ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቤት የሆዋ ‘ብኽቡር ነገር’ ይመልእ ኣሎ

ቤት የሆዋ ‘ብኽቡር ነገር’ ይመልእ ኣሎ

ቤት የሆዋ ‘ብኽቡር ነገር’ ይመልእ ኣሎ

“[ኣነ የሆዋ] ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ።”—ሃጌ 2:7

1. ዘየላቡ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ መጀመርታ ብዛዕባ ፍቑራትና ጥራይ እንሓስብ ስለምንታይ ኢና፧

 ቤትካ ብኸመይ ዝበለ ክቡር ነገራት ኢዩ መሊኡ ዘሎ፧ ናይ ምቾት ኣቕሑ: ዘመናዊት ኮምፕዩተር ኣሎካዶ፧ ኣብ ቤትካ ኣብ ዝርከብ ጋራጅከ ሓዳስ ማኪና ኣላዶ፧ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ እኳ እንተሎካ ኣብ ቤትካ ኣዝዮም ክቡራት ኰይኖም ዝስምዑኻ ግን ኣባላት ስድራቤትካ ድዮም፧ ሓደ ለይቲ ቤትካ እናተባርዐ ኸሎ ትኪ ጨንዩካ ከም እተበራበርካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ንኸተምልጥ ከኣ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢዩ ዘሎካ! መጀመርታ ዘሻቕለካ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ኣቕሑኻ፧ ኮምፕዩተርካ፧ ወይስ ማኪናኻ፧ ኣብ ክንዲ እዚ ነገራት እዝስ እቶም ፍቑራትካዶ ኣይኰኑን ዘተሓሳስቡኻ፧ ብርግጽ ብዛዕብኦም ኢኻ እትሓስብ ከመይሲ ሰባት ካብ ነገራት ንላዕሊ ክቡራት ኢዮም።

2. ፍጥረት የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሰፊሕ: የሱስ ኣዝዩ ዝፈትዎ ዝነበረኸ ነየናይ መዳይ ናይቲ ፍጥረት ኢዩ፧

2 ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ሕሰብ። የሆዋ ‘ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዅሉን ዝገበረ’ ኣምላኽ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:24) እቲ “ሰራሕተኛ” ዝዀነ ወዱ እውን የሆዋ ንዅሉ ካልእ ነገራት ብእኡ ገይሩ ንምስራሕ እተጠቕመሉ ኣካል ኢዩ ነይሩ። (ምሳሌ 8:30, 31፣ ዮሃንስ 1:3፣ ቈሎሴ 1:15-17) ብርግጽ ከኣ ክልቲኦም የሆዋን የሱስን ንዅሉ እተፈጥረ ነገራት ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (ምስ ዘፍጥረት 1:31 ኣረኣእዮ።) ኣኽቢሮም ዝርእይዎ ግን ነየናይ መዳይ ናይ ፍጥረት ይመስለካ፧ ንነገራትዶ ወይስ ንሰባት፧ የሱስ እንታይ ግደ ከም ዝነበሮ ብተምሳል ጥበብ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።” ወይ ከኣ ከምቲ ናይ ዊልያም ኤፍ. ቤክ ትርጕም ኢልዎ ዘሎ የሱስ “ብደቅሰብ ሕጉስ” ነበረ።

3. የሆዋ ብሃጌ ገይሩ እንታይ ትንቢት ኢዩ ዝነገረ፧

3 የሆዋ ንደቅሰብ ብዘይጥርጥር ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮም። ነዚ ከረጋግጸልና ዝኽእል ሓደ ኣብነት ድማ ኣብቲ ብ520 ቅ.ኣ.ዘ. ብነብይኡ ሃጌ ገይሩ እተዛረቦ ትንቢታዊ ቃላት ክርከብ ይከኣል ኢዩ። የሆዋ ከምዚ ብምባል ይእውጅ:- “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ። . . . ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ።”—ሃጌ 2:7, 9

4, 5. (ሀ) እቲ “ክቡር ነገር” ዝብል መግለጺ ንንዋታዊ ዕቤት ኢዩ ዘመልክት ምባል ምኽንያታዊ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) “ክቡር ነገር” ብኸመይ ምገለጽካዮ: ስለምንታይከ፧

