ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነት ንህይወትካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢያ

እምነት ንህይወትካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢያ

እምነት ንህይወትካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢያ

 ሓንቲ ኣግኖስቲክ “ኣብ ኣምላኽ ከይኣመንካ ጽቡቕ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ክህልወካ ከም ዝከኣል እተረጋገጸ ኢዩ” በለት። ንደቃ ብልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ከም ዘዕበየቶም: ንሳቶም እውን ብግዲኦም ንደቆም ብልዑል ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ከም ዘዕበይዎም ገለጸት፣ ኵሎም ግን ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣይነበሮምን።

እዝስ ኣብ ኣምላኽ እምነት ምግባር ኣድላዪ ኣይኰነን ማለት ድዩ፧ እዛ ሰበይቲ ከምኡ ከም ዝመስላ እተረጋገጸ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ኵሉ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ የግዲ እኩይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ: እንተዀነ ግን ‘ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ዝገብሩ ኣህዛብ’ ተዛሪቡ ኢዩ። (ሮሜ 2:⁠14) ንኣግኖስቲክ እውን ሓዊስካ ኵሉ ሰብ ምስ ሕልናኡ ኢዩ ተወሊዱ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ባህርያዊ ዝዀነ ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለት ኣብ ዝሃቦም ኣምላኽ ዘይኣምኑ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ሕልናኦም ዝብሎም ክስዕብዎ ግን ይፍትኑ ኢዮም።

ይኹን እምበር: ካብቲ ደገፍ ዘይረኸበ መሪሕነት ሕልና ንላዕሊ ኣብ ኣምላኽ ድልዱል እምነት ምህላው ኢዩ ሰናይ ንምግባር ዝያዳ ሓይሊ ዘለዎ፣ እዛ እምነት እዚኣ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ዓይነት ኢያ። ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: እተመስረተት እምነት ንሕልና ቅኑዕ ካብ ጌጋ ኣብ ምፍላይ በሊሕ ከም ዝኸውን ትገብሮ። (እብራውያን 5:⁠14) ኣብ ርእሲ እዚ: ሰባት ከቢድ ጸቕጢ ከጋጥሞም ከሎ: ነቲ ልዑል ዝዀነ ስርዓታት ሓልዮም ንኽነብሩ እምነት ሓይሊ ትህቦም። ንኣብነት: ኣብ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብልሽውና ዝመልአን ፖለቲካዊ መንግስታት ስልጣን ስለ ዝሓዛ: እሩማት ንዝዀኑ ሰባት ብግሁድ ግፍዒ ንኽፍጽሙ ኣገዲደንኦም ኢየን። እንተዀነ ግን: እቶም ኣብ ኣምላኽ ሓቀኛ እምነት ዝነበሮም ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እንተ ኣተወ እውን ካብቲ ዝሓዝዎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ምልምማጥ ኣበዩ። ብተወሳኺ ድማ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት ንሰባት ክትቅይሮም ትኽእል ኢያ። ነተን ዝጠፍኣ ዝመስላ ዝነበራ ህይወት ካብ መዓት ከተውጽአንን ሰባት ከቢድ ጌጋ ንኸይፍጽሙ ክትሕግዞምን ትኽእል ኢያ። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

እምነት ንናብራ ስድራቤትካ ክትቅይሮ ትኽእል ኢያ

ሓደ እንግሊዛዊ ዳኛ ንደቂ ጆንን ታንያን መን ከም ዘዕብዮም ክውስን ከሎ “ነቲ ዘይከኣል ነገር ብእምነትኩም ረኺብኩምዎ ኢኹም” በለ። ጆንን ታንያን መጀመርታ ኣብ ቅድሚ ሰበ⁠-​ስልጣን ክቐርቡ ከለዉ ገና ኣይተመርዓዉን ነበሩ: ናብርኦም ከኣ ኣዝዩ ሕማቕ ነበረ። ጆን ሓሽሽ ይጥቀም ስለ ዝነበረ ከምኡውን ወልፊ ምጥላዕ ስለ ዝነበሮ ነዚ ሕማቕ ኣመላቱ ዝዀኖ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ዓመጽ ይካፈል ነበረ። ንደቁን ነደ ደቁን ጠንጢንዎም ነበረ። እንታይ “ተኣምር” ድኣ ኢዩ እሞ ተፈጺሙ፧

