ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል

ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል

ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል

 እቲ ቀዳም 2 ጥቅምቲ 1999 እተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ብዘሐጕስ ምልክታ ኢዩ ተዛዚሙ። እቶም ኣብኡ እተኻፈሉ ወይ ብተሌፎን ዝከታተሉ ዝነበሩ 10,594 ዝዀኑ ተኣከብቲ: ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣባላት ከም እተወሰኽዎ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ተሓጐሱ። እቶም ሓደስቲ ኣባላት ኵሎም ካብቶም ቅቡኣት ኰይኖም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም:- ሳሙኤል ኤፍ. ሀርድ: ኤም. ስቲቨን ለት: ጊ ኤች. ፒርስ: ከምኡውን ደቪድ ኤች. ስፕለይን።

• ሳሙኤል ሀርድ ብ1958 ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀሚሩ: ካብ 1965 ክሳዕ 1997 ከኣ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዛቢ ኰይኑ ኣገልገለ። ድሕርዚ ንሱን በዓልቲ ቤቱ ግሎርያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኰኑ: ሓው ሀርድ ኸኣ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ሓጋዚ ናይቶም ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኰይኑ እውን ኣገልጊሉ ኢዩ።

• ስቲቨን ለት ብታሕሳስ 1966 ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀሚሩ: ካብ 1967 ክሳዕ 1971 ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቤትኤል ኰይኑ ኣገልገለ። ብጥቅምቲ 1971 ንሱዛን ተመርዕዩ ፍሉይ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ጀመረ። ካብ 1979 ክሳዕ 1998 ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይኑ ኣገልገለ። ካብ ሚያዝያ 1998 ኣትሒዞም ንሱን በዓልቲ ቤቱ ሱዛንን ኣባላት ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ስድራ ቤትኤል ኰኑ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎትን ሓጋዚ ናይ ትምህርቲ ኮሚተን ኰይኑ ኣገልጊሉ።

• ጊ ፒርስ ኣቦ ስድራ ኢዩ ነይሩ: ድሕሪኡ ግን ብሚያዝያ 1982 ምስ በዓልቲ ቤቱ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀመረ። ካብ 1986 ክሳዕ እቲ ምስ በዓልቲ ቤቱ ፔኒ ብ1997 ኣባላት ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ስድራ ቤትኤል ዝዀኑ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይኑ ኣገልገለ። ሓው ፒርስ ሓጋዚ ናይ ፐርሰነል ኮሚተ ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል።

• ደቪድ ስፕለይን ብመስከረም 1963 ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀሚሩ። ኣብ መበል 42 ክፍሊ ጊልዓድ ምስ ተመረቐ ከም ሚስዮናዊ ኰይኑ ኣብ ሰኔጋል: ኣፍሪቃ: ኣገልገለ። ድሕሪኡ ኸኣ ን19 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ካናዳ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይኑ ኣገልገለ። ንሱን በዓልቲ ቤቱ ሊንዳን ካብ 1990 ኣትሒዞም ኣባላት ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ስድራ ቤትኤል ኰኑ። ሓው ስፕለይን ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎትን ጽሕፈትን የገልግል ኣሎ። ካብ 1998 ኣትሒዙ ኸኣ ሓጋዚ ናይ ጽሕፈት ኮሚተ ኢዩ።

ኣብ ርእሲ እዞም ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣባላት: ኣማሓዳሪ ኣካል ነዞም ዝስዕቡ ኣባላት ዝሓቘፈ ኢዩ:- ሲ. ዳብሊው. ባርበር: ጀይ. ኢ. ባር: ኤም. ጂ. ሄንሸል: ጂ. ሎሽ: ቲ. ጃራዝ: ከይ. ኤፍ. ክለይን: ኤ. ዲ. ሽሮደር: ኤል. ኤ. ስዊንግል: ከምኡውን ዲ. ሲድሊክ። እዚ ሕጂ ብቝጽሪ ወሲኹ ዘሎ ኣማሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመሓድር ከምኡውን ንመንፈሳዊ ረብሓታቶም ኢሉ ከገልግል ከሎ የሆዋ ብቐጻሊ ክባርኾን ከጽንዖን ጸሎት ኵላትና ኢዩ።