4 ቤት የሆዋ ብኸመይ ዝበለ “ክቡር ነገራት” ብምምላእ ኢዩ ሓለፍ ዝበለ ክብሪ ክረክብ ዝነበሮ፧ ብብዙሕ ኣቕሑን ስልማትን ድዩ፧ ብወርቅን ብሩርን ክቡር ነገራትን ድዩ፧ እዚ ዘይመስል ኢዩ። እታ ሓሙሽተ ክፍለ-ዘበናት ይገብር እተመረቐት ቀዳመይቲ ቤት መቕደስ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ንጥረ-ነገራት ዝፈሰሰላ ህንጻ ኢያ ነይራ! a የሆዋ እታ ብተዛማዲ ሒደት ጕጅለ ኰይኖም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ ዝሃነጽዋ ቤት መቕደስ ነታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ቤት መቕደስ ብዕቤት ንዋታዊ ነገራት ጸብለል ክትብላ ትጽቢት ኣይነበሮን!

5 እቲ ንቤት የሆዋ ዝመልኦ “ክቡር ነገር” ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ሰባት ክዀኑ ከም ዘለዎም ንጹር ኢዩ። ከመይሲ ንልቢ የሆዋ ዘሐጕሶ ብሩርን ወርቅን ዘይኰነስ እቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም ዘገልግልዎ ሰባት ኢዮም። (ምሳሌ 27:11፣ 1 ቈረንቶስ 10:26) እወ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ብቕቡል መገዲ ዘምልኽዎ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮም። (ዮሃንስ 4:23, 24) እዚኣቶም “ክቡር ነገር” ኢዮም: የሆዋ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ንቤት መቕደስ ሰሎሞን ሰሊምዎ ዝነበረ ነገራት ዝያዳ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮም።

6. ጥንታዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንምንታይ ዕላማ ኢያ እተገልግል ነይራ፧

6 ዘየቋርጽ ምጽራር እኳ እንተነበረ እታ ቤት መቕደስ ብ515 ቅ.ኣ.ዘ. ተፈጸመት። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ክሳዕ እቲ መስዋእታዊ ሞት የሱስ ነቶም “ክቡር ነገር” ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ሕምብርቲ ኣምልኾኦም ኢያ ነይራ። ሽዑ እቲ “ክቡር ነገር” ንኣይሁድን ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ጵሮሴሊትን ዝሓቘፈ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ቀጺልና እንርእዮ ግን እታ ቤት መቕደስ ንዝዓበየ ነገር ኢያ እተመልክት ነይራ።

ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ፍጻሜ

7. (ሀ) እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጥንታዊት ቤት መቕደስ ናይ ምንታይ ጽላሎት ኢያ ነይራ፧ (ለ) እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ይፍጽሞ ንዝነበረ ዕዮ ግለጾ።

7 እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ንሓደ ዓቢ ናይ ኣምልኾ ምድላው ጽላሎት ኢያ ነይራ። እዚ ናይ ኣምልኾ ምድላው ከኣ እቲ የሆዋ ንየሱስ ሊቀ ካህናት ብምግባር ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ዝሰረታ ምሳልያዊት መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢዩ። (እብራውያን 5:4-10፣ 9:11, 12) ኣብ መንጎ እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ዝፍጽሞ ዝነበረ ዕዮታትን ተግባራት የሱስን ዘሎ ምምስሳል ኣስተብህለሉ። እቲ ሊቀ ኻህናት ዓመት ዓመት ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ናብቲ ኣብ ኣጸድ ቤት መቕደስ ዝርከብ መሰውኢ ይቐርብ እሞ ንሓጢኣት እቶም ካህናት ንምትዕራቕ ዝራብዕ ይስውእ ነበረ። ድሕርዚ ደም ናይቲ ዝራብዕ ሒዙ ኣብቲ ቤት መቕደስ ይኣቱ እሞ በቲ ነቲ ኣጸድን ነታ ቕድስቲ ኽፍልን ዝፈሊ ኣፍ ደገ ድሕሪኡ ኸኣ በታ ነታ ቕድስቲ ኽፍሊ ምስታ ቅድስተ ቅዱሳን ዝፈሊ መጋረጃ ይሓልፍ። ሓንሳእ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ምስ ኣተወ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ደም ይነጽግ። ድሕሪኡ ኸኣ ነዚ ስርዓት እዚ ብምስዓብ ነቶም ካብ ካህናት ዘይኰኑ 12 ነገዳት እስራኤል ንምትዕራቕ ድቤላ ይስውእ። (ዘሌዋውያን 16:5-15) እዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ኢዩ ምስታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝተሓሓዝ፧

