መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ እተዘርግሓላ ፍልይቲ ዓመት
መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ እተዘርግሓላ ፍልይቲ ዓመት
ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሎሚ ዝበዝሑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም። እቲ ብ1998 እተገብረ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ቅዱስ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ክብ ምስ በለ: ብሕቡራት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዝገልጽ ጸብጻብ ቀረበ። ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ 585,000,000 ዝኸውን ብምሉኡ ወይ ገለ ኽፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርጊሑ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ “እዚ ዘተባብዕ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ዝያዳ ሰባት በጺሑ ኣሎ” ብምባል ይገልጽ።
ርግጽ ኢዩ ኣብ መንጎ መጽሓፍ ቅዱስ ምህላውን ምንባቡን ፍልልይ ኣሎ። ንኣብነት ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይ ኣመሪካውያን እንተወሓደ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም: ክንድኦም ዝዀኑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ይኹን እምበር: ምኽሪ ንምርካብ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጽግዑ እተዛረቡ 59 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ጥራይ ኢዮም። ገለ 29 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ድማ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሕ ሌላ” ከም ዘይብሎም ወይ “ፈጺሞም” ከም ዘይፋለጡ ተኣሚኖም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ይሓትሙን ይዝርግሑን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ምስ ዝነብሩ ሰባት ብናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኢዮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ሰባት: በዚ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር መደብ ተጠቒሞም ኢዮም። ነቲ ሕጂ ዘጋጥሞም ጸገማት ንኽዋጽኡሉ ይሕገዙ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከብ ብሩህ መጻኢ እንታይ ከም ዝብል ይምሃሩ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 48:17, 18፣ ማቴዎስ 6:9, 10
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ (ካብ ላዕለዋይ ጸጋም ጀሚርካ ንየማን ትዘውር) ኣብ ቦሊቭያ: ጋና: ስሪላንካ: ከምኡውን ዓዲ እንግሊዝ