ሓደ መዓልቲ ጆን እቲ ንእሽቶ ወዲ ሓዉ ብዛዕባ ገነት ክዛረብ ከሎ ሰምዖ። እዚ ንተገዳስነቱ ስለ ዘለዓዓሎ ንወለዲ ናይቲ ወዲ ሓተቶም። እቶም ወለዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም: ንጆን ከኣ ብዛዕባዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽማሃር ሓገዝዎ። ቀስ ብቐስ: ጆንን ታንያን ንህይወቶም ዝቐየረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት ኣማዕበሉ። መርዓኦም ሕጋዊ ገበርዎ: ካብቲ ዝነበሮም ሕማቕ ኣመላት ከኣ ሓራ ወጹ። እቶም ንቤት እንዳ ጆንን ታንያን ዝመርመሩ ሰበ⁠-​ስልጣን ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ክኸውን ዘይክእል ዝመስል ዝነበረ ነገር ተዓዘቡ: ማለት ቈልዑ ንምዕባይ ተቐባልነት ዘለዎ ጽፉፍ ቤትን ሕጕስቲ ስድራቤትን ረኸቡ። እቲ ዳኛ እዚ “ተኣምር” እዚ በቲ ጆንን ታንያን ዝረኸብዎ ሓድሽ እምነት እተፈጸመ ኢዩ ምባሉ ኣይተጋገየን።

ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ መዝገብ ናይቶም ኣዝዩ ዘሕዝን ዝዅነታቶም ሰባት ክትኣቱ ቍሩብ ተሪፍዋ ነበረ። ከምቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓዳሮም ብፍትሕ ዝብተን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክትከውን መዲባ ነበረት። ቈልዓ ኣለዋ: ሰብኣያ ግን ብዕድመ ኣጸቢቑ ይዓብያ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኣዝማዳ ንኽትፋታሕ የተባብዕዋ ነበሩ፣ ንሳ እውን ነዚ ምድላዋት ክትገብር ጀሚራ ነበረት። እንተዀነ ግን: ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ጽንዓት ክትገብር ጀሚራ ነይራ ኢያ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እቲ ኵነታት ምስ ፈለጠት: መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዳር ብዝምልከት እንታይ ከም ዝብል ገለጸትላ፣ ንኣብነት: ሓዳር ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ውህበት ምዃኑን ኣፍኲስካ ክርአ ከም ዘይብሉን ገለጸትላ። (ማቴዎስ 19:⁠4-6, 9) እታ ሰበይቲ: ‘እቶም ዝቐርቡኒ ከፋትሑኒ እናደለዩ ክነሶም እዛ ዘይፈልጣ ሰበይቲ ስድራ​ቤተይ ንኸይበታተን ምጽዓራ ፍልይ ዝበለ ነገር ኢዩ’ ኢላ ሓሰበት። እታ ዘጥረየታ ሓዳስ እምነት ሓዳራ ንኸይትብትን ሓገዘታ።

ምንጻል ጥንሲ ንህይወት ስድራቤት ዝትንክፍ ዘሕዝን ጸብጻብ ኢዩ። ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እንተወሓደ 45 ሚልዮን ምንጻል ጥንሲ ደይመደይ ኢልካ ይፍጸም። ነፍሲ ወከፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ዘሕዝን ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ፊሊፕንስ እትርከብ ሰበይቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ብምርካባ ምስዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸብጻብ ንኸይትድመር ሓጊዝዋ ኢዩ።

እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት: ድሕርዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧  a ዘርእስታ ብሮሹር ተቐበለት: መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ድማ ጀመረት። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እተሰማምዓትሉ ምኽንያት ገለጸት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጀመርታ ክበጽሑዋ ከለዉ ነፍሰ⁠-​ጾር ነበረት: ንሳን ሰብኣያን ግን ነቲ ጥንሲ ክሰድዎ ወሰኑ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ገጽ 24 ናይታ ብሮሹር ዘሎ ስእሊ ናይ ዕሸል ንልባ ተንከፎ። እቲ ብዛዕባ ‘ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣብ ኣምላኽ’ ስለ ዝዀነ ህይወት ቅዱስ ምዃኑ ዝሕብር ኣብኡ ዘሎ መግለጺ ነቲ ዕሸላ ንኸይትሰዶ ኣእመና። (መዝሙር 36:⁠9) ሕጂ ኣደ ናይ ሓደ ምጩውን ጥዑይን ቈልዓ ኢያ።