8. (ሀ) የሱስ ካብ 29 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ንመስዋእቲ ዝቐረበ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ የሱስ ምስ የሆዋ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ርክብ ኢዩ ዝነበሮ፧

8 ብሓቂ: የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተጠምቀን ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ምስ ተቐብአን ኣብቲ ናይ ፍቓድ ኣምላኽ መሰውኢ ከም መስዋእቲ ቐረበ። (ሉቃስ 3:21, 22) እዚ ፍጻመ እዚ ኸኣ ነቲ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝጸንሐ መስዋእታዊ ህይወት የሱስ መጀመርታ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:5-10) ኣብቲ እዋን እቲ የሱስ መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ ኰነ። እዚ ኸምዚ ዝበለ የሱስ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ ካልኦት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ክርድእዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ መጋረዲ ነታ ቅድስቲ ክፍሊ ካብ ኣዒንቲ ናይቶም ኣብ ኣጸድ እቲ ማሕደር ዝነበሩ ዝጋርዶ ዝነበረ: ናይ ምርዳእ ኣዒንቶም ተጋሪዱ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕሰብ።—ዘጸኣት 40:28

9. የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ንሰማይ ክኣቱ ዘይክእል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ: እዚ ኵነታት እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክፍታሕ ዝኸኣለ፧

9 ብመንፈስ እተቐብአ ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ሰብ ኰይኑ ነቲ ሰማያዊ ህይወት ክበጽሖ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ስጋን ደምን ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክወርስ ኣይክእልን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:44, 50) እቲ ሰብኣዊ ስጋ የሱስ መጋረጃ ስለ ዝነበረ: እቲ ኣብታ ጥንታዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ነታ ቅድስቲ ኽፍሊ ካብታ ቅድስተ ቅዱሳን ዝፈሊ ዝነበረ መጋረጃ ናቱ ተምሳል ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:20) ድሕሪ ሞቱ ሰለስተ መዓልትታት ጸኒሑ ግን የሱስ መንፈስ ኰይኑ ብኣምላኽ ተንስአ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪኡ ተንሲኡ ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ማለት ኣብ ሰማይ ክኣቱ ይኽእል ነበረ። ኣትዩ ኸኣ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና ናብኣ ናብታ ሰማይ አተወ እምበር: ኣብቲ ምስሊ ሓቂ: ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ [ነቲ ቅድስተ ቅዱሳን የመልክት ምንባሩ ርዱእ ኢዩ] ኣይኰነን ዝአተወ።”—እብራውያን 9:24

10. የሱስ ንሰማይ ምስ ተመልሰ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

10 የሱስ ኣብ ሰማይ ነቲ በጅነታዊ ዋጋ ዘለዎ ህይወቱ ናብ የሆዋ ብምቕራብ ነቲ ናይ መስዋእቲ ‘ደሙ ነጸገ።’ ካብኡ ንላዕሊ እውን ገይሩ ኢዩ። ቀቅድሚ ሞቱ ንሰዓብቱ ከምዚ ኢልዎም ነበረ:- “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ: ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ: ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።” (ዮሃንስ 14:2, 3) ስለዚ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ወይ ሰማይ ብምእታው የሱስ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ መገዲ ከፈተ። (እብራውያን 6:19, 20) እዞም 144,000 ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ንኡሳን ጓሶት ብምዃን ኣብታ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምድላው ቤት መቕደስ የገልግሉ። (ራእይ 7:4፣ 14:1፣ 20:6) ልክዕ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ደም ዝራብዕ ወሲዱ ንሓጢኣት እቶም ካህናት ንምትዕራቕ ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን ዝነጽጎ: ዋጋ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ብመጀመርታ ኣብዞም 144, 000 ንኡሳን ጓሶት ኢዩ ዝውዕል። b

ዘመናዊ “ክቡር ነገር”

11. እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ድቤላ ንመስዋእቲ ዘቕርብ ዝነበረ ኣብ ክንዲ መን ኢዩ: እዚኸ ናይ ምንታይ ጽላሎት ኢዩ፧

