ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧”

እዚ ሕቶ እተላዕለሉ ምኽንያት፦

ገሊኦም ሰባት ‘ደቂ ሰብ ን80 ወይ 90 ዓመት ጥራይ ብህይወት ዚነብሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዚሞቱ ስለምንታይ እዮም፧ ንኽንድዚ ዚኸውን ሓጺር እዋን ምንባር እንታይ እዩ ዕላማኡ፧’ ብምባል ይሓስቡ ይዀኑ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ብዙሓት ሰባት እውን እንተዀኑ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ሕልኽላኽን ስርዓትን ብሃውሪ ኸም ዘይመጸ ይእመኑ እዮም። እዛ እንነብረላ ፕላነትን ካልኦት ፕላነታትን ወርሕን ኣብ ምድሪ ህይወት ምእንቲ ኪቕጽል ብልክዕ ከም እተመዓራረያ የስተውዕሉ እዮም። እቲ ንዩኒቨርስ ዚቈጻጸር ተፈጥሮኣዊ ሕግታት፡ ብዚግባእ እተወሃሃደን እተዳለወን ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ፣ ኣብዚ ስርዓት እዚ ንእሽቶ ለውጢ እውን ይኹን ምስ ዚህሉ፡ ኣብ ምድሪ ምንባር ከም ዘይከኣል ይእመኑ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ብተዛማዲ ሓጺር ዝዀነ ዕምርና፡ ኣምላኽ ከም ዘየለ ዜርኢ መርትዖ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተፈጥሮ ግና ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜርኢ ብዙሕ መርትዖታት እዩ ዜቕርብ። (ሮሜ 1:20) ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ኪፈጥር ከሎ ዕላማ ነይርዎ እዩ፣ እተፈጠርናሉ ምኽንያት ከኣ ምስ ዕላማኡ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ እዩ። ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ፈጢርዎም፣ ንዕላማኡ ድማ ኣይሓደጎን።—መዝሙር 37:11, 29፣ ኢሳይያስ 55:11

ብተፈጥሮ ኣቢልና ንህላወ ኣምላኽን ንገለ ኻብቲ ባህርያቱን ከነስተውዕሎ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣምላኽ ንዕላማኡ በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ክንፈልጦ ኣይኰነን ሓሊኑ ነይሩ። ብዛዕባ ዕላማኡን እተፈጠርናሉ ምኽንያትን ንኽንፈልጥ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ኺነግረና ዘለዎ። በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀሊልን ቀጥታውን ዝዀነ ቓላት ገይሩ ኸኣ እዩ ዚነግረና። * ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብኡ ዚርከብ መልስታት ደጊምካ ኽትምርምሮ ይዕድሙኻ።

^ ሕ.ጽ. 17 ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

^ ሕ.ጽ. 23 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 15 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

^ ሕ.ጽ. 29 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።