እምነት ነቶም እተናዕቑ ሰባት ሓጊዛቶም

ኣብ ኢትዮጵያ: ክልተ ጨርቀምቀም ዝበሉ ሰባት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ዝእከቡሉ ቦታ ኸዱ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብምቕሉል መገዲ ገዛእ ርእሱ ኣላለዮም። እቶም ሰባት ረድኤት ክህቦም ሓተትዎ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ግን ገንዘብ ዘይኰነስ ካብኡ ዝሓይሽ ነገር ሃቦም። ነታ ‘ካብ ወርቂ ኣዝያ እትኸብር’ ኣብ ኣምላኽ እትህልዎም እምነት ንኸዕብዩ ኣተባብዖም። (1 ጴጥሮስ 1:⁠7) ሓደ ካብኣቶም ነዚ ሓሳብ እዚ ተቐበሎ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። እዚ ንህይወቱ ለወጦ። እምነቱ እናዓበየ ምስ ከደ: ሽጋራ ምትካኽ: ብዙሕ መስተ ምስታይ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ምንባር: ከምኡውን ጫት ምሕያኽ ኣቋረጸ። ኣብ ክንዲ ዝልምን ገዛእ ርእሱ ብኸመይ ከናብር ከም ዘለዎ ተማህረ: ሕጂ ድማ ጽፉፍን ፍረ ዘለዎን ናብራ የሕልፍ ኣሎ።

ኣብ ኢጣልያ ሓደ ወዲ 47 ዓመት ሰብኣይ ንዓሰርተ ዓመት ክእሰር ተፈርደ እሞ ብቤት ፍርዲ ኣብ ዝመሓደር ናይ ስነ⁠-​ኣእምሮ ሆስፒታል ኣተወ። ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መንፈሳዊ ሓገዝ ክህብ እተፈቕደሉ ናይ የሆዋ ምስክር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ገበረሉ። እቲ ሰብኣይ ቅልጡፍ ለውጢ ገበረ። እምነት ንህይወቱ ኣጸቢቓ ስለ ዝቐየረቶ: ሕጂ ካልኦት እሱራት እውን ከይተረፉ ጸገማቶም ብኸመይ ክፈትሑ ከም ዘለዎም ምኽሪ ንምርካብ ናብኡ ይመጹ ኣለዉ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነቱ ኣብ ቅድሚ እቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ኣኽብሮት: ልዑል ግምት: ከምኡውን ምትእምማን ከም ዝረክብ ገበረቶ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጋዜጣታት ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ እተገብረ ውግእ ሓድሓደ ጸብጻብ ሂበን ኢየን። ብፍላይ: ንኣሽቱ ኣወዳት ወተሃደራት ክዀኑ ከም እተዓለሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ዘሰምብድ ኢዩ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ሓሽሽ ከም ዝወስዱን ጨካናት ከም ዝዀኑን ተገይሮም ኢዮም: ከምኡውን ነቲ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ጕጅለ ጥራይ እሙናት ምእንቲ ክዀኑ ኣብ ኣዝማዶም ዘይሰብኣዊ ተግባራት ንኽፍጽሙ ተገዲዶም ኢዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት: ንህይወት ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቘልዑ ንኽትቅይር ሓይሊ ይህልዋዶ ይኸውን፧ እንተወሓደ ኣብ ክልተ ጕዳያት ክትቅይር ክኢላ ኢያ።

ኣብ ላይበርያ ኣሌክስ ኣብ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣገልጋሊ ኰይኑ ይዓዪ ነበረ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ግን ምስ ሓደ ተቓዋሚ ጕጅለ ተጸምበረ እሞ ቈልዓ ኸሎ ጨካን ወተሃደር ኰነ። ኣብ ውግእ ተባዕ ምእንቲ ክኸውን ናብ ጥንቈላ ተጸግዐ። ኣሌክስ ብዙሓት ብጾቱ ክቕተሉ ኸለዉ ርእዩ ኢዩ: ንሱ ግን ደሓነ። ብ1997 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ: ከም ዘይንዕቕዎ እውን ፈለጠ። ኣብ ክንድኡስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመጽ እንታይ ከም ዝብል ንኽማሃር ሓገዝዎ። ኣሌክስ ካብቲ ሰራዊት ወጸ። እምነቱ እናዓበየት ምስ ከደት ነቲ ከምዚ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ሰዓበ:- “ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር: ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።”​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠11