11 ብ1935 እቲ ሓፈሻዊ ምእካብ ናይ ቅቡኣት እተደምደመ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። c የሆዋ ግን ንቤቱ ብኽብሪ ምምላእ ኣየቋረጸን። እወ: “ክቡር ነገር” ገና ናብ ቤቱ ክመጽእ ነበሮ። እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ክልተ እንስሳታት ማለት ንሓጢኣት ካህናት መተዓረቒ ዝኸውን ዝራብዕን ንሓጢኣት እቶም ካብ ካህናት ዘይነበሩ ነገዳት መተዓረቒ ዝኸውን ድቤላን ንመስዋእቲ የቕርብ ከም ዝነበረ ንዘክር። እቶም ካህናት ነቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ዝነግሱ ቅቡኣት ዘመልክቱ ካብ ኰኑ እቶም ካብ ካህናት ዘይነበሩ ነገዳትከ ድኣ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ ነይሮም፧ እቲ መልሲ ኣብቲ ኣብ ዮሃንስ 10:16 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ ኢና እንረኽቦ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን አለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ: ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሰኤንውን ሓደ።” ስለዚ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ንኽልተ ጕጅለ ሰባት ዝጠቅም ኢዩ። ቀዳማይ ነቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት: ካልኣይ ከኣ ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዝጽበዩ ዝጠቅም ኢዩ። እቲ ኣብ ትንቢት ሃጌ ዘሎ “ክቡር ነገር” ነዚ ካልኣይ ጕጅለ እዚ ከም ዘመልክት ርዱእ ኢዩ።—ሚክያስ 4:1, 2፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

12. ሎሚ ብዙሕ “ክቡር ነገር” ናብ ቤት ኣምላኽ ዝሰሓብ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ቤት የሆዋ በዚ “ክቡር ነገር” እዚ ገና ይመልእ ኢዩ ዘሎ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ክፍልታት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝነበረ እገዳታት ተላዕለ: እዚ ድማ ብስራት ናይታ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘይተዳህሰሰ ዞባታት ንኸስፋሕፍሕ ዘፍቅድ ኢዩ። ክቡር ነገር ናብ ቤት መቕደስ ክእከብ ከሎ: ንሳቶም እውን ብወገኖም ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምሕላው ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ይጽዕሩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ክገብሩ ከለዉ ንቤት የሆዋ ብኽብሪ ዝመልእ “ክቡር ነገር” ንምዃን ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት ዓበይትን ንኣሽቱን ሰባት የጋጥምዎም ኢዮም። እዚ ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣብነታት ርአ።

13. ሓንቲ ኣብ ቦሊቭያ እትነብር ንእሽቶ ቘልዓ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዘለዋ ቅንኢ ዝገለጸቶ ብኸመይ ኢያ፧

13 ኣብ ቦሊቭያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ዘለዉዋ ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ኣብ እዋን እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝበጽሓሉ ሰሙን ትምህርቲ ከተብኵር ንመምህራ ኣፍቀደት። ስለምንታይ፧ ኣብ ምልእቲ እዛ ፍሉይ ንጥፈታት ዝካየደላ ሰሙን እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ክትካፈል ደለየት። እዚ ንወለዳ ኣገሪምዎም ኢዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣመለኻኽታ ብምርኣያ ግን ተሓጒሶም ኢዮም። ሕጂ እዛ ንእሽቶ ቘልዓ እዚኣ ሓሙሽተ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኣላ። ገለ ካብቶም ተማሃሮ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይካፈሉ ኣለዉ። ንመምህራ እውን ከይተረፈ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ሒዛታ መጺኣ ኢያ። ምናልባት ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ገለ ካብተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮኣ ንቤት የሆዋ ብኽብሪ ዝመልእ “ክቡር ነገር” ምዃነን የርእያ ይዀና ኢየን።

14. ኣብ ኮርያ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንሓደ ተገዳስነት ዘይነበሮ ዝመስል ሰብ ብዘርኣየቶ ናይ ዘይምሕላል መንፈስ እንታይ ዓስቢ ረኸበት፧

14 ኣብ ኮርያ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ መደበር ባቡር ኰይና እናተጸበየት ከላ ንሓደ ኣብ እዝኑ መስምዒ ገይሩ ሙዚቃ ዝሰምዕ ዝነበረ ተመሃራይ ቀሪባ ኣዘራረበቶ። “ሃይማኖት ኣሎካዶ፧” ኢላ ኸኣ ሓተተቶ። እቲ ተመሃራይ “ብዛዕባ ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ተገዳስነት የብለይን” ኢሉ መለሰላ። እታ ሓብቲ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ቀጺላ “ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ሓደ ሰብ ሓንቲ ሃይማኖት ክመርጽ ይደሊ ይኸውን። ብዛዕባ ሃይማኖት ፍልጠት እንተድኣ ዘይጸኒሕዎ ግን ዘይቅኑዕ ሃይማኖት ክመርጽ ይኽእል ኢዩ።” እቲ ተማሃራይ ኣመለኻኽትኡ ተቐየረ እሞ ንሓብትና ብተገዳስነት ክሰምዓ ጀመረ። ሓንቲ ሃይማኖት ዝመርጸሉ ግዜ ምስ መጸ ዓቢ ሓገዝ ክትኰኖ ከም እትኽእል ብምግላጽ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ ኣበርከተትሉ። ብኡንብኡ ኸኣ ተቐበላ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ: ሕጂ ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ይካፈል ኣሎ።

15. ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትነብር መንእሰይ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ: ብዝገበረቶ ጻዕሪኸ እንታይ ዓስቢ ረኸበት፧

15 ኣብ ጃፓን: ሜጉሚ እተባህለት ጓል 12 ዓመት ንቤት ትምህርታ ከም ሓንቲ ንምስባኽን ንምምሃርን እትሰማማዕ ዕምርቲ ግራት ገይራ ኢያ እትምልከታ። ብዙሓት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ትመርሕ ኣላ። ሜጉሚ ብኸመይ ኢያ ከምዚ ዝበለ ፍረ ክትረክብ ክኢላ፧ ኣብ እዋን እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተንብብ ወይ ከኣ ንኣኼባታት ስለ እትዳሎ ደቂ ኽፍላ እንታይ ኢኺ እትገብሪ ዘሎኺ ኢለን ብተደጋጋሚ ይሓትኣ ነበራ። ገሊኣተን ከኣ ኣብ ገለ ገለ ናይ ቤት ትምህርቲ ንጥፈታት ስለምንታይ ከም ዘይትሳተፍ ይሓትኣ ነበራ። ሜጉሚ ንሕቶታተን ትምልሰለን ወሲኻ ድማ ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ትነግረን ነበረት። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ተገዳስነት የለዓዕለለን ነበረ። ቀጺላ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምራ ትሓተን። ኣብዚ እዋን እዚ ሜጉሚ 20 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኣላ: ካብኣተን እተን 18 ደቂ ኽፍላ ኢየን።

16. ሓደ ኣብ ካሜሩን ዝነብር ሓው ምስ ገለ ካብቶም መላገጽቲ ዝነበሩ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምር ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ኣብ ካሜሩን: ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ጕጅለ ሰባት ንሓደ ኣብ መገዲ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዕድል ዝነበረ ሓው ጸውዕዎ። ነቲ ሓው ብምኽንያት እምነቱ ከላግጽሉ ስለ ዝደለዩ ኣብ ስላሴ: ገሃነም እሳት: ወይ ኣብ ዘይትመውት ነፍሲ ዘይኣምነሉ ምኽንያት ሓተትዎ። ሓውና ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ ንሕቶታቶም መለሰሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ሰለስተ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ፍቓደኛታት ኰኑ። ዳንኤል ዝስሙ ሓደ ካብኣቶም ከኣ ኣኼባታት ክካፈል ጀመረ: ንዅሉ እቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዘራኽብ ነገራት ድማ ኣጥፍኦ። (ራእይ 21:8) ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኸኣ ተጠምቀ።

17. ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዝነብሩ ኣሕዋት ንሓደ ኣብ መጀመርታ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዕ ዘይደሊ ዝነበረ ሰብኣይ ንኽሰብክሉ ከመይ ዝበለ ብልሓት ኢዮም ተጠቒሞም፧