እዚ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ: ሓደ ቘልዓ ኸሎ ወተሃደር ዝነበረ ሳምሶን ዝስሙ መንእሰይ ናብታ ኣሌክስ ዝነብረላ ከተማ ከደ። ቀደም መዘምራን ኢዩ ነይሩ: ብ1993 ግን ወተሃደር ኰነ እሞ ሓሽሽ ክጥቀም: ሓተታ መናፍስቲ ከዘውትር: ከምኡውን ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ነገራት ክፍጽም ጀመረ። ብ1997 ካብ ዕስክርና ተሰናበተ። ሳምሶን ምስ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ንኽጽንበር ኢሉ ናብ ሞንሮቭያ ክኸይድ ከሎ ኢዩ ሓደ ዓርኩ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ሕራይ ዘበሎ፣ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት ኣማዕበለ። እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ውግእ እተተሓሓዘ መገዱ ንኽጥንጥን ትብዓት ሃቦ። ሕጂ ኣሌክስ ኰነ ሳምሶን ሰላማውን ስነ⁠-​ምግባራውን ናብራ የሕልፉ ኣለዉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት እንተ ዘይኰይና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጭከና ዝመልኦ ህይወት ክቕይር ዝኽእል ካልእ እንታይ ኣሎ፧

እታ ቅንዕቲ ዓይነት እምነት

እዚ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ናይ ሓቂ እምነት ዘለዋ ጽልዋ ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ሒደት ጥራይ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ዅሉ እቲ ኣብ ኣምላኽ እኣምን ኢየ ዝብል ሰብ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ናይ ስነ⁠-​ምግባር ስርዓታት ተሰማሚዑ ይነብር ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ገለ ኢዘሀራውያን ካብ ገለ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ንላዕሊ ዝሓይሽ እሩም ናብራ ከም ዘሕልፉ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ዝኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት: ኣብ ኣምላኽ እኣምን ኢየ ካብ ምባል ንላዕሊ ስለ እተጠቓልል ኢዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ እምነት “ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ኢልዋ ኣሎ። (እብራውያን 11:⁠1) ስለዚ: እምነት ክበሃል ከሎ ኣብ ዘይርአ ነገራት ጽኑዕ ኣቕዋም ምህላው ማለት ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ክንጸግ ኣብ ዘይከኣል መርትዖ እተመስረተ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት: ኣምላኽ ከም ዘሎ: ንዓና ከም ዝሓልየልና: ከምኡውን ነቶም ፍቓዱ ዝገብሩ ከም ዝባርኾም ዘይምጥርጣር እተጠቓልል ኢያ። ብተወሳኺውን: እዚ ሃዋርያ እዚ “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” በለ።​—⁠እብራውያን 11:⁠6

ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ኢያ ንጆንን ንታንያን ንኻልኦት ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሱ ሰባትን ህይወቶም ከም ዝቕይሩ ዝገበረቶም። እዚ ድማ ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: መምርሒ ንኽህቦም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝውከልዎ ገይርዎም ኢዩ። ምቹእ ግን ከኣ ግጉይ መገዲ ንኸይስዕቡ ኢሎም ግዝያዊ መስዋእትታት ንኽገብሩ ሓጊዝዎም ኢዩ። ዅሉ እዚ ተመክሮታት እዚ እተፈላለየ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ተመክሮ ግን ብሓደ ዓይነት መገዲ ኢዩ ጀሚሩ። እዚ ድማ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሎም ምጅማሩ: ንሳቶም እውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ዝብሎ ሓቂ ምዃኑ ኣብ ህይወቶም ክርእይዎ ምጅማሮም ኢዩ። (እብራውያን 4:⁠12) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓይሊ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ህይወቱ ናብ ዝሓሸ ዝቕይረሉ ድልዱል እምነት ንኽሃንጽ ሓጊዝዎ ኢዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራትን ደሴታት ባሕርን ንጡፋት ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ይዕድሙኻ ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት ኣብ ህይወትካ እውን ዓቢ ምምሕያሽ ከተምጽእ ከም እትኽእል ይፈልጡ ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት እምነት ህይወት ሰባት ከም ዝመሓየሽ ትገብር ኢያ

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Title card of Biblia nieświeska by Szymon Budny, 1572