17 ኣብ ኤል ሳልቫዶር ሓደ ሰብኣይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝርኢ ኣብ ኣፍ ደገ ማዕጾኡ ብርቱዕ ከልቢ ይኣስር ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ዝኸዱ ይጽበዮም እሞ ምስ ከዱ ንኸልቡ ንውሽጢ የእትዎ ነበረ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ሰብኣይ ፈጺሞም ክዛረብዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ ሓደ መዓልቲ እተፈልየ ኣቀራርባ ክጥቀሙ ፈተኑ። እቲ ሰብኣይ ክሰምዖም ከም ዝኽእል ስለ እተረድኡ ኸኣ ነቲ ከልቢ ክሰብክሉ ወሰኑ። ናብታ ገዛ ኸይዶም ነቲ ኸልቢ ሰላምታ ኣቕረብሉ: ምስኡ ክዛረቡ ኣጋጣሚ ብምርካቦም ከም እተሓጐሱ ኸኣ ገለጽሉ። ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ: ሓደ እኳ ዘይሓርቀሉ: እወ: እንስሳታት እውን ከይተረፉ ሰላማውያን ዝዀኑሉ ግዜ ከም ዝመጽእ ተዛረብዎ። ድሕሪኡ ነቲ ኸልቢ ብልእመት ደሓን ኩን ምስ በልዎ ክኸዱ ተበገሱ። እቲ በዓል ቤት ካብ ገዛ ወጸ እሞ ንኽሰምዖም ኣጋጣሚ ብዘይምሃቡ ነቶም ኣሕዋት ይቕረታ ምስ ሓተቶም ኣዝዩ ደንጽይዎም ኢዩ። መጽሔታት ተቐበለ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ጀመረ። ሕጂ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓውና ኢዩ: ሓደ ካብቲ “ክቡር ነገር” ድማ ኢዩ!

“ኣይትፍርሁ”

18. ብዙሓት ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ጸገማት ኢዩ ዘጋጥሞም: የሆዋ ግን ንኣምለኽቱ ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶም፧

18 ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ስብከት መንግስትን ደቀ-መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ትካፈልዶ ኣሎኻ፧ ትካፈል እንተድኣ ኣሊኻ ዄንካ ብሓቂ መሰል ረኺብካ ኣሎኻ። ብርግጽ ከኣ በዚ ዕዮ እዚ ኣቢሎም ኢዮም እቶም “ክቡር ነገር” ዝዀኑ ብየሆዋ ናብ ቤቱ ዝሰሓቡ ዘለዉ። (ዮሃንስ 6:44) ሓቂ ኢዩ ሳሕቲ ትደክም ወይ ተስፋ ትቘርጽ ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ ገለ ካብቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ ናይ ባዶነት ስምዒት የጋጥሞም ኢዩ። ይኹን እምበር ኣይትተሓለል! የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ንዕኡ ዘምልኽ ሰብ ክቡር ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ: ብድሕነትካ ኸኣ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝግደስ።—2 ጴጥሮስ 3:9

19. የሆዋ ብሃጌ ኣቢሉ ከመይ ዝበለ መተባብዒ ኢዩ ዝሃበ: እዘን ቃላት እዚኣተን ንዓና ምንጪ ምጽንናዕ ዝዀናናኸ ብኸመይ ኢየን፧

19 ብምኽንያት ምጽራር ወይ ካልእ ዘየሐጕስ ኵነታት ተስፋ ምቝራጽ እንተድኣ ተሰሚዑና: እቲ የሆዋ ነቶም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ኣይሁድ ዝበሎም ቃላት ምንጪ ብርታዐ ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሃጌ 2:4-6 ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ሕጂ ኸኣ: ዎ ዘሩባቤል: ጽናዕ: ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ: ሊቀ ኻህናት: ድማ ጽናዕ: ኵልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ: ይብል እግዚኣብሄር: ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ: ዕየዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ከምቲ ኻብ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ቓል ኪዳነይ: መንፈሰይ ኣብ ማእከልኩም ይነብር አሎ: ኣይትፍርሁ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል አሎ፤ ገና ሓደ ጊዜ: ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ: ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ።” የሆዋ ጽኑዓት ክንከውን ይመኽረና ጥራይ ዘይኰነስ ጽኑዓት ንምዃን ክሕግዘና ዝኽእል ነገራት እውን ከም ዘዳልወልና ኣስተብህል። ብኸመይ፧ ነቲ “ኣነ ምሳኻትኩም እየ” ዝብል ዘጸናንዕ ቃላት ኣስተብህለሉ። ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት የጋጥመና ብዘየገድስ የሆዋ ምሳና ምዃኑ ምፍላጥ ክንደይ እምነትካ ዘደልድል ኰን ኢዩ!—ሮሜ 8:31

20. ሎሚ ቤት የሆዋ ሓለፍ ብዝበለ ክብሪ ዝመልእ ዘሎ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

20 የሆዋ ምስ ህዝቡ ምዃኑ ብሓቂ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ብነብዪ ሃጌ ገይሩ ዝገለጾ ኢዩ:- “ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ: . . . ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ።” (ሃጌ 2:9) ብሓቂ ኸኣ ሎሚ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኢዩ ዝርከብ። ከመይሲ ሎሚ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዓመት ዓመት ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ይውሕዙ ኣለዉ። ብመንፈሳዊ መገዲ ብግቡእ ይምገቡ: ኣብዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም እናነበሩ እውን ከይተረፈ ሰላም የስተማቕሩ ኣለዉ። ካብዚ ሰላም እዚ ጸብለል ዝበለ ሰላም ክርከብ ዝከኣል ከኣ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ጥራይ ኢዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ሉቃስ 12:42

21. ከመይ ዝበለ ቈራጽነት ኢና ክንገብር ዘሎና፧

21 የሆዋ ንኣህዛብ ኣብ ኣርማጌዶን ዘነቓንቐሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 16:14, 16) ስለዚ እምበኣር ነቲ ተሪፉና ዘሎ ግዜ ብዙሕ ህይወት ንምድሓን ንጠቐመሉ። ጽኑዓት ንኹን ኣብ የሆዋ ኸኣ ምሉእ እምንቶ ይሃልወና። የሆዋ ዕዮኹም ተወዲኡ ኢዩ ክሳዕ ዝብለና ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ብ“ክቡር ነገር” እናመላእና ኣብኡ ኣምልኾና ንምቕጻል ቈራጽነት ንግበር።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤት መቕደስ ተባሂሉ እተዋጽአ ገንዘብ በዚ ሕጂ ዘሎ ዋጋ ክትመን ከሎ ዳርጋ 40 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ነቲ ዕዮ ህንጻ ዘይውዕል ነገራት ኣብቲ ናይ ቤት መቕደስ ማዕከን ተቐመጠ።—1 ነገስት 7:51

b የሱስ ምትዕራቕ ዘድልዮ ሓጢኣት ስለ ዘይነበሮ ካብቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ሊቀ ኻህናት እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። እቶም ተሓባበርቱ ዝዀኑ ካህናት ግን ካብ ማእከል ሓጥኣን ደቅሰብ እተዓደጉ ብምዃኖም ሓጢኣት ነይርዎም ኢዩ።—ራእይ 5:9, 10

c ናይ 15 ለካቲት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-22 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

የሆዋ ካብ ንዋታዊ ነገራት ንላዕሊ ብዝያዳ ኣኽቢሩ ዝርእዮ እንታይ ኢዩ፧

እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ነየኖት ክልተ ጕጅለ ሰባት ኢዩ ዝጠቅም፧

እቶም ንቤት የሆዋ ብኽብሪ ክመልእዎ ዝነበሮም “ክቡር ነገር” ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧

ትንቢት ሃጌ ሎሚ ይፍጸም ከም ዘሎ ዘረጋግጸልና ኣየናይ መርትዖ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ንምሳልያዊ ትርጕም ጥንታዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ትፈልጦዶ፧

ቅድስተ ቅዱሳን

መጋረጃ

ቅድስቲ ኽፍሊ

ገበላ

መሰውኢ

ኣጸድ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሊቀ ኻህናት ንሓጢኣት እቶም ካህናት ንምትዕራቕ ዝራብዕ: ንሓጢኣት እቶም ካብ ካህናት እስራኤል ዘይነበሩ ነገድ ንምትዕራቕ ከኣ ድቤላ ንመስዋእቲ የቕርብ ነበረ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንብዙሓት ሰባት ናብ ቤት የሆዋ ከም ዝሰሓቡ ይገብሮም ኣሎ